ብደም ኤርትራውያን እትህነጽ ኢትዮጵያ ፋሕ ትበል ።

ብደም ኤርትራውያን እትህነጽ ኢትዮጵያ ፋሕ ትበል ።

ህዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፉ 120 ዓመታት ቅድም ብመግዛእቲ ጥልያን ካብ 1890 ክሳብ 1941 ፣ሲዒቡ ከኣ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ብተዘዋዋሪ ኢድ ምትእትታው ኢትዮጵያ ፡ሰላምን ቅሳነትን ራህዋን ተሓሪሙዎ ነይሩ ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ግዜ ፈደረሽን ጅሚሩ በቲ ወኪሉዎ ዝነበረ ኮረነል ነጋ ዝብሃል ነቶም ኤርትራ ነጻ ክትኸውን ዝቓለሱ ዝነበሩ ኤርትራውያን ፡ ገንዘብ ንሸፋቱ እናዓደለ ኣብ ምቅንጻሎም ተዋፊሩ ነይሩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዓቢይ እጃም ኣውሂቡዎ ዝነበረ ፈደረላዊ ውዑል ፡ ንኤርትራውያን ግን ስማዊ ዝነበረ ፈደረሽን ብምፍራስ ንህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝነበረ ፡ባህሉን፡ ባይቱኡን ፣ ባዴራኡን ፡ነጻ ፕረሱን ኣሕዲጉ ፣ ብመስከረም ብ1962 ብሓይሊ ፍቶ ጽላእ ኢትዮጵያዊ እኻ ተባሂሉ እዩ ።
ውሳኔ ውዑል ፈደረሽን ክፈርስ የብሉን ዝብሉ ዝነበሩ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያን ይምበሩ እምበር ፡ እቲ ንጉስ ግን ነቲ ብሕቡራት ሃገራት እተወሰነ ሕጊ ክጥሕሶ ዓይኑ ኣይሓሰየን ። እምበኣረይ እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ እንዕዘቦ ዘሎና ናይ ሕድሕድ ኹናት ፣ ሳዕቤን ወይ ውጺት ምፍራስ ፈደረሽን ኤርትራን-ኢትዮጵያ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ ። ምክንያቱ ህዝቢ ኤርትራ መሰላቱ ተሓዲጉ ባዕዲ ክመስል ስለ ዘይመረጸ ፣ ብ1 መስከረም 1961 ሓደ ዓመት ቅድሚ ፈደረሽን ምፍራሱ ብረታዊ ቓልሲ ዝጀመረ ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጉዳይ ኤርትራ ብሓይሊ ብረት እምበር ፣ ብሰላዊ መገዲ ክፈትሖ ስለ ዘይመረጸ እቲ ኹናት ከም ዝቅጽል ተገይሩ ። ወጻኢታት ኹናት ንቁጠባ ኢትዮጵያ ስለ ዘሓመሶ ህዝብን ሰራዊትን ኢትዮጵያ ተላዒሎም ንንጉስ ሃይለ ስላሴ ብ1974 ካብ ስልጣን ክወርድ ተገዲዱ ። እቲ ስዒቡ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ወተሃደራዊ ስርዓት ፣ነቲ ኹናት ኣብ ክንዲ ክፍተሖ ዝጽዕት ፡ መሊሱ ነቲ ኹናት ኣብ ጥርዙ ኣብጺሑ ንገዛእ ርእሱ ተሰዒሩ ብ991 ካብ ኢትዮጵያ ክሃድም ተራእዩ ።
ሕማም ጎረቤት ተመሓላላፋይ ከም ዝብሃል ፡ ሓው ዝኮነ ጎረቤትና ህዝቢ ትግራይ ከኣ ከምቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝወርዶ ዝነበረ ግፍዕን ዓመጽን ካብቲ ንጉሳዊ ስርዓት ክናገፍ መዋጺኢት ኾይና ዝረኸባ ብረት ኣልዒልኻ ንጸላኢኻ ምሕምሻሽ ስለ ዝነበረት ብረት ክዓጥቅ ተገዲዱ እዩ ። ብካልእ ኣዛራርባ ምናልባሽ፡ ፈደረሽን ፈሪሱ እንተ ዘይኾውን ፡ ሰውራ ኤርትራ ምስ ተጀመረ ከኣ ሰላማዊ ፍታሕ ረኪቡ ነይሩ እንተ ዝኾውን ፣ ሰውራ ትግራይ ኣይምጀመረን እንተ ዝጅምር እውን ፣ ከምዚ ሕጂ ኣብ ከበባ ኣትዩዎ ዘሎ ምኣተወ ነይሩ ። ምናልናሽ ጽቡቅ ምሕደራ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ሰውራ ትግራይ ኣይመድለየን ነይሩ ይኽውን ።
