እንቋዕ ንበዓል ቅዱስ ዮሃንስ መስቐለ ኣብጽሓና

እንቋዕ ንበዓል ቅዱስ ዮሃንስ መስቐለ ኣብጽሓና
ኣቦ መንበር ውሓኤ ኣቶ ዮሃንስ ተስፋሚካኤል
ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከብ ህዝብና እንቋዕ ንበዓል ቅዱስ ዮሃንስ-መስቐለ ኣብጽሓካ ኣብጽሓና፡ እንዳበልኩ ብስም መላእ መሪሕነትን ኣባላት ውሓኤ ሰላምታይ የመሓላልፈልኩም። ህዝብና ንነዊሕ ዓመታት ስድራ ቤታት ተበታቲኑ ዘይንቡር በዓላት ክሓልፎ ጸኒሑን ኣሎ። ባህግታት ህዝብናን ዘይፈላለ ባሕግታትና ስለ ዝኾነ ከኣ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ንምርግጋጽ ክቡር ባህልታት ህዝብና ኣብ ንቡር ንምምላስ ሓድነትና ክድልድልን ክሕይልን ኣብ መስርሕ ንቃልስ ንርከብ። ምእንቲ’ዚ ከኣ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ – መስቀለ በዓል ሰላምን ራህዋን፡ ቅሳነት ህዝብና ክኸውን እንዳተመነና ሰላምታይ የመሓላልፍ።
ኣቶ ተስፋሚኪኤል ዮሃንስ
ኣቦ መንበር ውሓኤ
11 መስከረም 2021
You must be logged in to post a comment.