ሳምቡሳምቦ ንዝበለ

Ukbamicheal Tesfazion

ሳምቡሳምቦ ንዝበለ
ስርዓት ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ቀዳማይ ጸላኢኡ እዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይውን ፡ንሕልና ዘለዎ ኤርትራዊ ዘሐፍር ገበን እዩ ዝካየድ ዘሎ። አራዊት ተመን ዕዳጋ ከቃብጸካ ዝመጸ፡ምቅባጹ እምበር፡መን የቃብጾ ስለ ዘየገድስ ኩሉ እዩ በትሪ ዘውድቐሉ። ብምሕዝነት ምስ ህዝቢ ትግራይ፡ ንስርዓት ህግደፍ ሳምቡሳምቦ ኢልካ
ምግሓፉ ዝቃወሙ ክንሰምዕ ወሪሕና።ካብ ኣብ ወረቀት ዘሎ ነብሪ፡ አብ ባይታ ወሪድካ ነብሪ ፡ንኽብሪ ህዝበይ ክቃለስየ ንዝበለ፡ክትስዕቦ ወይ ድማ ከተተባብዖ ጥራይ እዩ ዘለካ ፡ደላይ ፍትሒ ፡እንተድኣ ኮንካ። ከምኡ እንተ ዘይገበርካ ድማ እነሆ ፈረስ እነሆ ሜዳ ምባል ምሓሸ ። ንተበግሶ ዝገበሩ ማሕለካ እናፈጠርካ ፡ዕንክሊል ምባል፡ ካብ ዘለናዮ ዓዘቕቲ ኣየውጽኣናን እዩ።

ኩሉ ሕልና ዘለዎ ኤርተራዊ ፡ ምስ ህላውነቱ ንምርግጋጽ ኣንጻር አራዊታዊ ዝኾነ ዓመጽ ፡ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ፡ ኣብ ጎኑ ጠጠው ክብል ይግባእ። ምስ ህዝቢ
ትግራይ ዘራኽበና ብዙሕ እዃ እንተኾነ ጉርብትናን ሕውነትን ግን ሓኺኽካ ዘይለግስ እዩ።ተሓጋጊዝናን ፡ተፋቒረናን ፡ተኸባቢረናን ክንነብር ድማ ግደታ ክልቲኡ ህዝቢ
እዩ። ግን ገለ ክምስሉ ከለው፡ ጽዓዱስ ይፋተው እሞ ፡ግን ክበልዑ ከለው በብያትኦም ይብሉ። ንሕናውን ንፋቶ እሞ፡ ግን ክኣ በብያትና።ሃገርነትን ሕውነትን ክንሓዋውሶ
ኣይግባእን። ካብኡ ንላዕሊ ክንስጉም እንተኾንና ግን ግዜ ዝሓቶ ክመጽእ ይኽእል ይኸውን ።ንሱ ድማ ንቕሓትን ብስለትን ናይ ከልቲኡ ህዘቢ ምስ ዝብረኽ ጥራይ እዩ፡ ለውጥታት ክግበር ዝክእል።
1