ምጅማር ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ፡ ንሰውራ ንህዝቢ ኤርትራ ጠቂምዎ ዶ ጎዲኡዎ ? ዝብል ሕቶ ፡ ብወገነይ ምህላው ሰውራ ትግራይ፣ ንሰውራ ህዝቢ ኤርትራ ጠቂሙዎ ዝብል እምነት ኣሎኒ ፡ እዚ ከኣ ብብዙሕ ምኽንያታት ኽከውን ይክእል እዩ ። እቲ ቀንዲ ግን ፡ ስውራ ትግራይ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን መሰል ርእሰ ውሳኔ ህዝቢ ኤርትራ ምእማኖም ጥራሕ ዘይኾነ ፡ ክሳብ እቲ ሕጋዊ ናይ ረፈረንዱም መስረሓት ዝፈጸም ኣሳሊዮም ቅድሚ ዝኮነ ሃገር ከኣ ንነጻ ሃገር ኤርትራ ኣፍልጦ ሂቦም እዮም ። እዚ ከኣ እዩ ንኢሳያስ ኣፍወርቂ ቅርጸት ኾይኑዎ ዘሎ ። እዚ ተበግሶ እዚ ኣብ ታሪኽ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ ፍሉይ ቦታ ኣሎዎ ። እዚ ስጉምቲ እዚ ከኣ እዩ ፡ ነቶም ትምክሕተኛታት ኢትዮጵያውያን ወያኔ ብዘይ ወደብ ኣትሪፋትና እናበሉ ኣብ ምቁዛም ዝነብሩ ዘለዉ ።
እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብደሙ ዘረጋገጾ ሃገራዊ ነጻነት ብግቡእ ከስተማቅሮ ዕድል ተነፊጉዎ ይርከብ ። ምኽንያቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝብሃል ጃሱስ ንሰውራ ኤርትራ ክጥፍእ ወዲባ ለኣኸቶ ። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ከኣ ኣይሓመቀን ኣብ ጉዑዙኡ ኤርትራዊ ተጋዳላይ እናመሰለ ነቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ግርህነት መዝሚዙ ኣብ ስልጣን ምስ ደየበ ብተግባር ነቲ እተላእኾ መደብ ዕዮ ክተግብር ተራእዩ ። እቲ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ዝነበረ ናይ ኮንፈደረሽን ክሳብ ሓድነት ክበጽሕ ዝክእል ሕልምታቱ ሕጂ እውን ተስፋ ዝረኸበሉ መሲሉዎ ምስታ ገዛኢትናን ቀታሊትናን ዝነበረት ኢትዮጵያ ወጊኑ ኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራውያን ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ኣዋፊሩ ይህልቆ ምህላዉ እዩ ።
ንምዃኑ ንሕና ኤርትራውያን ካብዛ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ዕላዊ ፍትሕ ፈጺምና እንኾሎና ስለ ምንታይ ኣብ ከባቢኣ ከም ገመል ዓሳራ ዕንክልል ንብል ኣሎና ? ብዙሕ መልስታት ክህሉወና ይክእል ይኸውን ብወገነይ ግን እቲ መልሱ ኾይኑ ዝስምዓኒ ፡ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጂለ ብኩልትንኡ ኢትዮጵያዊ ስለ ዝኾነ እዩ ይብል ። ብሓፈሻኡ ብዘይ ኣፋላላይ ካብዞም ኣብ ማሕዩር ዘለው ጉጂለ 15 ሓደ ፕረሲደንት ኾይኑ ነይሩ እንተ ዝኾውን ፣ ኤርትራ ምስ ኩሎም ጎሮባብታ ኣብ ሰላም ምሃለወት ዝብል እምነት ኣሎኒ ። እዚ ስልጣን መንዚዑ ኾፍ ዝበለ ጉጂለ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ናቱ መፍረ ባረዩ ገይሩ እዩ ዝኣምን ። ኤርትራውያን ኣደዳትን ኣቦታታን ውላዶም ብዝግባእ ተኸንኪኖም ኣዕብዮም ኣብ መወዳእታ ከኣ ከም ወላዲ ጻማኦም እናተጸበዮ እንከለዉ ናብ ሳዋ ኣገልግሎት ተባሂሎም ምስ ተወስዱ ንብረት ናይዚ ሽፍታ ወልቀ መላኪ ስርዓት ይኾኑ ኣሎዉ። ስለዚ እቶም መንእሰያት መጻኢ ዕድሎም ባራዩ ኾይኖም ምንባር እዩ ብካልእ ኣዛራርባ እቶም ወለዲ እውን ወወሊዶም ዝሕደጉ ስለ ዝኾኑ ንሶም እውን በራዩ ምዃኖም እዩ ። ስለዚ ኤርትራ ናይ ባረዩ ሃገር ትኾውን ኣላ ። ሓንቲ ወላዲት እቲ ናብራ መሪሩዋ” እዚ ግፋስ ምዓስ ክተቛርጽዎ እኹም “ ክትብል ተወኪሳቶ ይብሃል ፣ንሱ ከኣ “ ንስኪ ምውላድ ምስ ኣቛረጽኪ “ ክብል መሊሱላ ይብሃል ።
እዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ጉጂለ ህግደፍ ፡ ብዋና ጸሓፊኡ ኢትዮጵያ ፋሕ ክይትብል ብደም ኤርትራውያን መንእስያት ከድሕና ምዃኑ ኣብ መስኮት ተለቪጅን ገልጹልና ኣሎ ። እቲ ጉጀለ ኣብ ኩቱር መጻብቦ ስለ ዝኣተወ ን110 ሚልዮን ህዝቢ ኢትዮጵያስ ብ5 ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ምፍራስ ክድሕን ምዝራቡ ጸገም ናይ ቅጽሪ እውን ክህሉዎ ይክእል እዪ ። ኢትዮጵያ ክይትፈርስ ፡ ኤርትራውያን መንኣሰያት ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሰለስተ ግባራት ዝግበር ዘሎ ኹናት ማለት ፡ ጎንደር ፣ ደሴ ፣ ከምኡ እውን ዓፋር ይስውኡን ይስንክሉን ምህላዎም እዩ ። በዚ ከኣ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብ ዓቢይ ኣሕመድ ዓሊ ዝመርሓ ኢትዮጵያ ወጸ ማለት ዘበት እዩ ።
እምበኣር ከም ኤርትራውያን ካብቲ ቀጻሊ ስግኣት ናይዞም ትምክሕተኛታት ኣምሕራን መሰልቶምን ብቁሉዕ ዘርእይዎ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ዘይምቅባልን ፡ ወግሔ ጸብሔ ክወሩናን ኣብ ትሕቲ መግዛእቶም ክመልሱናን ዘለዎ ሕልሚ ክዓርፍ፡ እቲ ኢምፓየር በዚ እዚ ሕጂ ኣትዩዎ ዘሎ መድርክ ናይ ጽልእን ናይ ቅትለትን ሕድሕዱ ከም ዩጎዝላቭያ ካብ ምዃን ካሊእ ኣማራጺ የብሉን ። እዞም ኣብ ውሽጢ እዛ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ዘለዉ ህዝብታት ብድንቁርናን ጥሜትን ሕማምን ለመናን ክነብሩ በቶም በብእዋኑ ክመርሕዎም ዝተራእዩ ነገስትስት እተፈርዶም ኣህዛብ እዮም ። እቶም በብተራ ኣብ ስልጣን ዝመጹ መራሕቲ ብዘይኻ ብድዔ ጃህራን ናይ 3,000 ሽሕ ዓመት ነጻነትን ኣብ ኣፍሪቓ መግዛእቲ ፈረንጂ ኣይወረደናን ካብ ምባል ሃሊፎም ንህዝብታት ኢትዮጵያ ኣብ ውሑስ ዝኾነ ቁጠባዊ ደረጃ ከሰጋገሩዋ ኣይበቅዑን ። ንበተኽ ዝኾነ ህዝቢ ዲሞክራሲ ትርጉም የብሉን ።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓገዝ ምዕራባውያን ተመዊሉ ዝነብር ድኻ ህዝቢ እዩ ። እንተኾነ ኮረነል ዓቢይ ኣሕመድ ናይ ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ናይ ምልካውነት ፖሊሲ ቀዲሑ ነዛ ናይ 110 ሚሊዮን ሃገር ናብ ናይ ምብትታን ጎደና መሪሑዋ ክጽድፍ ይጎዩ ኣሎ ።
ኣብ መወዳኣታ
ድልየት ህዝቢ ኤርትራ ፣ኢትዮጵያውያን ሽግሮም ባዕሎም ክፍትሑዎ ኣሎዎም ። ምእንት ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ህዝቢ ኤርትራ ክመውት የብሉን፡ ወለድና ክሳብ ሊብያን ሰማልያን ኢትዮጵያን ብጣልያን ተገዲዶም ኣብ ኹናት ኣትዮም እዮም ፣ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ የማናይ ኢድን ጸጋማይ ኣግርን ክሳብ ዝቁረጹ ኾይኖም ። ዝበዝሑ ደሞም ወዲኦም ሞይቶም ። ሕጂ ከ ስለ ምንታይ ንመውት ኣሎና ክብሃል ኣሎዎ ፣ህወት መንእሰያትና ሃገርናን ዘድሕን እንተ ኾይኑ ፡ ሕጂ እውን ኢትዮጵያ ፋሕ ትብል !
ክብሮም ግረነት
10/15/2021
You must be logged in to post a comment.