ዘረባታት ይስማዕ ጽሑፋት ይንበብ ኣሎ፡ ንሕና ኸ ስርሓትና ንገብር ዶ ኣለና!

ዘረባታት ይስማዕ ጽሑፋት ይንበብ ኣሎ፡ ንሕና ኸ ስርሓትና ንገብር ዶ ኣለና!

ዘረባታት ይስማዕ ጽሑፋት ይንበብ ኣሎ፡ ንሕና ኸ ስርሓትና ንገብር ዶ ኣለና! ብዛዕባ ሓድነትና፡ ንዝመጽእ ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ተጻብኦታት ንምክልኻል እንታይ ንገብር ኣለና? ወይስ ዓዲ ሃገር ብዛዕባ ዝበልዎን ዝጸሓፍዎን’ና ክንትንትን ክንዛረብ፡ ንሳቶም ዝዘርግሕዎ ደጊምና ንሕና ብምዝርጋሕ ንረኽቦ ኣሎ ዶ? ብርእይቶይ ሓንቲ ኳ የልቦን።

”ሓንካስ ዘውረዮስ በዓል ፈረስ(ፈርሰኛ) ነይመልሶ ” ዝብል ምስላ ቀዳሞት ኣሎ። ካብ’ዚ ብሂል ብምብጋስ ከኣ ኣብ’ዚ እንነብሮ ሃለዋት፡ ዝካየድን ቃልሲ ንፍትሒ ምስ’ቲ ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት ዝተዛመደን ኣብ ግምት ዝኣተወን፡ ካብ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዝነዝሖ ባዶ ወረ ጀሚርካ ክሳብ ካብ ስግር ዶብ ኤርትራ ዝዋናጨፍ ዘሎ ዘይፍታሓዊ ገምጋማት ኩሉ፡ ንዓና ከም ደለይቲ ፍትሒ በቲ ኣንጻርና ዘካይድዎ ዘለዉ ፕርፖጋንዳን ንጥፍኣትን ሰሪዖሞ ዘለዎን ኣጀንዳ ክንዛረብ ማዕረ ክንደይ የርብሓና። ብልክዕ ኣቛውማን ኣካይዳን ተጻረርትኻ ምፍላጥንን መልሲ ክትረኽበሉ ክትፈልጥ ምጽዓርን ኣገዳሲ’ዩ። ግን ከኣ ኣጀንዳን ትልሚ ቃልስኻን ንጎኒ ገዲፍካ ጸላእትኻ ኣብ ዝተዛረብዎን ዝተለምዎን ክትዛረብ ክትካታዕ ውዓል ሕደር እንተኾነስ መደባት ቃልስኻ ደኣ መዓስ ትዛረበሉ ?

እወ ከም’ቲ ” ውሕጅ ጋሻ ዘየሳግር ሩባ ” ህድኣት ቆላሕታ ዘድልዮን ከኣ ንድሕነት ህዝብና ሃገርን ዝተበግሰናሉ ጉዳይ ብህድኣትን ትዕግስትን ክንርኣዮ ይግባእ። እዚ ጉዳይ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ዘይኮነ ከኣ እቲ ዝካየድ ምድንጋራትን ጌጋግ ሓበሬታት’ዩ ንጎኒ ክጸንሕ ዘለዎ። ካብ’ዚ ብዝተረፈ ኣበየ መራኸቢ ብዝሓት ካብ ኣጀንዳ ሓድነት ዝወጸ ዛዕባ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝዝርብ ዝጸሓፍ ኣልዒልካ ከም ውራይ ቃልሲ ምውሳድ ወይ ግዜኻ ምጥፋእ ንእዋናዊ ጸገማትና ዝፈትሖ ኣይመስልን።

