ኣዋጅ መስከረም

 ብዛዕባ ስምምዕ ኩሉ መደያዊ ምውህሃድ ሰለስተ ውድባት

10 መስከረም 2021  

ሓርበኛ ተቓላሳይን ጽኑዕን ህዝቢ ኤርትራ!

ኣንጻር ምልክን ጭቆናን ዝቃለሱ ኩሎም ኤርትራውያን !

ሕና እዞም ኣብ ታሕቲ ኣስማትና ሰፊሩ ዘሎ ሰለስተ ውድባት ኤርትራ፣ ሃገርና ንምድሓንን ህዝብና ካብ’ቲ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመት ዘሕልፎ ዘሎ ጭቈናን ግፍዕን ዝመለኦ ምሕደራ ንምግልጋልን፣ ቃልስና ብዕቱቡነት ክንቅጽሎ ደጊምና ቃልና ነሐድስ ኣሎና። መጻኢ ወለዶታት ኤርትራ ካብ መቕዘፍትን ጭቈናን ውሽጣዊ ኮነ ግዳማዊ ውግኣትን ንምድሓን፣ ንገዛእ ርእስናን ንሓፋሽ ኤርትራዊ ናይ ቃልሲ ንያትን መንፈስን እነሐድሰሉ መድረኽ ኢዩ። ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ንመንእሰያትና ካብታ ዝፈትውዋ ሃገሮም ሰላማዊ ህይወት ምእንቲ ክረኽቡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ፋሕ-ፋሕ ክብሉ ብምድፍፋእ፣ ኣዕናዊ ስትራተጂይኡ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎ እዩ። ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ብግቡእ ንኽይጣየሱ ስርዓት ህግደፍ ዕንቅፋት ኰይንዎም ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ’ዚ ዘይርትዓዊ ፖሊሲ  ስርዓት ህግደፍ፣ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ይኹን ኣብ ዝተረፈ ክፋል ዓለምን ዝርከቡ  ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘሕለፍዎ ዘለዉ ስቓይን መከራን ክሳዕ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ድሕሪ ሓርነት ነዊሕ ከይጸንሑ ናብ ሃገሮም ናይ ምምላስ መደብ ብዝዀነ ይኹን ሃገራዊ መንግስቲ ቀዳምነት ኪወሃቦ ዚግባእ እኳ እንተ ነበረ፣ ስርዓት ህግደፍ ግን ብኣንጻሮ ሓደሽቲ ሰደተኛታት ክም ዝውሰኽዎም ገበረ።

ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ሉዓላውነት ሃገርናን ሓድነትን ህዝብና ኣብ ኣዚዩ ዘስግእ ኩነታት ከም ዝርከብ ህዝብና ብግቡእ ፈሊጥዎ ኣሎ። ካብዚ ተረድኦ’ዚ ብምብጋስ፣ ንሕና መሰረታትን መራሕትን እዘን ሰለስተ ውድባት፣ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መስርሕ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኸነቀላጥፎ ግዴታ ከም ዘሎና ኣለሊናን፣ ነቲ ህዝብና ዘማዕድዎ ናጽነትን ሓርነትን ከምኡ’ውን ነቲ ክቡር ሃገራዊ ዕላማታት ኣብ መፈጸምትኡ ንምብጻሕን፣ ዓቕምታትና ብሓባር ክንጸምዶ ወሲንና።  

ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፣ ውድባትና በቶም እተመርጹን ሙኩራትን ኣባላትና ዝምራሕ ናይ ዘተ ሽማግለታት ኣቢለን ንነዊሕ ኣዋርሕ ኣብ ሃናጺ ዘተን ልዝብን ተጸሚደን፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውድብ መደብ ዕዮን ሰነዳትን ብግቡእ ኣጽኒዐን። ነቲ ምስ ናይ ሓድነት መስርሕ ዝተተሓሓዘ ንነዊሕ ዓመታት ፖለቲካዊ ሓይልታትና ዘሕለፎ ተመክሮታት ብወድዕነትን ብግሉጸንትን ብምግምጋም፣ ኣብ መስርሕ ቃልስና ንመጻኢ ጠቓሚ ትምህርቲ ቀሲመን። ካብ ታሕቲ ክሳዕ ላዕሊ፣ ብደረጃ መሪሕነታዊ ጽፍሕታት ይኹን ብደረጀ መሰረታት ናይ’ተን ሰለስተ ውድባት ዝካየድ ኩሉ መዳያዊ ምውህሃድ ናብ ፍጹም ሓድነት ንምብጻሕ ዝዓለመ መስርሕ ኢዩ። ብተወሳኺ’ውን መስርሕ ምውህሃድ ክሳብ ምዝዛሙ ብግቡእ ዝክታተልን ዝቊጻጸርን ኣካል ንምቋም ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። ከም ናይ መወዳእታ መደብ ከኣ እዚ ተበጊሱ ዘሎ መስርሕ ምውህሃድ ሰለስተ ውድባትና ብዛዕባ ህልውን መጻእን ቀንዲ ሃገራዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ጕዳያት ሓባራዊ ኣረኣእያ ፈጢርካ ናብ ፍጹም ሓድነት ንምብጻሕ ዝሓለነ መስርሕ ኢዩ።

