ስራሕ ዝሰኣነ ፈላሲ ቆቡዑ ቀዲዱ ይሰፊ ! ብክብሮም ግረነት

ስራሕ ዝሰኣነ ፈላሲ ቆቡዑ ቀዲዱ ይሰፊ !

ዝኸበርኹም ተኸታተልቲ ናይ ሎሚ ኣርእተይ ቁሩብ ካብ ጉዳይ ህግደፍ ፍልይ ዝበለ ኽከውን እዩ ። ኣቀዲመ ከብርሆ ዝደሊ ግን ፣ታሪክ ንምትንታትን ይኹን ምጽሓፍ ናይ ግድን ኣብቲ መዓልትን ሰዓትን ፍጻሜ ዝተግበረሉ ብኣካል ክትህሉ ኣሎኻ ማለት ከም ዘይኾነ ክሕብር ይደሊ ። እንታይ ደኣ ብምሁራትን ናይ ታሪኽን ተመራመትን ዝብጻሕ ፍልጠት እዩ ። ሓድ ሓደ ግዜ ሰባት ኣብ ዘይምልከቶም ጉዳይ ኣትዮም ጉጉይ ሓበሬታ ክህቡ እንከለዉ ሱቕ ዘይምባል ፣ ምኽንያቱ ሰባት ሓቂ ክመስሎም ስለ ዝክእል፡ ካብ ምባል እየ ሎሚ ንኣቶ ሳልሕ ጀውሃር ቃዲ ወናኒ መርበብ ዓዋተ ፣ ሕቶታቱ ክፉት ኾይኑ ስለ ዘሎ ፣ መልሲ ክህብ ስለ ዝደለኹ እየ ። ከም እተፈልጥዎ ሳልሕ ቓዲ ጋዜጠኛን ደራስን ነጋሪ ዛንታ (Story teller ) እዩ ። ብተወሳኪ ምስ ገለ ገለ ጉድለታቱ ፤ ማለት ከምቲ ንበዓል ዓሊ ሳልም ዝኣመሰሉ ወልቀሰባት ኣእንጊዱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዶግዓ ዘውርዶ ዝነበረ ጸርፍታት ኣይትዝግዕዎን ትኾኑ ። ከም ሰቡ ከኣ ኣንጻር ህግደፍ ሓንቲ ጸጸር ኣብ ምድርባይ ይርከብ ።
ኣዚ ይኹን እምበር ሓድ ሓደ ግዜ ኣቶ ሳልሕ ቓዲ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳያት ኣትዩ ይዛረብ ። ኣብ ዝሓለፈ ነጋሪት ቁጽሪ 59 ኣብ ዩቲብ ዝሰቀለን ክልተ ቪድዮ ኣሎዋ ። ኣብታ ቀዳመቲ ቪድዮ ብዛዓባ ዘርእን ወለዶታት ናይ ማርያ ፡ መንሳዕ ፡ ሓዞን ቶርዓን ከላግጽ እንከሎ ፡ ኣብታ ካልኣይቲ ከኣ ብዛዕባ ናይ ትግረን ሽማግለን ዝነበረ ዘይምዕሩይ ደርባዊ መነባብሩ ኣልዒሉ እናተገረመን እናሰሓቀን ከላግጽ ይርኤ ። ከምኡ እውን ነቲ ናይ ማርዩን ማንሹን መቓበርን ኹነታት ኣማውታኦም ጹውጹዋይ እዩ ፣ ሓቂ ኣይኾነን ክብል ይርኤ
ንምዃኑ መን እዩ ሳሕል ጀውሃር ቓዲ ? ወይ ከኣ ወዲ ፊልፕስ ፡እወ ኣብ ከተማ ከረን ተወሊዱ ስለ ዝዓበየ ወዲ ከረን ክብሃል ጸገም ዘሎዎ ኣይኾነን ፡ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ዝኾነ ዘረብኡ ከረን ከረን ከረን ክብል እንከሎ ፣ እንታይ ክነግረና