ብልክዕ ንተጸራርትኻ ክትምክቶም፡ መደባቶም ክተጽንዕን ክትከታትል ግቡእ’ዩ። በዚ መሰረት ከኣ ነቲ እከይ መደባቶም ንምፍሻል ኣብ’ቲ ንምእንቲ ድሕነት ህዝባን ሃገርን ዝካየድ መስርሕ ቃልሲ እንታይ ትሕዝቶ ክህልዎን፡ ቀዳምነቱ ሰሪዕካ ምፍላጥ እምበር ኣብ’ቲ ንሳቶም ዝሰርዕዎ ኣጀንዳ ምህውታት ኣገዳስነት ዘለዎ ኮይኑ ኣይስምዓንን።

እቲ ነዞም ደለይቲ እከይ፡ ዘረግቲ ሰላም ንምምላስ ዝካየድ ቃልሲ ንጎኒ ገዲፍና፡ ክህልወና ዝኽእል ግዜ ዓቕምን ብሙሉእ ኣብ ሓድነትና ዘተኮረ ንዕኡ ዝምልከትጉዳያት ኣልዒልና እንተንጥቀመሉ ንታሪኻውን ፖለቲካዊ ሸነኻቱን ክንደይ ምጸበቐን መድመዐን።

ኣብ ደንበ ፍትሒ ብቀጻሊ ካብ ዝረአ ኣሉታዊ ተግባራት ፡ ካብ ዝቃለስሉ ምንጪ ሓድነት ርእይቶ ዕላማታት መትከላት ንላዕሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ንዝዝርጋሕ ኣሉታዊ ተግባራት እንተዘይ ተጋግየ ኣብ ምብዛሕን ምርባሕን ዝነጥፍ ውሑድ ዘይምዃኑ መረዳእታ ምህላዉ እዩ። እሞ ኣብ ክሊ ሓደ ውድብ ይኹን ምጥርናፋት ደለይቲ ፍትሒ ተወዲቡ ዝቃለስ ካብ’ቲ ዕላማን መደብን ምትእኽኻብ ወጻኢ ኣብ’ቲ ባዕሉ ዘቆሞ ዝራኸብሉ መስመር ዝመሓላለፍ መልእኽቲ መብዛሕትኡ ኣሉታውን ካብ ምንጪ ምትእኽኻባቶም መደብት ቃልሶም ወጻኢ ዝኾነ ሓበሬታ ይበዝሕን ይጽዕቕን ስለምንታይ ? እወ ስለምንታይ ዝብል ? ክሉ ከልዕሎን ክፈልጦን ዘለዎ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ። ”እወ ስለምንታይ ”

ኣብ ሓደ ሃገራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝካየደሉ እዋን፡ ምስ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ህሉው ኩነታት ዋሕዚ ሓበሬታት ኣብ ማሕበራዊ መራኺ ብዙሓት ንህዝባዊ ቃልሲ ንምዕንቃፍ ዝዋፈር ዝተኣሳሰረ ሰኪዔታት ጸላእቲ ምህላዉ ምፍላጥ ከም ዘለዎ ክቕመጥ ክኽእል ኣለዎ። ህዝብና ክፈልጦ ክጥንቀቐሉን ዘለዎ ጉዳይ ከኣ እዩ። ሓደ ሰብ ካብ ጸላእትና ወይ ኣንጻር ፍትሃዊ ቃልስና ዘካይድዎ ዘለዉ ይኹን ዝብልዎን ዝጽሕፍዎ ከም ኣገዳሲ ሓበሬታ ወሲድካ ምዝርጋሕ ክቁጠብን ብኣንጻሩ ከኣ፡ ይውሓድ ይብዛሕ ብጽሑፍ ይኹን ብድምጽን ተንቃሳቓሲ ስእሊ ዓዲ ዘእቱ ፍትሒ ዘምጽእ ሓሳባቱ ምግላጽ ክኽእል ይግ። ጸላእትና ንቃልስና ንምዕንቃፍ ኣብ ዘካይድዎ ቃልሲ፡ እሞ ነቲ ንሳቶም ዝዝርግሕዎ ኣሉታዊ ሓበሬታታት፡ ይዛረቡ ኣለዉ፡ይጽሕፉ ኣለዉ ኢልካ መናውሒ መራብሒ መቀጸሊ ዜናታቶም ዶ ኣይንኸውንን ኣለና። ስለምንታይ ደኣ ነቲ ንህዝብና ዝመሓላለፍ ሓበሬታ ልዕሊ ኩሉ ዘይንዝርግሖ ዘይንሳተፎ፡ ዘይነማዕብሎ፡ ዘይንእርሞ፡ ሚዛን ዝርገሐ ሓበሬታ ደላይ ፍትሒ ዝህብና ኣዝዩ ዝዘንበለን ምስ ቃልሲ ንፍትሒ ዘይመዛዘን፡ ካብ’ቲ ንብሎ ይብሉና ኣለዉ ዝብል ዝተገማድሐ ዋሕዚ ዘለዎ’ዩ።ብኻልእ ኣዘራርባ ንሓድነትና ብዝምልከት ካብ’ዚ ግዳማዊ ዋሕዚ ኣሉታዊ ሓበሬታ ሰኪዔት ጸላኢ ወጺና ብሕት’ልና ክንዛረብ ክንኽእል ይግባእ።

