ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ጽባሕ እንተይ እዩ ክመስል

ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ጽባሕ እንተይ እዩ ክመስል

ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ጽባሕ እንታይ እዩ ክመስል፡ ብልክዕ ክወሃብ ዝኽእል መልሲ ኣደጋታት ዝመልኦ ክነሱ ኣዝዩ ኣጸጋምን ኣብ እንተታት ዝተሞርኮስን እዩ። እዚ ግምታትን እንተታትን ከኣ ሰሪ ብኵራት ሓድነትን ስትራቲጂኻዊ ፖለቲካዊ ስምምዓትና ዝብገስ ይመስል።  

ን30 ዓመታት ዝኣክል ህዝብናን ብኩሉ መደያቱ ኮነ ተባሂሉ ብመደብ ሰብኣዊ ክብሩ ተገፊፉ፡ማሕበራዊ ፍትሒ ተነፊግዎን ተሓሪምዎን ጥራሕ ዘይኮነስ ነታ ዝተሓተት መዓልታዊ ናብራኡ ከመሓድር ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ፡በቲ ውጻእ ብርከይ ዝብሎመንግስቲ ሙሉእ እገዳ ተኣዊጅሉ ዝሓለፈን ዝሓለፍ ዘሎን እዋን ምስጢር ኣይኮነን። ነዚ ህሉው ኩነታት ህዝብናን ሃገርና ከኣ ዘይፈልጥ ኣሎ ክብሃል ስለ ዘይክእል ከኣ ካብ’ዚ ኣረሜናዊ ምሕደራ ንምግልጋል፡ ቀጻልነት መኸተን ኣንጻር ህግዲፍ ከጣጥሕን ክቀራረብን ዘሎዎ መድረኽ ቃልሲ መን ምዃኑ ፍሉጥን ርዱእን እዩ።

ብርእይቶይ ንመድረኽ ምቅርራብ፡ምድላዋት ቃልስን መኸተን ኣንጻር ኣረሜናዊ ምሕደራ ህግዲፍ ብዙሕ ዝተባህለን ዝተጻሕፈን እንዳሃለወ፡ ሕጂው’ን ኣብ እንካን ሃባን ዝተመስረተ ተበግሶ ጽኑዕ ሓድነት፡ክምህ ዘይብል ሓድሕድ እምነትን፡ነጻ ምልውዋጥ ሓሳብ፡ ካብ ውልቃዊ ድልውንት ዝብገስ ምዃኑ ኩልና ንዛረበሉ’ዩ። መድረኽ ቃልሲ ንምጥጣሕ’ምኣበር ግሉጽ፡ክፉት ንሓባራዊ ረብሓ ዘረጋግጽ ቦታ ክህልዎ ምግዳፍ’ዩ። ብካልእ ኣዘራርባ ቃልሲ ዘጣጥሕ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ዝተመስረተ ክኸውን ይግባእ። ኤርትራዊ ዜጋ ንሓድሕዱ ዘይምትእምማን ዝፈጥር ኩነታት እንተበጺሑ ንባዕሉ ኣብ ከቢድን ሓያልን ተጽዕኖ በጺሑስ ልዕሊ ድሕነት ህዝብና ሃገርን ዘኽፍሎ ዋጋ ይሰጋገር ምህላዉ ምፍላጥ ከኣ ኣገዳስነት ኣለዎ።

እቲ ፍታሕ እንታይ’ዩ ? ከመይ ይሰራዕ ብኸመይ ይማእከል? ዝብል ሕቶታት ንምምላስ ብዙሕ ሓሳባት ክህሉ ይኽእል። ቀንዲ ግን ኣብ ስትራተጅን ውዕልን ስምምዕን ዝተሞርኮሰ ቀዳምነት ዝውሃቦ መባእታዊ ፍታሕ’ዩ ክኸውን ዝግባእ። እዚ ኩሉ ከኣ ኩሉ ኣብ ዓቕምን ክእለትን ዝተሞርኮሰ ብምዃኑ ንምትግባሩ ብቀዳምነት ንህዝብናን ሃገርና ዘንጸላልዉ ዘለዉ ሓደጋታት ብጽሞና ብምርዳእ ግብራዊ መልሲ ምሃብ’ዩ። እው፡ ኤርትራ ከም’ቲ ቅድም ክብል ዝተጠቕሰ ብውሽጣዊ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝብና ኣብ ዘይፈልጦ ዞባዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ዓዘቕቲ ኣትያ ካብ’ቲ ዝነበረቶ ንዝኸፈአ ኩነታት እንዳተሸምቀቐት፡ ሓጹራት ሰላምን ራሕዋን በዚሑ እንዳተጋህደሉ ዝመጸሉ ዘሎ ምዃኑ ንምስክር ዘለና ወለዶታት’ና።