ይደሊ ከምዘሎ ኣይፈለጥን ብተግባራቱ ብዙሕ ዱላታት ስለ ዝወርዶ ቆርበቱ ቆርበት ሓርማዝ ገይሩ ከም ዝኸይድ ባዕሉ ይገልጽ እዩ ። ስለዚ ዱላ ከውርደሉ ኣይመርጽን ግን ነቲ ሃተው ቀጥው ዝረብኡ ንሰምዓቱ ከየደናግር ግን መልሲ ክህብ መሪጸ ኣሎኩ ። ምክንያቱ ተዘሪብኻዮ እውን ስለ ዘይሰሚዕ ፣ ነቶም ሰማዕቱ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ንምሃብ እየ ።
ስለዚ ሳልሕ ጀውሃር ባዕሉ ከም ዝገለጾ ስድርኡ ካብ ላቐን ክሳድ ዳዕሮ እተብሃል ዓዲ ኣብ ሰራየ ጥቓ ሰምዓም ካብ እትርከብ ዓዲ ፣ኣብ መጀመርያ 1900 ክፍለ ዘመን ናብ ከተማ ከረን ከም ዝጓዓዙ ይገልጽ ። እዚ ዝገለጸሉ ከኣ ኣብ ሓደ ኮንፈረንስ ናይ ባይቶ ብበዓል ሃይለ ማርያም ተስፋይ ኣብ ብላንድንበርግ ዝብሃል ክፍለ ሃገር መሪላንድ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ተዳሊዩ ኣብ ዝነበረ እዩ ኣብቲ ኮንፈረስ ዕዱም ጋሻ ኾይኑ ቀሪቡ ነይሩ ።
ብተሳኪ ሳልሕ ጀውሃር ከም እተፈልጥዎ ዓረበኛ ዘበታዊ ቛንቛ ኤርትራ ምዃኑ ንክእምን ዘይፈንቆሎ እምኒ የለን ፡ ኣብዚ ዝተባህለ ቦታ ኣብ ዝሃቦ መደረ ፡ ብ1922 መገዲ ባቡር ከረን ኣብ ዝኣተወሉ ስድርኡ ካብቲ ሰፊሮምሉ ዝነበሩ ቦታ መገዲ ባቡር ክኸውን ስለ እተወሰነ ክጉዕዙ ተሓቲቶምሲ “ጣራዶና “ ይብሉ ነይሮም ክብል ነቲ ጽውጹውይ ዝኾነ ወለዱ ዓረበኛ ይዛረቡ ከም ዝነበሩ ክገልጸሉ ዝፈተነሉ መድርኽ ነይሩ ። ኣስዕቡ እውን ነቶም ቅድሜና ዝመጹ ገዲፍኩም ንዓና ስለ ምንታይ ምጻእተኛታት ትብሉና ክብል ከልቀስ ተራእዩ ነይሩ ።
ገለ ዓመታት ይገብር ሓደ ሓውና እምባየ መሊኺን ዝብሃል ፡ ንኣቶ ሳልሕን ካልኦትን ብጸርፊ ክሳሃሎም እንከሎ ሳልሕ ጀውሃር ኣብ ዓበይቲ መንሳዕ ካብ እምበየ መለኪን ከናግፍዎ ክልምን እንከሎ “ ኣቱም ኣፍንድታት ከንቲባታት መንሳዕ በጀኹም እንዶ ሕደግ በሉለይ ክብል ክልምን ተራእዩ ነይሩ ። ከምኡ እውን ሓደ ግዜ ሶፊያ ተስፋማርያም ሕጂ ኣምባሳደር ህግደፍ ብጸርፊ ዝገደፈትሉ ኣይነበራን ። ነዚኦም ክምጉት ዘይከኣለ ፣ከምቲ ምስላ ኣበው” ዝሕምቆ ኣሎኒ በትረይ ህቡኒ “ ዝብሃል ፣ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ መቓበርን ዓሌትን መንሳዕ ክጭነቅ ይርኤ ።