ካብ’ቲ ዝገርም እቶም ንፍትሓዊ ቃልስና ዝጻረሩ ባእታት ወይ ሓይልታት ንሕና ንብሎን ንገብሮን ንጽሕፎን የቃልሕዎ ዶ፡ ኣብ’ቲ ዝጥቀምሉ መራኺቢ ብዝሓት ይዝርግሕዎ ዶ? እወ ብጌጋ 1% ይዝርግሑ ይኾኑ፡ ብዝተረፈ መልእክትታቶም ኣብ ውሽጢና እንዳዋሓዘን ሰኪዔታቶም እንዳተዘርግሐ ሓሳብና ርእይቶና ኣብ መስመሮም ምዝርጋሕ ኣየድልዮምን። እቲ ሓቂ ከኣ እዚ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ክብሎን ክላበዎን ዝደሊ ከኣ ዝኾነ ማሕበር፡ሰልፊ፡ውድብ፡ምትእኽካብ ምንቅስቓቅስ ኣብ ውሽጢ መራኸቢ መስመራቱ ካብ’ዚ ሓደጋ ክወጽእን ይግባእ።

ብዙሓት ባእታታት ነቲ ንሳቶም ዝገብርዎ ቅዳሕ link share ከም መሰሎምን ግቡእን ገይሮም ስለ ዝወስድዎ፡ ተቃውሞ ወይ ተጻብኦም ስም ዘጋጥሞም መሰለይ’ዩ ይብሉ። ኣብ’ቲ ዘለዎ ጥርናፈ’ኳ ሓሳባት ርእይቶ እንተለዎ ዘለዎ ኣብርክቶ’ምበር ካብ መራኸቢ ብዙሓት ጓሕፍ ኣኪቡ ምምጻእ ኣይኮነን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጥርናፈታት ማሕበር ውድብ ሰልፊ ከኣ ኣጀንዳ ሓድነቶም ቀዳምነት ሰሪዖም ዝተረፈ ዝምልከቶም ኣካላት ስለ ዘለዉ፡ ክረአ ኣለዎ ሚንዛ ክንበረሉ ዝብል ጉዳይ ብመስርዕን ክቀርብ ይኽእል። ካብኡ ሓሊፉ ዝተኸፈተ መራኸቢ ብዙሓት ምቀጸልታ ግዳማዊ ጸረ ሓድነት ንዝኾነ ርእይቶታት መንእንገዲ ክኸውን ኣይግባእን። ንሕና ኸ ስርሓትና፡ ስርሓት ሓድነትናን መንገዲ ዓወትና ንክቀላጠፍ ንገብር ዶ ኣለና! መድሃኒት ኩሉ ተጻብኦታትና ሓድነትና ምኳኑ ብምእማን ኣብኡ ረጊጽና ንስራሕ። ኣብ ክንዲ ርእይቶ ጓኖት ርእይቶና ሓሳብና ነቐምጥ። ጉዳይና ንድሕሪ ኣይንጉሰሶ፡ መደናጎይ ዕንቅፋት ከይኸውን።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና

ኣንቶንዮ ተስፋይ

3 ለካቲት 2022

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.