ኤርትራውነት ብደም እተሃንጸ መንነት ፡  

ኤርትራውነት ብደም እተሃንጸ መንነት ፡  

                                           “ንዓይ ሃገረይ እንታይ ትገብረለይ ዘይኾነስ ፣ ኣነ ንሃገረይ እንታይ ይገብረላ “ JFK ”

ክብሮም ግረነት

                       መንግስቲ ጣልያን ብ1 ጥሪ, 1890 ኤርትራ ዕላዊት ግዝኣታ ምዃና ዝኣወጀትሉ ዘመን እዩ ። ውድብ ሓድነት ኣፍሪቓ ክኣ ብ1964፣ ካብ ሕጂ ዶባት ክንሕንጽጽ ኣብ ኹናትን ግርጪትን ከይንኣቱ ፣ በቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝሓንጸጽዎ ዶባት ተማእዚዝና ንኪድ ክብሉ  ወሲኖም ። በዚ ዝኣክል ኤርትራ እተነጸረ ዶባት ዘሎዋ ልዑላዊት ሃገርን ፣ኣባል ውድብ ሓድነት ኣፍሪቓን ፣ ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እያ ። ኣብዚ ብንጹር ክፍለጥ ዘለዎ ፣ ኤውሮፓውያን ወረርቲ ዶባት ክንሕጽጹ እንከለዉ ናይቲ ከባቢ ተቀማጣይ ህዝቢ ድልየት ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይነበረን። እዚ ስለ ዝኾነ ሓደ ብሔር ኣብ ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣብ ዝኾና ሃገራት ተመቂሉ ክነብር ተግዲዱ ኣሎ  ። ንኣብነት ኣብ ኤርትራ ትግርኛ ተዛረብቲ ኣብ ከበሳ ኤርትራን ፡ ኣብ ትግራይን ይርከቡ ፡ ዓፋር ኣብ ኤርትራ ኣለዉ ፡ከምኡ እውን ኣብ ኢትዮጵያ ፣ ኩናማ ኣብ ኣብ ኤርትራን ኣብ ኢትዮጵያን ኣለዉ ። ብናዓምር ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ኣሎዉ ። ብሔር ኦሮሞ ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ከንያን ኣሉዉ ።እዚ ማለት እዘን ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዘለዋ ብሔራት ምስ ዝመስልወን ኣብቲ ጎረቤት ሃገር ዘሎ ብሔር ሃገር ክምስርታ ዝደልያ ብዙሓት እየን ። ግን ካብ ሓሳብ ሓሊፉ ብመሰረት ውሳኔ ሕብረት ኣፍሪቓ ፍጹም ግብራዊ ኽከውን ኣይክኣልን እዩ።  