ማንታ ሓሳብ ሒዝካ ዝኸይድ ቃልሲ ክዕወት ከም ዘይክእል ፍሉጥን ርዱእን’ዩ። ምእንትዚ ከኣ ኤርትራዊ ሓይልን ዓቕምን ኣብ ሓደ ከጽልለሉ ዝኽእል ባይታ፡ መጻኢ ዕድሉ ክውስነሉ ዘክእሎ ዓቕሚ ክውንን ዘኽእሎ ኩነታት ብምጻሕ’ዩ። ክብርኻ ከይሓለኻ ክብሪ ካልኦት ዋሕስ ክትኸውን ኣይከኣልን። ቃልሲ ክብርኻ ከይወሓስካ ውህሉል ኣብ ስትራተጂካዊ ስምምዕ ከይበጻሕካ፡ መሓዛን ተዛማድን ክትኸውን ዘለ ዕድል’ውን ውሕድ’ዩ። እዚ ማለት ከኣ ብሕጽር ዝበለ ካብ ኣጀንዳ ወጻኢ ክትኸውን ዝገብረኻ ኩነታት ክፍጠር ስለ ዝኽእል።

ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ ክኻየድ ዝጽነሐ ቀዳምነታት ስልጣን ህግዲፍ ተወጊዱ፡ ንህዝባዊ ስልጣን ቀዳምነት ዘማዕዱ ለውጢ ንምምጻእ ህላወ ደላይ ፍይሒ ዘሕይል ኮይኑ፡ ነባሪ ዝምድናን ሰላምን ጎረባብትና ንምርግጋጽ ኣብ ምዕሩይ ደረጃ ዘብጽሕ ጥጡሕ ባይታ ቃልሲ ንክፍጠር እዩ። እሞ እዚ ደረጃ በጺሕናዮ ዶ ? ተ3ሰማሚዕና ዶ ? ወዘተ ህሉው ኩነታትና ዝምልሶ’ዩ።

ደላይ ፍትሒ ዝኾነ ህዝብና ዕላማታቱ ክዕውት ክሰርዖ ዘለዎ ቀዳምነት፡ ምስ ዝኾነይ ይኹን ክዛመድ ምስ ዘለዎ ሓይልታት ብዝተመዓራርየ ይኹን ንምዕርራይ ብዝጥምት ደረጃ’ዩ ክኸይድን ክስጉም’ዩ ዘለዎ። እዚ ኣገባብ ከኣ ንክልቲኡ ሸነኽ ከሰማምዕ ከረዳድእ ኣብ ዘክእል ደረጃ ከምርሕ ተኽእሎታት ኣለዎ።

ደላይ ፍትሒ ህዝብና ካብ ዘለዎ ዓቕምን ክእለትን ተበጊሱ፡ሓድነቱ ምድልዳል ንዝጸንሖ ፖለቲካዊ ንቕሓት ክብ ብምባል፡ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ብምክያድን ክበጽሖ ዝኽእል ዕድል ዕጹው ወይ ድሩት ኣይኮነን። ድሌት እንተሎ ፍታሕን መንገድን ኣሎ’ዩ። እዚ ኣገባብ መደብ ቃልሲ ከኣ ካብ’ቲ ወትሩ ደገፍን ቆላሕታ ህዝቡ ብምግባር፡ኣብ’ቲ ምዝካየድ ዘሎ ዞባዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ባዕላዊ ግደታቱ ከበርክት ቦታን ተራ ክህልዎ ክኽእል ምጽዓር’ዩ፡ምቅላስ’ዩ።