እቲ ነዊሕ መስርሕ ዘተ ምስ ተዛዘመ፣ ናብ ትካላት ነፍሲ ወከፍ ውድባትና ብመሰረት ውሽጣዊ ሕግታተን ቀሪቡን ጸዲቑን። እዚ ኣብ መንጎ ሰለስተ ውድባትና ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ብዚ ኣዋጅ’ዚ ኣቢልና ንህዝብናን ፈተውትናን ከነበስር ሓበን ይስመዓና። እዚ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ብህዝብናን ብዅሎም ተቓወምቲ ሓይልታትን ክተባባዕ ምዃኑ’ውን ትጽቢትና ዓቢ ኢዩ።

ኣብ ትሕቲ “ኤርትራዊ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ልፍንቲ” ዝብል መጸወዒ ስም፣ ተበጊሱ ዘሎ ኩልንተናዊ ምውህሃድ ሰለስተ ውድባትና፡  ካብ ኣገዳስነትን ተደላይነትን ሓባራዊ ዕዮ ዝመሰረቱ ርድኢትን ዕግበትን ዝተበገሰ ኮይኑ፣ ንጹር ዕላማን ሽቶን ንምርግጋጽ ዝዓለመ መደባትን ናይ ስራሕ ትልምን ሓባሪ መንገድን (ሮድ ማፕ) ብምሕንጻጽ፣ ንዕኡ ዝመርሕ ሓባራዊ ላዕላዋይ መሪሕነትን፣ ናይ ስራሕ ሽማግለታትን ክቐውም ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ። እዚ መስርሕ’ዚ ብደረጃታት እና ማዕበለ ብምምጻእ ናብ ፍጹም ሓድነት ንምብጻሕ ዘማዕድወ ራእይ ዝሓዘለ ኢዩ። ኣብዚ መድረኽ’ዚ ጸቢብ ውድባዊ ረብሓታት ወጊድካ ነቲ ዝለዓለ ሃገራዊ ረብሓታት ንምርግጋጽ ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ኣምር ምዃኑ ነቕ ዘይብል ዕግበትና ኢዩ።

እቲ ኣብ መንጎ ሰለስተ ውድባትና ዘሎ ናይ ምሉእ ምውህሃድ መስርሕ፣ ሃገራዊ ሓላፍነትና ዝደረኾ ኮይኑ፣ ሕድሪ ዉፉያት ስዉኣትናን፣ ባህግታት ህዝብናን ከምኡ’ውን ነቶም ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ዝሰንከሉ ጀጋኑ ውጉኣት ሓርነትን ዝተቓለስሉ ዕላማታት ኣብ ሽትኡ ንምብጻሕ ዝሓለነ ሃገራዊ መስርሕ ኢዩ።  ብፍላይ ድማ ኣብዚ ኣዝዩ ተሃዋስን ወሳንን መድረኽ፣ ሃገርናን ህዝብናን ዘሕልፍዎ ዘለዉ ሓደገኛ ፖለቲካውን ቍጠባውን ማሕበራውን ኵነታት ንምግጣም ተዓጻጻፈ ጻዕርን ትብዓትን ዝሓትት ምዃኑ ካብ ነፍሲ ወከፍ ሃገራዊ ስዉር ኣይኮነን። ንውልቀ – ምልካዊ ጃንዳ ንምስዓርን፣ ንህዝብና ካብቲ ደማዊ ጭቈና ናጻ ንምግባርን ዕቱብ ቃልሲ ዝሓትት ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ  ኤርትራዊ ተቓላሳይ፣ ልዕሊ ዅሉ፣ ሓይሉ ጠርኒፉ  ናውቲ ቃልሲ ብሓባር ጸሚዱ ሃገሩን ህዝቡን ከድሕንን፣ ኣብ ሃገርና ርግኣትን ሰላምን ንምስፋን፣ ምውዳቕ ምልካዊ ጃንዳ ህግደፍ  ኣብ ቀዳማይ ቦታ ክሰርዕ ሃገራዊ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ከነዘኻር ንፈቱ።

ጽኑዕ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ሓይልታቱን!