ቁኑዕ ምሕዝነት አሎ ጉጉይ ምሕዝነትውን ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተገብረ ጉጉይ ምሕዝነት ።ኣብ 1980 ወያነን ሻዕብያን ንጀብሃ ንምስዓር ዝተገብረ ፡ብፍላይ ንወያነ ካብቲ ዝውቀስሉ ታሪኽ እዩ።ብጻዕሪ ገስገስቲ ተጋደልትን ህዝብን፡ ፈተውቲ ሃገራትን ንምሰማር ዉድባት ብዙሕ ጻዕርን ፈተነን እናተገብረ ከሎ እዮም፡ወያነ ምስ ሻዕብያ ምሕዝነት ብምግባር ንጀብሃ አሳጊጎም። ንሱ ድማ ንወያነ ጣልቃ ኣብ መንጎ ክለተ የሕዋት ብምእታዎም ኣሉታዊ ታሪክ እዩ። ኤርትራዊ ውድባት ናይ ዕላማ ይኹን ስነ ሓሳብ ፍልልይ ኣይነበሮምን።ከምኡ ስለ ዝነበረ ድማ ህዝብን ሰራዊትን ንሓድነት ብሃንቀውታ ይጽበ ነይሩ። ግን ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ቶንኮላት እንዳመሃዙ ነንሕድሕደና ከም ንባላዕ ገይሮምና። ኣብ ትግራይ ዝነበራ ውደባት ግን ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ አቃውመኤን። ወያነ ንነጻነት ትግራይ ክብሉ ከለዉ ፡ኤዲዩ ግን ንምልእቲ ኢትዮጵያ ዝቃለስ ውድብ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ክንርድኦ ንኽእል ናይ ዕላማ ፍልልይ ስለ ዝነበሮም ንከሰምሩ ተኽእሎ ጸቢብ እዩ ነይሩ። ወያነ ድማ ንኤዲዩ ደምሲሰሞም ።ድሒሮም ድማ ወያነ ዕላምኦም ቀይሮም ንዓባይ ኢትዮጵያ ዝብል።ብኡ ድማ ተዓዊቶም። ጀብሃ ከም መትከላ ምስ ኩሉ ንሓርነቱ ዝቃለስ ኣህዛብ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ክህለዋ ብዝብል መሰረት ኢ.ፒ.ኣር.ፒ ብወያነ ምስ ተሳዕሩ ንጀብሃ ዑቕባ ሓቲቶም ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ድማ ነናብ ዝደለይዎ ኣፋንያቶም። ኣብዚ ክፍለጥ ዘልዎ ጀብሃ የዕጢቓ ናብ ቦታኹም ተመለሱ ኣይበለቶምን፡፡ ንስዩም መንገሻ ተቐቢላ ከም ትግራዋይ ንመሰሉ ዝቃለስ ኣተባቢዓቶ እምበር ኣንጻር ወያነ ዕላማ ክሕዝ ኣየስነቐቶን።
2
ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ግን ብዙሓት ኤርተራውያን አብቲ ዘሰሓሕብ ዝነበረ ከባቢ ዶብ ጥራይ ዘይኮነስ ፡አብ ውሽጢ ትግራይ ተቐማጦ ነይሮም እዮም።ኣብቲ ቅደሚ ቃልሲ
ትግራይ ምጅማር ፡ጀብሃ ተመሓደሮም ነይራ እያ። ድሓር ግን ቃልሲ ትግራይ ተፈጢሩ ምስ ዓበየ መሬትና እዩ ባዕልና ኢና ነመሓድሮ ፡ዶብናባ ዶብኩም ተወሲኸዎ ምፍሕፋሓት ተጀሚሩ ።መቐጸልታ ናቱ ድማ ድሕሪ ናጽነት ኣሽሓት ህይወት ተኸሲሩ። ኣብ ከምዚ ኩነት ሻዕቢያ ንጀብሃ ከም ውድብ ክትጠፍኣሎም፡ ወያነ ድማ
ኣብቲ ከባቢ ዶብ ከም ድላዮም ክገላበጡ ጉጉይ ምሕዝነት ኣንጻር ጀብሃ ፈጢሮም።