ደላይ ፍትሒ ህዝብና፡ ንኣረሜናዊ ስርዓት ህግዲፍ ንምእላይ ኣብ ተደላይ ደረጃ ስምምዕ እንተበጺሑ ካልእ ትሕቲ ህላወ ህዝብን ሃገርን ዝዀኑ ጠለባት ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ቅዋም ክራታዕ ተኽእሎን ስለ ዘሎ ነቲ ዓብይ ዕንቅፋት ምእላይ ብተሳትፎን ደገፍን ኩሉ ዜጋ ክብገስ ይግባእ።

እዚ ክበሃል እንከሎ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ሓይሊ፡ ዝተወደበ ህዝባዊ ማሕበራት፡ ተበግሶ ዝወስዱ ውልቀ ሰባት የለዉን ማለት ኣይኮነን። ኣለዉ፡ እንተኾነ’ዚ ሓይልታት ብግድን ኣብ ስምምዕ ከብጽሕን ክሰማማዕ ተወሃሂዱ ኣብ ሓደ ንቃልሲ ዘተእማምን መድረኽ ክመጽእ ዝግድዶ ኩነታት ኣተሃላልዋ ህዝብናን ሃገርና ኣሎ። ሎሚ ንርእዮ ኩነታት፡ ሎሚ ንሓስቦ ጽባሕ ዘይክህሉ ክኸእል እዩ። ምእንቲዚ ኣብ ህላውነትና ንዝፍጸም ኩነታት መልሲ ክንህበሉ ንሕተት ኣለና። መልሱ ከኣ ካብ’ቲ ዘለና ውድባዊ ፖለቲካ ይኹን ማሕበራዊ ጠለባት  ትሕት’ልና፡ ንዝለዓለት ዓቕሚ ክንውንን ብጭርሖ ጥራሕ ዘይኮነ ብግብሪ ሃገር ንምድሓን ዘኽእለና ኩነታት ንምብጻሕ ባይታ ምፍጣር’ዩ።

ተጎጃጂልካ ዝመጽእ ፍታሕ የለን። እዚ ሎሚ ነኸይዶ ዘለና ኣገባብ ቃልሲ ምስ ህሉው ግዜ ዘይኸይድን ዘይመዓራረን ስለ ዝኾነ። ውልቀ ሰባት፡ ውድባት፡ ማሕበራት ብውሽጣውን ግዳምውን ውዳበታት ክመዓራረ ዘለዎ መስርሕ ዝተዳለዉ መደብ ክሰርዕ ክምድብን ክዳለውን ዝግባእ ሎሚ’ዩ።

ኣንጻር ህግዲፍ ዝካየድ ቃልሲ ብመስመር ስጡም ሓድነት ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ኣረእእያን ደላይ ፍትሒ ንህሉው ኩነታት ክምልስ ዘኽእል ደረጃ ዝተሰርዐ ክኸውን ይግባእ። ሓደ ኩሉና ንሰማማዕሉን ዝውክለናን መሪሕ ኣቢልና ደረጃ ኣተሃላልዋና ነማዓራርይሉ፡ ካብ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሓለፈ ዕድላት ሎሚ ብሸለልትነት ክረአ ዘይብሉን ክሓልፍ ዘይብሉን ጉዳይ ምዃኑ ከነስትባህል ይግባእ። ጽቡቕ ተበግሶ ተፈጢሩ ፖለቲካዊ ሓይልታትናን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትና ኣብ ሓደ መስመር እንተደኣ መጺኡ፡ ህዝብና ዝዓስሎ ቃልሲ ክዕምብብ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ከኣ፡ነቲ ብመደብ ንደምበ ተቃውሞ ንምድኻም ብመደብ ተሰሪዑ Network ፈጢሩ ንቃልስና ከዳኽም ኣንጻር ደላይ ፍትሒ ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎ ተልእኾታት ክንውግዶን ከነጽርዮን ዝሕግዝ ተግባር ምስራሕ’ዩ።