ዘርኢ የዚድ ወዲ መዓውያ ፡
ፊተውራሪ ሚካኤል ሓሳማ ራካ ኣብታ ዛንታ ኤርትራ እትብል መጽሓፉ ገጽ 37 መንሳዕ ካብ ዘርኢ የዚድ ወዲ መዓወያ ምዃኖም ይገልጽ፤ ኣቦኦም ሳልሞን ከም ዝብሃል እውን ይገልጽ ። ከምኣ እውን ሓዞን ቶርዓን ደቂ ሳልሞን እዮም ካብ ዘርኢ የዚድ ውዲ መዓውያ ። እዞም ቀባይል እዚኦም ዝሓተትዎ ዝኾነ ይኹን ሓለፋን ጥቅምን የለን ። ካብ ዘርኢ መዓውያ ኢና ምባሎም ዝበድሉዎ ሕብተረሰብ እውን የለን ። ኣሕዋት ምዃኖም ስለ ዝኣመኑ ግን ብደረጃ ዓበይቲ ዓድን ምስሌነታትን ኣብ ሰንሒት ይኹን ኣብ ኣገለጉዛይ ክበጻጽሑ ጸኒሖምን ኣለውን ። ንተወሳኺ ሓበሬታ ( ካርል ጉስታብ ሩዴን ፡ ኣብ ድግም ወፍትሕ ወዓዶታት ክልኤ መንሳዕ ገጽ ሓደ ) መንሳዕ ካብ ዘርኢ ቅሮሽ ምዃኖም ይገልጽ እዩ ።
ኣብ ቀዳማይ ቪደዮ ሳልሕ ቓዲ ከዘንቱ እንከሎ ፡ ኣብ 1976 ኣብ ጀብሃ ተጋዳላይ እንከሎ ኣብ ገለብ ዝብሃል ዓዲ መንሳዕ ገለ ሰባት እጄ ጠባብ ዝወደዩ ኣብቲ ዓዲ መጺኦም ይብል ፣ ከም ኣባል ፀጥታ ካበይ መጺእኹም ምስ በሎም ንሶም ከኣ ካብ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ከም ዝመጹን ምስ መንሳዕ ኣሕዋት ደቂ መዓውያ ስለ ዝኾኑ ክበጽሑ ከም ዝመጹን ንማርያ ክቅጽሉ ምዃኖም ገለጹሉ ። ኣብዚ ሳልሕ ቓዲ እዛ ደቂ መዓውያ ኢና ምባሎም ክትወሓጠሉ ኣይከኣለትን !ስለዚ ኣብቲ ቪዲዮ “ከመይ ገይሮም ክምዚ ይብሉ ፣ እዚ ክሕሰበሉን ክንዛረበሉን ዘሎና ጉዳይ እዩ ክብል ንሰምዓቱ እናሰሓቀ ለበዋ ከቀርብ ይስማዕ ።”ቀጺሉ እምበኣር ደቂ የዚድ ወዲ መዓውያ ካብ ቁሮሽ ካብ መካ ሱዑድ ዓረብ ሰብ ኣሎውና ማለት ዲዩ ? እናበለ ኣብቲ ቪደዮ ክግረምን ክስሕቅን “ይርኤ ። ኣብዚ ንኣቶ ሳልሕ ቓዲ ክብሎ ዝደሊ፣ እወ ማርያን መንሳዕን ሓዞን ቶረዓን ካብ ዘርኢ ቖረሽ ካብ መካ ኢና ።
ቁሩብ ድሕሪ ባይታ ንምሃብ ፣ኣብ መበል 632 ዓ.ም ነቢይ መሓመድ ምስ ዓረፈ (Peace upon Him) እዞም ዝስዕቡ በብተራ ተክእዎ ፡ 1/ ኣቡ በከር፡ 2 / ዑመር፡ 3 /ዑስማን፡ 4 / ዓሊን ይብሃሉ ነይሮም ። ዓሊ ወዲ ሓውን ሰብኣይ ጓሉን ነቢይ ንመሓመድ እዩ ነይሩ ። በዚ ከኣ ገለ ሰዓብቲ ነቢይ መሓመድ መራሒ ኣቡ በከር ዘይኾነስ ዓሊ ኽከውን ነይሩዎ ፡ ምክንያቱ ብወለዶ ዝቀረበ ንነቢይ መሓመድ ስለ ዝነበረ በሃልቲ ነይሮም ። በዚ ከኣ እቲ ሺዓን ሱኒን ተባሂሎም እተፈላለዩ ።