ቀዳማይ ጸላኢኡ ስርዓት ደርጊ ሰሪዑ ዝቃለስ ዝነበረ ውደብ ካብ ሜዳ ኤርትራ ምብራር መን ከሲሩ ዝብል፡ ሰጊረዮ ኣለኹ። ምሕዝነት ሻዕብያን ኢህወደግን ፡ንደረጊ ንምስዓር ዝተገብረ ግን፡ ቁኑዕ ስጉመቲ ነይሩ። ማለት ደርጊ ክስዓር ስለ ዝነበሮ። ምሕዝነት ንኽትበጽሖ ትደሊ ኣሳልጦ ንምርካብ ሓቢርካ ትሰርሖ ፡ውዕል ክኸውን ይኽእል። ሕለኽለይ ክሓልከልካ እዩ እንተበልናዮ ጌጋ ኣይኮነን። ውዕል ዝግበር እቲ ሓደ ሓለፋ ክረከብ ዘይኮነ ንኽልተኻ ዝጠቀም ስርሓት ንምስልሳል እዩ ዝግበር። ምናልባት እቲ ሓደ ዝያዳ ኣበርካቲ ኮይኑ ክርኤ ይኽእል ።ግን ኣርሒቑ ስለ ዝሓሰበ ፡ወይ ድማ ፍቕሪ ብምሃብ እምበር ብሃባ ኣይትፍጠረን ፡ኢሉ ስለ ዝኣምንውን ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ንገለ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ግዜ ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ዩኒቨረሰቲ ከምዝምሃሩ ተገሩ ።ውዕል ዘይብሉ ልገሳውን ኣሎ፡ ምሕዝነት ንምፍጣር ትገበሮ።
ህዝቢ ኤርተራ ንህግደፍ ቀቢጹ ካልእ ኣማራጺ ሃሰስ ክብል ኣለዎ። ብዋጋ ሃገር ሓለፋታት ሂብካ ዘይኮነ ምስ ወጽዓኻ ዝርዳእ ምስራሕ ጥራይ እዩ ዘዋጽእ። ምሕዝነት
ንዕንወት ከም ናይ አብይን ኢሳያስን ዘይኮነ ምሕዝነት ንሰላምን ንዕብየትን እዩ ዘድልየና ።ምስ ኩሉ ከባቢና ተረዳዲእና ቃልስና ከነዐውት አደላይ እኳ እንተኾነ
ብቐዳምነት ዝስራዕ ግን ምስ ህዝቢ ትግራይ እዩ። መልሱ ድማ፡ንዓና ክሕሸና ንዕኦምውን ክሕሾም፡ ህግደፍ ናይ ክልቲኡ ህዝቢ ጸላኢ ስለ ዝኾነ። ስርዓት ህግደፍ
ገደቡ ዝሓለፈ ገበነኛ ስርዓት እዩ። ምስ ህዝቡ ተዓሪቑ ስልጣን ዘረክበሉ ፡እዋኑ ካብ ዘሕልፍ ልዕሊ 20 ዓመት ኣቕጺሩ አሎ። ስልጣኑ ከናውሕ ድማ፡ ከም ድላዩ ዝውንና ሃገር ስለ ዘላቶ፡ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ህዝቢ ዘይፈልጦ ዉዕል ፈሪሙ። ድሒሩውን ዲፐሎማት ኣሰፋ ነጉሰ ብኣበይ ናይ ሰለስተ ሃገራት ኮምፈደረሽን ክንገብር ኢና እናበለ ጞሰጛስ የካይደልና ነይሩ አሉ ተዛሪቡ። ማለት ኢትዮጲያ፣ ኤርተራ ሶማል ።ከመቲ ዲፐሎማት ዝበሎ ብወገን ሶማል ጥራይ እዩ ተቓወሞ ተሰሚዑ ፡ነቲ ወረ ምሰ ሰምዑ ኢሉ።