ገለ ገለ ፖለቲካ ንፈልጥ ኢና ዝብሉ ፡ ኤርትራውነት ሱቅ ኢሉ ኣብ ሕጻ ዝተነድቀ ፡ እሞ ከኣ ብዘረባ ዝፈርስ ይመስሎም ። ናይ ምቅላስ ሕልንኦም እንተ ደኸመ እሞ ኤርትራውያን ኣይኾናን እንተበሉ ፡ ቅሳነትን ሰላምን ክብርን ብእንቓዓ ዝሓፈሱዎ ይመስሎም  እዚ ከኣ ዝበዝሑ ብትግራይ ንስደት ዘምርሑ ከም ቅድመ ኹነት ኣብቲ መዓስከራት ዝሕደሱሉ ኣስተምህሮ ይምስል ። ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ውጻኢ ሃገራት ብርክት ዝበሉ ናይ ጥፍኣት ፍላስፋታት ለይትን መዓልትን ኤርትራውነት ንምጥፋእ ኣስተምህሮ ዝልግሱ ኣሎዉ ። ኤርትራ ማለት ናይ ብዙሓት ብሔራት ሃገር ምዃና ያኢ ተረሲዑ ። ስለዚ ሓድ ሓደ ተወላዶ ናይ ሓደ ብሔር መንነቶም ኪሒዶም ኤርትራውያን ኣይኾናን እንተበሉ ፣ ሃገረ ኤርትራ ትፈርስ ኾይኑ ዝመስሎም ኣሎዉ ። እንተኮነ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኮነ ህዝቢ ኣፍሪቓ ንላዕሊ ኤርትራውነቱ ብደሙን ኣዕጽምቱን ዝሰረተ ብዓል ጽቡቅ ባህሊ ጅግና ህዝቢ እዩ ። ኣብ ግዜ ቓልስን ድሮ ሃገራዊ ነጽነትን ፡ ዓለም ብዛዕባ ኤርትራ እንታይ ትብል ከምዝነበረት ተረሲዑ ። ምክንያቱ ህግድፍ ንህዝብና ንቡር ክረክብ ስለ ዘይፈቀደሉ ። ስለዚ እዞም ኤርትራውያን ኣይኾናን ዝብሉ ፣ኣብ ክንዲ ነቲ ስርዓት ዝቓለስዎ ተስፋ ቆሪጾም ። ተስፋ ዝቀረጸ ሰብ ከኣ ምውት ሰብ እዩ ። ካብዚ ተበጊሶም ከኣ ገድልን ኤርትራውነት ዝገበረልና የብሉን ፣ ስለዚ እቲ ዘርበሓና መንነት ኣሊሽና ኣሎና ክብሉ ክምድሩ ይስምዑ ። እቲ ቁኑዕ ግን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ “ንዓይ ሃገረይ እንታይ ትገብረለይ ዘይኾነስ ፡ ኣነ ንሃገረይ እንታይ ይገብረላ“ ክብሃል ነይሩዎ ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘን ዝሓለፈ 135 ዓመታት ካብ መግዛእቲ ጥልያን ፡ እንግሊዝ ፡ ኢትዮጵያ ፡ ሎሚ ከኣ ህግደፍ ብዘይ እፎይታ ክሳቀን ፡ ክስደድን ፡ ክመውትን እንከሎ ፡ ብዘይ ኣፈላላይ ብሓባር ናብ ኩሉ ውግኣት ብትብዓትን ቆራጽነትን ተወፊዩ እዩ ። ሻቡ ኣብቲ ጸላም ግዜ ኤርትራዊ ኣይኾንኩን ኣይበለን፣ ግደፍ ሕጂ ነጻ ሃገር ብደሙ ምስ መስረተ ። እወ እቲ 1, መስከረም 1961 ብጅግና ስውእ እድሪስ ሓምድ ዓዋተ ዝተበገሰ ስውራ ፡ ዕላማኡ ሚእቲ ካብ ሚእቲ እዃ እንተሃረመ ፡ በዚ ከዳዕ ጉጂለ ህግደፍ ተመንጥሉ ህዝብና ኣብ መግዛእቲ ይቅጽል ኣሎ። ካብ ባዕዳዊት ኢትዮጵያ ነጻ ክንወጽእ ዝኸፈልናዮ ስሳን ሓሙሽተ ሽሕ( 65, 000) ሂወት ከይኣክልስ ፡ ሕጂ ከኣ ህግደፍ ንድሕነት ባዕዳዊት ኢትዮጵያ ክንድኡ ሂወት የክፍለና ኣሎ ።  ካብዚ መሪር ውርደት እዚ ክንወጽእ፣ ኩሉ ካልኣዊ  ጉዳያትና ኣወንዚፍና ብሓደ ኾይና ንስራሕ !  

                      እዞም ኤርትራውያን ተጋሩ ኢና ዝብሉና ዘለዉ ፤ ካብ ኢሳያስ ኣፈውርቅን ጉጂሊኡን ብምንታይ ይፍለዮ ?

                      ትግራይ ሃገር ከትከውን ዕድል ምስ እትረክብ ኣድላይነት እንተሃሊይዎ፣ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ድጋፍ ዝህቡ ሰብ እየ ። ምክንያቱ ውድብ/መርሕነት ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ጉዳይ ልዑላውነት ኤርትራ ብዝወሰድዎ ነቅ ዘይብል መርገጽ እዩ ። ሕጂ እውን ድጊመ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እተፈጸመ ኢሰብኣዊ ተግባር ይኹንን ። ከምኡ እውን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ካሊእ ህዝቢ ክፍጸም የብሉን ይብል ። ህዝቢ ትግራይ ወይ ትግራዋይ ሎሚ ኢትዮጵያዊ ጽባሕ ኢትዮጵያዊ ድሕሪ ጽባሕ እውን ኢትዮጵያዊ እዩ ። ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ብደም ተጋሩ እተሃንጸት ሃገር እያ ። ጉንደት ጉራዕ መተማ ዓድዋ ኩሉ ደም ትግራዋይ እዩ ፈሲሱዎ ። ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ብዘይ ዓድዋን ኣኽሱምን ከም ጨው ዘይብሉ መግቢ እያ ። ሰብ ታሪኽ ክገልጽዎ እንከለው ፡ ንጉስ ምኒልኽ  ምስ ጣልያን ብጉዳይ ዶባት ኤርትራ ክዛተ እንኾሎ “ኣልወሃ ምላሽ”  ክወስዱ ተሰማሚዑ ነበረ ይብሃል ፡ ሽዑ ነተን ብዓልቲ ቤቱ ዝነበራ ንግስቲ ፀሃይቱ ምስ ነገረን ግሪሙውን “ ኢትዮጵያ ብዘይ ኣኽሱም” እንታይ ትርጉም ክህሉዋ እዩ ? እዝስ ኣይኸውንን በለኦ ይብሃል ። ብተወሳኪ ምሁራን ታሪኽ  ከም ዝገልጽዎ ኣብ ኣኽሱም ቤተ ክርስትያን ማርያም ጽዮን ፣ ጽላት ናይ እቶም ዓሰርተ ትእዛዛት ኣምላኽ ንነቢይ ሙሴ ዝሃቦ ተዓቁቦምላ ዘለው ቅድስትን ታሪካዊትን ከተማ ምዃና ይንገረላ እዩ። ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትግራይ ሃገር ክትከውን ዝፍርም ኣይመስለንን ። ትግራይ ሃገር ክትከውን ዘሎ ሓደ ዕድል ፡ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈሪሱ ኹለን ክልላት ነጻነትን ምስ ዝእውጃ እዩ  

