ልሳንካ ፡ ምእዳብ      

ልሳልካ ፡ ምእዳብ      

                ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ኣካሒዳ ኩሉ ሰነ -ምግባራውን ባህልን ሰነ ስርዓትን ጎሲናሉ ዘሎና ግዜ ፡ ርሑሳት ወለድና ነዚ ሕጂ ካብ ሓድሓደ ዜጋታት እንሰምዖ ዘሎና ዘሕንኽ ዘረባ ከይሰምዑ ምሕላፎም ዕድልኛታት እዮም ይብል ። ሕማቕ ውሉድ ንወላዲኡ የጽርፍ ፡ ምኽንያቱ ዝኾነ ወላዲ ፡ ውላዱ ብጽቡቅ ስነ ምግባር ናይ ምዕባይ ሓላፍነት ስለ ዝስኸም ። ከምዚ ምስ ተረኽበ እዮም ኣበው ምስ “ወላዲካ ጥፋእ” ኢሎም ዝረግሙ ።

                ልክዕ እዩ ዘሎናዮ ዘመን ፣ ዘመን ተክኖሎጂ እዩ ። ዝኾነ ሰብ ብፈይስቡክ ፣ ቱዊተር ፣ ዎትሳብ ወዘተ እናተጠቅመ ሓቅነት ዘይብሉ ጽልእን ባእስን ዝፈጥር ሓበሬታ ምእንቲ ሳንቲም ወዲ ሳንቲም  ክድልቡ ሕልኖኦም ሸይጦም ዘሎው ኣዲኦም ትክጸሮም ። 

                ኣብዚ ቅንያት እዚ ፡ ኣብ ዩቱብ ፣ ሓደ ወዲ ሓጂ ዝብሃል ሰብ ኣብ ልዕሊ ክርስትያን ደቂ ኣንስትዮ ከበሳ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምስታፈን ዘውርዶ ዝነበረ ብዕሉግ ቓላት ዝሰምዔ ኩሉ ኣስላማይ ይኹን ክርስትያን ዘይጎሃየ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን ። እዚ ከም ንቡር ገርና ሸለል ኢልና ክንሓልፎ እንተኾይና ፣ ከም ባህሊ ክውሰድ ኣዩ ። ስለዚ ነዚ ሰብ እዚን ከምኡ ዝኣመሰሉ ብተግባር ብክርድኦም ብዝክእል ቛንቛ ግብረ መልሲ መሃብ ናይ ኩሉ ደላይ ሰላም ኤርትራዊ ክኸውን ይግባእ።ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝበዚሕ ከባቢ ፣ ኩሉ ሃይማኖታት ዘሎዎ ኾይኑ ፣ኩሎም ዜጋታት ተከባቢሮም ሰናይ ሕወት ክሕልፉ ምንባሮም ኢና ይፈልጥ ። እዚ ፍጡር እዚ ግን ፍሉይ ትልእኾ ከሳልጥ ኣብ ወፍሪ ዘሎ ሰብ እዩ ። ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምኑቛት ዝዓለመ ስለ ዝኾነ ናይ ህግድፍ ዕሱብ ከከውን ዘይክእለሉ ምኽንያት እውን የለን ። ምኽንያቱ እቲ እምነቱ ከምኡ ክብል ዘተባቢዕ ኣይመስለንን ።

                ክንገብሮ ዝግብኣና ፣ መጀመርያ ጽን ኢልካ ምስማዕ ፡ ሓሲብካ ከኣ መልሲ ምሃብ እዩ ። ምክንያቱ ቓል ምስ ወጸ ክምለስ ዝክእል ኣይኮነን ። ልሳን ንምሉእ ኣካላትናን ጉዑዞ ህወትና እትምርዝ ክፍሊ እያ ። ንሰባትን ንጎይታን ንምርቐላን ንረግመላን እያ ። ብሓደ ኣፍ ምስጋናን መርገምን ይወጽእ። ዘይተነፍየ ዝቀትል ሕንዚ ዝመልኤት እያ ። ስለዚ ከምቲ ንእንስሳታት ክንቆጻጸሮም ልጓም እንጥቀመሎም ፣ ነዛ ልሳና  ከኣ ልጓም ክንገብረላ እንተ ዘይክእልና ሓደ መዓልቲ ክተቓጽለና ምዃና ክንፈልጥ ኣሎና ።

                ኣብ ሩዋንድ ዝነበረ ፍጻሜ ዳርጋ ናይ 800,000 ሽሕ ሰባት ሞት፣  መንቐሊኡ ናይ ጽልኢ ቓል እዩ ።እዚ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዝግበር ዘሎ ናይ ዓሌት ምጭፍጫፍ እውን ንብዙሕ ግዜ ክውህለል ዝጸንሔ ናይ ዓማጽን ተኣማጽን ናይ ግዛእን ተገዛእን ኣስተምህሮ ክሰንቅ ዝጽንሔ ህዝቢ፣ ብዝተፈጥረሉ ኣጋጣሚ ተጠቂሙ ሕነ ናብ ምፍዳይ ዘሚቱ ይርከብ ። ወዲ ሰብ ሕማቅን ጽቡቅን ፈልዩ ክርእየሉ ዝተውህቦ ሓንጎል ኣብ ክንዲ ምጥቓም ፈፈትፊቶም ዘቅርቡሉ ዓይበት ሕሶት ኮሊሱ እንተ ከይዱ ኣብ እንስሳ እዩ ዝምለስ ።     

                ስለዚ ነዚ ወዲ ሓጂ ዝብሃል ሰብ ፣ መድሃኒቱ ፣ ነቲ ዝምድሮ ዘሎ ብዑሉግ ቓላት ተተርጉሙ ነቶም ናይ ዩቱብ ትካል ወነንቲ ምትሕልላፉን ፣ብድሕሪ ሕጂ ኣፋ ክምዝልጎም ምግባሩ ዘዋጽእ ኾይኑ ይስምዓኒ ።ነቶም ከምኡ ዝኣመሰሉ ሰባት ከኣ ዓቢይ ትምህርቲ ምኾኖም ።

ሰናይ ቅነ

ክብሮም ግረነት

1/29/22

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.