ሕጂወን መተሓሳሰቢ ንተጋሩ ፡ብፍላይ ንወድብ ወያነ፡ ግርህነት ከተወግዱ ተስፋ ንገብር። ዝገበርና ጌርና ምሰ ኤርትራ ክንዕረቕ ኣለና ክትብሉ ከለኹም ፡ምስ ኣራዊት
ስርዓት ኢሳያስ ፡ምትዕራቕ ምኻኑ ኣይተገንዘብኩምን። ብቕንዕና ንደምበ ፍትሒ ደጊፍኩም ኔርኩም እንተትኾኑ፡ንጣብ ደም ካብ ትግራዎት ኣይመተጸበናን ኔርና። እዚ ኩሉ ዝመጸ ዕንወት ናባኹም ኣይምመጸን ፡ ንዓናውን ኣይምለከመናን ነይሩ።ሕጂውን ምሕዝነት ምስ ህዝቢ ትግራይ፡ ዘድሊ ዘሎ አብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ትገራይ ከምቲ
መብዛሕትና ኤርተራወያን ቀቢጽናዮ፡ ዘለና ህዝቢ ትግራይውን ንስርዓት ህግድፍ ፡ኣራዊት ከም ምኻኑ ኣረጋጊጽኩም ቀቢጽኩሞ ኢኹም ዝብል እምነት ስለ ዘሎና እዩ።
ኣብዚ ከነስተብህለሉ ዘለና፡ አብ ትግራይ ሰላም ክህሉ እንተ ኾይኑ፡ አብ ኤርትራ ሰላም ንኽህሉ ፡ንተጋሩ ማዕሬና እዩ ዘገድሶም፡፡ስለምንታይ ዝብል ሕቶ ከህሉ ይኽእል።
3

መልሱ ድማ ፡ንመጻኢ ገዜ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ኮይና ክትቅጽል ዘይሕሰብ ነገር እዩ።ነዚ ክገበሩ ግን መጀመርያ ባይታ ከጣጥሑ ኣሎዎም፡ ቅደሚ ምጀማሮም ነቲ
መስርሕ።ማለትሲ፡ ህዉኽ ዝብኢ ቀርኒ ይነክስ ከምዝብሃል ከይከውን ።ንሱ ድማ ኣብ ሞንጎ ክልተ አራዊት ስርዓት ኮይኖም ሃገረ ትገራይ ንምፈላይ ስለ ዘጸግም።
ንስርዓት ህግደፍ ዘይቀበጹ ደለይቲ ፍትሒ ፡ምሕዝነት ምስ ህዝቢ ትግራይ ከሰክፎም ይኽእል እዩ፡፡ምኽንያቱ ፡እቲ ሃገራዊ ዕርቂ ጭትም ኢሎም ስለ ዝጽበይዎ። እቲምንታይ ምስ ጸላእትና ወጊንኩም ተባሂሎም ከይክሰሱ፡ ስኽፍታ ስለ ዘሕደሩ ክኸውን ይኽእል፡፡መን ክትምርዓዊ ኢሉኪ ትኩሓሊ እዩ ነገሩ። ኢሳያሰ ምስ ተለኣኣኸቱ ብገበን ተሓተትቲ እዮም። ኩሉ ንባርነት ፡ነጻነት ኣለኒ ኢሉ ብሰንኪ ዱኹም ንቕሓቱ ዘጣቕዕ ዘሎ፡ ከምኡወን ታሴራ (ወረቐት) ህግደፍ ስለ ዝሓዘ ብገበን ክሕተቱ ኣይግባእን ።ምስ ገበነኛታት ግን፡ ዓቕሚ እንተ ኣሎካ ኣብ ቤት ፍርዲ ምቕራብ፡ ዓቕሚ እንተዘይብልካ ግን፡ ዓመጽ እዩ መፍትሒኡ ። ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመት ብግዘያዊ መንግስቲ ብዘይ ሃገራዊ ቅዋም መሰል ህዝቢ ረጊጹ ዜጋታት ብዘይ ፍርዲ ይኹን ብሜላ ዘሐቅቕን ዘጽንትን ዘሎ ስርዓት እዩ ።ሳዕበኑ ድማ ማእልያ ዘይበሎም ቆልዑ ዘኽቲሞም መንእሰያትና ኣደዳ ሞትን ስደትን ኮይኖም። ከምኡውን ኣብ ዘይተደልየ ውግእ ኣጽኒቱን ገና የጽንት ኣሎ። ኢሳያስ ምስ ተለኣኣኽቱ ብገበኖም ምስ ሕዝቢ ኤርትራ ክህለዎም ዝኽእል ተወዲኡ እዩ ። ሕጂ ድማ ኣብ ህዝበና ከይኣከል ኣብ ልዕሊ ህዘቢ ትግራይ ገበን ወሲኸሙሉ። ካብ ሕጂ ንድሓር ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ብገበን ዝሓቶም ዓለምናውን ከተረኻኽበሎም እያ እቲ መስርሕ ድኣ ዘገም እንዳበለ እዩ ዝኸይድ እምበር። ፡ ነቶም ደለየይቲ ፍትሒ ኮይኖም ምስ ህዘቢ ትግራይ አይንሰርሕን ኢና ዝበሉ ሀግደፍ ስለ ዝኾኑ እዮም ካብ ምባል ንቆጠብ። ንአብነት ስም ምጥቃስ ኣየድልን ተቓወመቲ ፡ክንሶም ኢሳያስ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እዩ ንኽብሉ ዕስራ ዓመት ዝወሰደሎም ተቓወምቲ፡ ተጋደልቲ ዝነበሩ ኣለው።