                      እዚ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ሕልሚ ዘይኾነ ክውንነት እዩ ። ካብዚ ብምብጋስ  እቶም ተጋሩ ኢና እትብሉና ዘሎኩም ኤርትራውያን ፣ ብካልእ ኣዛራርባ ኢትዮጵያውያን  ምዃንኩም ትገልጹልና ኣሎኩም ፡  

                      ኢሳያስ ኣፈውርቂ ናብ ኣዲስ ኣባባ ከይዱ “ ህዝቢ ኤርትራ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ እዩ ፣ ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብል ዓሻን ታሪኽ ዘይፈልጥ እዩ “ በለና ። ከምኡ እውን ነቲ እተከፍለ መስዋትነት ናይ ኣሽሓት ኤርትራውያን “ ኣይከሰርናን “ ክብል ደምዲሙዎ ። ስለዚ እዞም ተጋሩ ኢና እትብሉና ዘሎኩም ኤርትራውያን ኣብ መወዳእታ ትግራይ ኢትዮጵያ ካብ ኮነት ፡ ጎንድር ከኣ ኢትዮጵያ ካብ ኮነት ፡ ምስ ኣቶ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብታ ዓባይ ኢትዮጵያ ክትራኸቡ እኩም ማለት ድዪ ። ስለዚ እንታይ እዩ እቲ ፍልልይ ኣብ መንጎ እዞም ኤርትራውያን ተጋሩ ኢና ትብሉን ፣ ኣብ መንጎ እቲ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ዝደልያን ዝምነያን ዓባይ ኢትዮጵያ ? ብካልእ ኣዛራርባ ምስ ህግደፍ ናይ ስነ -ሓሳብ ፍልልይ የብልኩምን ማለት ዲዩ ።

                      ኣብ መወዳእታ ።

                       ውድብ ሓርነት ትግራይ ካብ መጀመርያ ግዜ ቓልሲ ይኹን ክሳብ ምእዋጅ ነጻናት ኤርትራ ዘርኣዩዎ መርገጽ ዝንኣድ እዩ ። ሕጂ ከኣ ብከምኡ ክቅጽሉዎ እላቦ ። እዚ ማለት ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ጽቡቅ ዝምድና ክፍጥር ይክእል ። እንተ እቲ  ኣብ ደደቢት መድያ ዝዝረብን ኣብ ትግራይ መድያ ሃውስ እንሰምዖ መደረታት ነባሪ ጽልኢ እምበር ፍቅሪ ዘምጽእ  ኣይኾነን ። ከምኡ ናይ ገለ ገለ ኤርትራውያን መድያታት እንተርኢና ብምሉእ ሓይሎም ኣንጻር ህወሓት ውፍሪ ከኽይዱ ይራኣዩ  ። ስለዚ በዚ ይኹን በቲ ካብ ክልቲኡ ህዝብታት ሕሉፍነት ዝስደዖም ክህሉው ባህርያዊ እዩ ። ብሓጺሩ ግን ኩሉ ኤርትራዊ ይኹን ትግራዋይ ሰላም ዝመርጽ ስለ ዝኾነ ብልፍንቲ ነዚ ፋሽሽታዊ ስርዓት ኣወጊዱ ሰላም ክነግስ ዘክእል መንግዲ ከናዲ ኣሎዎ ።

ዝክሪ ንስውኣትና !

ኣምላክ ኤርትራ ሃገና ይባርኽ !

ክብሮም ግረነት

9/16/21

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.