ኣብ’ዚ ንርከበሉ መድረኽ ንውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ኣተሃላልዋና ዘዕኵኽ ድሌትናን ንምርግጋጽ ዝሕግዝ ኩልና ንሰማማዓሉ ብሙሉእ ይኹን ክፊል ወሳኒ ስትራቲጂካዊ ስምምዕ’ዩ።

ራእይ

ሀ/ ኣረሜና ስርዓት ህግዲፍ ንምእላይ ዝግበር ቃልሲ ኣብ ሓድነታዊ ወሳኒ ፖለቲካ ምስምማዕ

  1. ቀረባ ዕማም ክኸውን 
  2. …….. እዋናዊ ዘይኮኑ ሕቶታት ስርዓት ክሳብ ዝእለ ብትዕግዝስቲ ምውንዛፍ

ለ/ ኣብ ሓድነታዊ ወሳኒ ፖለቲካዊ ስምምዓት

  1. ሓይሊ ምጥርናፍ
  2. ዲፕሎማስያዊ ወፍሪ ምክያድ
  3. ገንዘባዊ ደገፍ ብደረጃ ውሳኔ ነፍስኻ ምኽኣል  
  4. ወፍሪ ሓባራዊ መራኸቢ ብምስራዕን ብምውህሃድን ወዘተ

ኣብ’ቲ ዞባና ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ብንጡፍ ቃልሲ ንምስታፍ ኣብ ኣጀንዳ ዝስራዕ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ጠለባት ክህሉ ግድነት’ዩ። ነዚ መሳለጢ ዝኸውን ትሕዝቶ ኣብ ራእይ ተጠቒሱ ዘሎ ቀዳምነታት ኣብ ግብሪ ምውዓል እዩ።

ኣወዳድባ መደምደምታ

እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሕቶታት ንደላይ ፍትሒ ህዝብና ሓድሽ ሓሳባት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ኩሉ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራት ንብሎ ኮይኑ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘይምኽኣሉ’ዩ። ሎሚ ግን ውሽጣውን ግዳማውን ጉዳያት እንዳተባራርዩ ነቲ ንውንኖ ውሑድ ተስፋ’ውን ተጻብኦታት ስለ ዝበዝሖ ወዓል ሕደር ዘይብሉ ብወሳኒ ሓድነታዊ ፖለቲካዊ ውሳኔ ቆሪጹ ክብገስ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ’ዩ።

ሎሚ ትጽቢት ደገፍ ዓበይቲ መንግስታት መተካእታ ዘይርከቦ ዝመስል ቁጠባዊ ደገፍ ክስገር ክንይኡ ክሕሰብ ክኽእል ኣለዎ። ካብ ፈተውቲ ሃገራት መንግስታት ዝሕተት ደገፍ ኣብዝ’ኢ ዝሓለፈ 30 ኣይነበረ። ይኹን’ምበር በዚ ሎሚ ኣብ ምዕራብ ሃገራት ዝነብር ህዝብና ኣብ ወሳኒ ሓድነታዊ ፖለቲካዊ ስምምዕ ብመደብ ተሰሪዑ ክስርሓሉ ዝግበር ፈተነ ንኽዕወት እንተተሰሪሕሉ መዋጽኦ ዝርከበሉ ንባዕሉ መተካእታ’ዩ። ነቲ ቅሩብ ቁራቦ ተፈናጪልና ነካይዶ ጉዳይ ሓቢርና ክንፍጽሞ ዘይከኣል ኣይኸውንን። ብተመሳሳሊ ብሞያ ሕጊ ዝሰልጠኑ ኤርትራውያን ኣለውና፡ ኣብቲ ሓድነታዊ ስትራቲጂካዊ ፖለቲካዊ ስምምዕ ኣባላት ብምዃን ምኽሪ ብምሕታትንን ብስሩዕ ንዝውሃቦም ዕማም ንምትግባር ብምትብባዕ ዘይከኣል ኣይከውንን።

ኣንቶንዮ ተስፋይ

18 ጥሪ 2022

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.