ኣብ 1961 ብረታዊ ቃልሲ ምስ ጀመረ ማሕበር ምንቅሰቓስ ሓርነት ኤርትራ (ሓራካ ) ነቲ ዕጥቃዊ ቃለሲ ኣይደገፍዎን ነይሮም ። ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ግን ዕጥቃዊ
ቃልሲ ኣድላይ ምኻኑ አሚኖም ፡ዕጥቃዊ ቃለሲ ድማ አበጊሶም። ነዞም ዘይቀበጹ ናትና ስለ ዝኾኑ ንኽቐበጹ ዕድል ንሃቦም ከርክቡ እዮም። ክሰርሕ ዝደሊ ተባዕ መርገጽ
ዝወስደ ግን ንቕድሚት ኣንጻር ኣራዊት። ዕሸላት እንዳ ተቐዝፉ ንኹልኻ ከሳብ ዝውሕጠካ ኣይትጽበን ኢኻ። ምሕዝነት ምስ ህዝቢ ትግራይ ሓላል እዩ ።ኣንጻር ኣራዊት ክሕግዝ ዝበለ ክፍንፈን የብሉን ዘየዐኑ ፡ካብ ዕንወት ዘድሕን ጥራይ ይኹን። ብዛዕባ ሃገረና ኤርትራ ፡ተመራሪጽና ብሔረታ ዘቖምናያ ከም ሃገር፡ ኤረትራወያን ኣይኮንናን። ንኤርትራ ዘቖማ ከም ሃገር፡ከም ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ባዕዳዊ ገዛኢ እዩ ። እታ ረኺብና ዝስኣንናያ ኤርትራ ግን፡ ድሕሪ መሪር ቃለስን ብዙሕ መስዋእትን ኣብ 1991 ኣምሊስናያ።ረኺብናያ ኢልና ከይንቐስን ግን አራዊት ዝኾነ ስርዓት ኢሳያስ ጠሊሙና። በጃኹም ካብ በሃሊኡስ ደጋሚኡ ፤ አግኣዝያንዶ ትግራይ ትግረኝዶ
ዝመረተ ገስረጥ ደሑር ፖልቲካ እንተዘየድሃብናሉ ተመራጺ እዩ። በቲ ጸቢብ፡ ዘርአውን ዱሑርን ኣተሓሳስባ ፡ክደናገሩ ዝኽእሉ ቁንጣሮ ጥራይ እዮም ፡ክኾኑ ዝኽእሉ። ህግደፍ ግን ፡ነቶም ዱኹማት ሃይማኖታወያን ሊኢኹ፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ሕንጉጉ መጹኹም ፡በሉ ኢሉ ከም ዝከላኸሉሉ ይገብሩ ኣሎ።


ወሃቢ ርእይቶ

ዑ/ሚካኤል ተ/ጽዮን 17-09-2021

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.