ድሕሪ ሞት ዓሊ ስልጣን ዝሓዘ መዓውያ ይብሃል ነይሩ ። ኣብ ሲርያ ዳማስቆስ ኾይኑ ይገዚእ ነይሩ ።ዘርኢ መዓውያ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ስልጣን ጸኒሖም ። ብናይ ኡሚያድ ዝባሀል መንግስቲ ከኣ ይፍለጥ ነይሩ ። ኣብ ከባቢ 750 እቶም ደገፍቲ ዓሊ ተወዳዲቦም ብምምጻእ ነዞም ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ዘርኢ መዓውያ (ኡሚያድ) ተዋጊኡም ፋሕ ከምዝብሉ ገይሮምም ። ክሃድኑዎም ዝጀመሩ፡ በዚ ከኣ ካብ ኹናት ብምህዳም ገለ ካብኦም ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብ1258 ኣብ የመን ኣተዉ ። ካብዚ ቀጺሎም ገለ ካብኦም ካብ የመን ብቀይሕ ባሕሪ ገይሩም ብባብ ኤልመደብ ኣብ ቡሬ ደንካልያ ኣብዛ ሕጂ ኤርትራ እንብላ መሬት ኣትዮ ይብሃል ።
ሳልሞን ኣብ ቡሬ ክልተ ደቂ ወሊዱ ፡ ኣስማቶም ከኣ ቶርዓን ዑመር (ሓዞ ) ይብሃሉ ። ጸኒሑ ንዝባን ከበሳ ደይቡ ኣብ ድምበዛን ምስ ሹም ደፈረ ተራኺቡ ። ሽም ደፈረ ንሳልሞን ሰማዊ መልክዕ ስለ ዝነበሮ (ዐረቢ) ዝብል ሳጓ ኣውጻኣሉ ፣ ጓሉ ከኣ ኣመርዕዎ ። ካብዚ መርዓዚ ከኣ ማንሹን ማርዩን ተወልዱ ። ስለዚ ሓዞን ቶርዓን ፣ ማርዩን ማንሹን ኣሕዋትን ደቂ ሳልሞን (ዓረቢ) ዘርኢ የዚድ ወዲ መዓውያ እዮም ።
ኣብ ካልኣይ ቪድዮ ከኣ ብዛዕባ ትግረን ሽማገለን እዩ ዝዛረብ ። ከመሓላልፎ ዝደለየ መልእክቲ “ ኢብራሂም ስልጣን ናቱ ጅግና” ምዃኑ ከፍልጥ ስለ ስደለየ እዩ ። ንሱ ከምዝብሎ ነቶም ሽማግለ እቶም ትግረ እዮም ኩሉ ስራሕ ዝገብሩሎም ፡ እቶም ሽመግለ ክዳኖም ኣጻዕድዮም ሱፐርቪዝ ጥራሕ እዮም ዝገበሩዎም ይብል ። ሕጂ እውን ንሱን ብጾቱን ኣብ ሓደ ዓዲ ምስ መጹ እቶም ህዝቢ ሽመግለ ስለ ዝኾኑ ፡ ጸባ እንተ ደሊኹም ባዕሉኹም ሓሊብኹም ስተዪ ኢሎምና ይብል ። እወ ኣባሓጎታትና ትግረ ጥራሕ ዘይኾኑ ባረዩ እውን ነይሮሞም ። ትግረ ዝብሃል ብሔር የለን ። እዚ ናይ ህግደፍ ትርክታ ግዲፍካ ።