ሰለስተ ውድባትና፡ ንሃገራዊ ድልየታት ኣባላትናን ንባህግታትን ህዝብናን ንምርግጋጽን፣ ህዝቢ ኤርትራ ዘማዕድዎ ለውጢ ክውን ንምግባርን፣ ብዘይካ ተጠርኒፍካን ሰሚርካን፣ ከምኡ’ውን ምስ ኩሎም እቶም ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝቃለሱ ውድባትን ኩሎም ሃገራውያን ተቓወምቲ ሓይልታትን ብሓባር ሰሪሕካን ጥራሕ ከም ዝረጋገጽ ጽኑዕ እምነት ኣለወን። እዚ ተወሲዱ ዘሎ ዓቢ ታሪኻዊ ስጉምቲ መቐጸልታ ሕሉፍ ሃገራዊ ቃልስና ኮይኑ፣ ንህዝብና ሓራ ንምውጻእን፣ ኣብ ትሕቲ ኩሎም ኣካውና ሕብረተሰብና ዝሰማምዑሉ ሃገራዊ ቅዋም ኮይኖም፣ ኣብ ሃገርና ሓርነትን ፍትሕን ማዕርነትን ርግኣትን ክውን ንምግባር ዝዓለመ ሓፈሻዊ ሃገራዊ መትከልና ኢዩ።

ኣዋጅ ሓድነትና ምስ’ቲ ብሓደ መስከረም 1961 ብስዉእ ጅግና ሓርበኛ ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝተበገሰ ዕጥቃዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽሪ መበል 60 ዓመት ኣብ ነብዕለሉ ዘሎና እዋን ምእዋጁ፣ ኣብ ሃገራዊ መትከላትና ከም ወትሩ ቀጥ ከም እንብልን፣ ኣብቲ ዝሰፍሐ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ጽላል ዝዀነ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ከም ኣካሉ መጠን ጸኒዕና ቃልስና ክንቅጽሎ ምዃንና ቃልና ነሕድሰሉ ኣጋጣሚ ኢዩ። ምኽንያቱ ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ከምኡውን በርጌሳዊ ማሕበራትን ዝሓቘፈ ሰፊሕ ኪዳን ስለ ዝኾነ ኢዩ። እቲ ናይ ሰለስተ ውድባትና ስምምዕ ግደ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ብዝያዳ ንምዕዛዝን፣ ከምኡውን ኣብዚ እዋን እዚ ዀነ ኣብ መጻኢ ሓባራዊ ሸቶታት ክሳዕ ዝብጻሕ፣ ነቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዘሎ ዘይመሰረታዊ ፍልልያት ኣሊኻ ብሓባር ንምቅላስ ዝዓለመ ኢዩ። ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘለንና ምትእምማን ደጊምና ብምርግጋጽ፣ ብምትሕብባር ምስ ኩሎም ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ፣ ኤሃባደለ ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ኣብ ምእላይ፣ መሪሕን ቀላስን ግደ ንኽህልዎ ዕዙዝ ገድላዊ ተራ ክንጻወት ምዃንና ነረጋግጽ። እዚ ወሲድናዮ ዘለና ናይ ሓድነት ስጉምቲ ኣንጻር ዝኾነ ሃገራዊ ሓይሊ ዘቕነዐን፣ ወይ’ውን ገለ ኣካላት ንምንጻልን ዝዓለመ ዘይኮነስ፣  ኵላትና ሃገራውያን ተቓለስቲ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ከም ዘለና መጠን ብሓባር ክንቃለስ ናይ ግድን ምዃኑ እምነትና ጽኑዕ ዘረጋግጽ ሓቂ ኢዩ። ካብ’ዚ ተረድኦ’ዚ ብምብጋስ፡ ምስ ኩሎም ሃገራውያን ሓይልታት ዘለና ዝምድና ዘይቅየርን ቀዋምን ኢዩ። እዚ ኣብ መንጎ ሰለስተ ውድባት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ንዅሎም መቓልስትና ክፉት ምዃኑ ነረጋግጸሎም። ንዝዀነ ይኹን ውድብ ወይ ጕጅለ ናይ ምንጻግ ይኹን ናይ ምንጻል ዝንባለ ፈጺሙ ዕላማ የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ሃገሩ ኣብ ምምሕዳርን፣ ሃገራዊ ሉዓላውነታ ኣብ ምዕቃብን፣ ሓድነት ህዝባ ኣብ ምውሓስን፣ ናይ ህዝብና ወሳኒ ተራ ዘረጋግጽ ደሞክራስያዊ ስርዓት ናብ ምምስራት ዝመርሕን፣ ሕገ መንግስቲ ቀንዲ ውሕሰንት ግዝኣተ ሕግን፣ ዜጋታት፣ ማሕበራውን ባህላውን ሃይማኖታውን ቋንቋውን ኣውራጃውን ኣካውነኦም ብዘየገድስ፣ ኣብ ትሕቲ ሕገ መንግስቲ ብፍትሕን ብማዕርነትን ዝመሓደርሉ ስርዓት ንምትካል፣ ሓድነትን ስጥመትን ሃገራውያን እንኮ ስትራተጅያዊ ጎደና ከም ዝዀነ ተመክሮና ዘረጋገጾ ሓቂ ኢዩ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃገራውያን ሓይልታት ንዝግበር ዝዀነ ይኹን ናይ ምቅርራብ ጻዕሪ ብዘይምውልዋል ደገፍቱ ኢና።

