መጎስን ምስጋናን !!

መጎስን ምስጋናን !!

ላዕላዋይ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ልፍንቲ (ኤሃዲል) ኣብ ቦኽሪ ኣኼብኡ፣ ንሓፋሽ ህዝብናን ንዅሎም መራሕቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን በርጌሳዊ ማሕበራትን፣ ምሁራትን፣ መራኸቢ ብዙሓንን፣ ነቲ ኣብ ዝኽሪ 60 ዓመት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኻየደ ጽምብል ኣዋጅ መስከረም፣ ምቋም ልፍንትና ዕድሜና ኣኽቢሮም ብምሳተፎምን ሃገራዊ ምስክረነቶም ዘርኣዩን ዘመዝገቡን ክብ ዝበለ ምስጋና ከቕርብ ደስታ ይስመዖ።

ከምኡ’ውን ነቶም ናይ ዮሃና መልእኽቲ ዝሰደዱን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መራኸቢ ነቲ ብዕለት 10 መስከረም 2021 ዝተኣወጀ “ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ልፍንቲ” ኣመልኪቶም ዘቃልሕዎ ደገፍን ምትብብዓን ልዑል ምስጋናን መጎስን ይብጻሓዮም።

ሓፋሽ ተቓላሳይ ህዝብና  እዚ ዝተወስደ ስጉምቲ ንኽረጋገጽ ዓቢ ደራኺ ሓይሊ ስለ ዝነበሮን፣ ከምኡ’ውን ምቋም ኤሃዲል ምስ ተኣወጀ ዘርኣዮ ሞራላዊ ደገፍን ኣብ ግምት ብምውሳድን፣ ላዕለዋይ መሪሕነት ኤሃዲል ኣብ ልዕሊ ተቓላሳይ ህዝብና ዘለዎ እምነት ዓቢ ምዃኑ  ኣብ ቀጻሊ ጉዕዝኡ ድማ ኣጽኒዑ ከም ዝሕዞን ኣረጋጊጹ። በዚ መንፈስ’ዚ ኣኼባ ላዕላዋይ መሪሕነት ትልሚ መደባት ኣብ ምሕንጻጽን ኣብ ውድባን ዜናን ዲፕሎማስን ካልእ መዳያትን ንዑኡ ዘተግብሩ ትካላትን ምምሕዳራትን ኣብ ምቋም ከም ዝርከብ ክንሕብር ንፈቱ።  

ኣብ መደምታ።  ኣብ ክሊ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ይኹን ወጻኢ ካብኡ፣ ብኹሎም ፖለቲካውያንን በርጌሳውያንን ሓይልታት ተቓውሞ፣ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ሃገርና ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ክዕወት ናይ ግድን ምዃኑ ንህዝብና ብሓፈሻ ንተቓላስቲ ደቁ ድማ ብፍላይ ጽኑዕ መትከላዊ እምነታና  ምዃኑ ደጊምና ነረጋግጽ።

ላዕለዋይ መሪሕነት ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ልፍንቲ

15 መስከረም 2021

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.