ብወገና ትግሬ ማለት ኣብ ዘይመሬቱን ዘይዓዱን ዝመጽእ ፣ ክነብር እንተ ኾይኑ ናይ ድቂባት መሬት ብርብዒ ይኩን ብፍርቂ እናሓረሰ ዝነብር ሰብ እዩ ። ከምቲ ኣብ ከበሳ መሬት ጽልሚ ኾይኑ “ ኣቦኻ መርቕ ኣቦኻ ርገም “ ዝብሃል ፡ መሬት ናይ ደቂ መሬት እዩ ነይሩ ። እንተ እቲ ናይ ባረዩ ጉዳይ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ መላእ ዓለም ገኒኑ ዝነበረ ተርእዩ ነይሩ ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቓ ብባጽዕን ዘይላን ብዙሓት ካብ ኦሮሚያ ናብ ዓዲ ዓረብ ይሽየጡ ነይሮም ። ከምኣ እውን ኣብ ኹናት ንዝተማረኹ እቲ ዝሰዓረ ነቶም ሙሩካት ባረዩ ይገበሮም ነይሩ ‘። ስለዚ እቶም ትግረ ዝብሃሉ ካብቶም ባረዩ ዝሓሸ መነባብሮ ነይሩዎ እዩ ።
ኣቶ ሳልሕ ቓዲ ሎሚ ብዛዕባ ትግረን ሽምግለን ክዛረበሉ ዝተገደደ ሓደ ክሃርሞ ዝደለየ ኣብ መንጎ እዚ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝቅመጥ ጽልእን ቅርሕትን ከፈጥር ስለ ዝመደበ እዩ ። እንተኮነ እዚ ትርክታ እዚ ግዜኡ ዝሓለፈ ዝዝክሮ ሰብ እውን የብሉን ።ነዚ ኣርእስቲ እዚ ክገልጾ ዝመረጸ ብክልተ ተዛረብቲ ትግርኛ ከም ገጸ ባህሪ ካራክተር ተጠቂሙሎም ኣሎ ። ነዞም ከልተ ረኪበዮም ዝብል ሓደስቲ መንእሰያት ናይ ግድን ደቂ ከረን ክገብሮም ኣሎዎ ። ኣብ እስታር ባክስ (Star Bucks )ወሲዱ ቡን ከምዘስተዮም እዩ ዝገልጽ ። ኣብኡ ከኣ “ ኣብዚ ዓዲ ብዙሓት ጎደናታት ብስም ማርቲን ሉተር ኪንግ ተሰምዮም ክትርእዩ እኩም ፡ ኣብዚ ማርቲን ሉተር ኪንግ መን ምዃኑ ከረድኦም ከይሽገሩ ብምባል ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዓድና ዝነበረ ኢብራሂም ስልጣን ዝብሃል ንመሰል ትግረ እተቓለሰ ገርኹም ርኣዩዎ ክብል ከምዝገለጸሎም ይሕበር።ወሲኩ ኣብራሂም ስልጣን ንመሰል ትግረ ከም እተቓለስን ናቱ ጅግና( Hero)ምዃኑ በቶም ዝፈጠሮም ካራክተርስ ኣስተምህሩኡ ናብ ህዝቢ ከማሓላልፎ ዝመረጸ ። ኢብራሂም ስልጣን ብዝገበሮ ቓልሲ ኣብ መሬት ማርያ ይኹን ማንሳዕ ዝፈጠሮ ለውጢ ኣይነበረን ። ግብጻውያን ኣብ 1868 ኣቢሉ ንመሬት ብጎስ ምስ ተቆጻጸሩዎ ነቲ ሕዝቢ ዝኣወጅዎ “ ድሕሪ ሕጂ ጎይታን ባርያን የለን ፡ እቲ ባርያ ነቲ ጎይትኡ 10 ሪያል ከፊሉ ነጻ ክወጽእ ከምዘለዎ ኣዚዞም ። ከምኡ እውን ምዝማት ከብትን ወራራትን ደው ክብሉ ኣዚዞም እቲ ህዝቢ ብወራራት መሳፍንቲ ኢትዮጵያ ተሸጊሩን ተዋሪዱን ዝጸንሔ ፡ ነቲ ኣዋጅ ብደስታ ተቀቢሉዎ እዩ ። ብወገንይ ኢብራሂም ስልጣን ንነጽነት ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ እተቓለሰ ኤርትራዊ ጅግና ገይረ ይወስዶ ።
ቀጺሉ ሳልሕ ጀውሃር ብዛዕብ እቲ ኣብ መንጎ ኣስማጥን መለብሶን ኣብ እክሪ ጎቦ ዓሰርተ ዝርከብ መቓብር ናይ መንሹን ማርዩን ክዛረብ እንከሎ ፡ ነቶም ሰዓብቱ ወይ ተከታተልቱ ከም ጹውጽዋይ ገይሩ ክገልጸሎም ይርኤ ። ንሱ ክርእዮ ዕድል ስለ ዘይረከበ ፡ንሰምዓቱ ዝርኣዮዎ ሰባት እንተለዉ ክነግርዎ ክምሕጸን ይርኤ ። እቲ ጹውጹዋይ ዝብሎ ዘሎ ማርዩን ማንሹን ተፈላልዮም ን47 ዓመት ስለ ዝጸንሑ ብኣጋጣሚ ክልቲኦም ሓደ ነቲ ሓደ ክበጽሕ መገዲ ጀመሩ ። ኣብቲ ግዜ እዚ እቲ ቦታ ዱር ኣብ ክንዲ ምንባሩ ናይ ወራት ግዜ እውን ስለ ዝነበረ ፣ እዞም ክልተ ኣሓዋት ብሃንደብት ምስ ተራከቡ መምስ ሰብቶም ኣብ ኹናት ኣተዉ በዚ ከኣ ኣብ 1430 (መሓመድ ዓሊ ራጂ ድግም ማንሳዕ ገጽ 2 )ሕድሕድ ብምቅታል ትንፋሶም ሓልፈት እዚ ጹውጹዋይ ዘይኾነስ ሓቀኛ ታርኽ ናይ ደቂ ማርያን መንሳዕ እዩ ።
ስለዚ ዝኸበርኹም ተከታተልቲ እዚ መርበብ ህዝቢ መንሳዕን ማርያን ብውሑዱ ኣብ ኣውራጃ ሰንሒት ቅድሚ 1300 ክፍለ ዘመን ክሰፍሩ እንከለዉ ፣ስድራ ሳልህ ጀውሃር ግን ኣብ 1900 ዓ.ም እዮም ዝመጹ ። ስለዚ ሳልሕ ጀውሃር ብዛዕባ መቓበር ናይ ማርዩን ማንሹን ይኹን ወለዶታት መንሳዕ ማርያ ሓዞን ቶርዓን ካብ ዘርኢ የዚድ ወዲ መዓውያ ምዃኖም ቅሳነት ዝከልኦ ዘሎ እንታይ ኾን ይኽውን ?
ኣብ መወዳእታ ።
ከም ዜጋታት ናይ ቀዳምነታትና ቀዳማነት ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩን መሰረቱን ምምሓው ስለ ዝኾነ ፣ ነቶም ካብ መስመርና ከውጽኡና ዝቓለሱ ዘየዳግም መልሲ ብምሃብ ክንሓልፎም ኣሎና ። ወዲ ሰብ ክብረት ዝወሃቦ ፡ ንገዛእ ርእሱ ምስ ዘክብር ጥራሕ እዩ። በዚ ከኣ ንሳልሕ ጀውሃር ክብረቱ ክሕሉ በዚ ኣጋጣሚ ለበዋይ የመሓላልፍ ።
11/10/2021
ክብሮም ግረነት
You must be logged in to post a comment.