ጽኑዕ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራን ተቓለስቲ ሓይልታቱን

ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ’ዚ፣ ንመላእ ህዝብና ዮሃና ብምባል፣ ንዅሎም እቶም ኣብ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዘለዉ፣ ብፍላይ ከኣ ንመንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፣ እዚ ናይ ሓድነት መስርሕ ክድግፍዎ ዓቢ ትጽቢት ከም ዘለና ከነረጋግጸሎም ንፈቱ። ኩሎም ሃገራውያን ሓላፍነቶም ክስከሙን፣ ኣብ ኤርትራ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝግበር ቀጻሊ ቃልሲ ብንጥፈት ንኽሳተፉን ንምሕጸኖም። ኤርትራውያን ምሁራትን ልሉያትን ሃገራዊ ዕላማ ህዝብና ንምርግጋጽ እጃሞም ከበርክቱ ኣትሪርና ንጽውዕ። ኣሕዋትናን ፈተውትናን ድማ፣ ህዝብና ዘካይዶ ንዘሎ ፍትሓዊ ቃልሲ ኩሉ ዓይነት ሓገዛትን ምትሕብባርን ክገብሩ ብምጽዋዕ፣ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ፣ ዞባውን ኣህጉራውን ርግኣትን ምትሕብባርን  ንኸነግስ ልሉይ ተራ ክህልዋ ዓቢ ጻዕሪ ከነካይድ ምዃንና ነረጋግጸሎም።

ኣብ መደምደምታ ነቶም ንመስርሕ ሓድነት ብንቕሓት ዝደገፉን ዘተባብዑን፣ መሪሕነታትና ይኹን ናይ ዘተ ሽማግለታት ዘካየድዎ ጻዕርታት ኣብ ምዕዋት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዘርኣዩን፣ ኣባላት ሰለስተ ውድባትና ልዑል መጎስና ነቕርብ። ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ናይ ምውህሃድ ስምምዕ ዕላምኡ ከረጋግጽን፣ መስርሕ ሓድነትና  ክዕወት ተረኦም ክብ ከብሉ ነዘኻኽሮም። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትን፣ ሓይልታት ጸጥታን ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ክብሉን፣ ንትእዛዝ ጨቋኒ ስርዓት ክሕሰሙን፣ ነታ ክቡር ህይወት ስዉኣትና ዝተኸፍላ ሃገር  ንምድሓን ዕዙዝ ተራ ክጻወቱን ኣትሪርና ንምሕጸን።

ዕድመ ንቃልሲ ጽኑዕ ተቓላሳይ ህዝቢ ኤርትራ !!

ክብርን መጎስን ንውጋኣት ሓርነትን ውፉያት ገዳይም ተቓ

ውድቀትን ሕፈተን ንምልካዊ ጨቋኒ ስርዓት !!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና !!

ስለ/ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ                      ስለ/ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ    ስለ/ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገር

ዶር. ዩሱፍ ብርሃኑ                                       ተጋ/ መሓመድ ኢስማዒል ሁመድ                     ዶር. ኣሕመድ ሳልሕ

ኣቦ መንብር ፈጻሚ ኣካል                               ኣቦ መንበር ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት                    ኣቦ መንበር መሪሕነታዊ /

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.