ቃል ሓዘን

ቃል ሓዘን
ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ኤርትራ ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብዕለት 9 ለካቲት ዓሪፎም።ሓያል ሻቕሎት ህዝብና ከኣ ብከቢድ ዘሕዝን ወረ ሞት መርድእ በጺሑ።
ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ህጻንነቶም ጀሚሮም ዝሕለፍዎ ነዊሕ መንፈሳዊ ኣገልግሎትን ተጋድሎ ከም ውጽኢት ንሃዋርያዊ ተልእኾኦም ንምፍጻም ዘራኣይዎ ብቅዓት ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ኮይኖም ተሓርዮም።

ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ’ዚ ደረጃ ዘብጽሖም ንመፈሳዊ ሃዋርያዊ ተልእኾ ዘለዎም ጸዋዒት ብመንፈስ፡ብሓቂ፡ ብቅንዕናን፡ ትሕትናን ክብረትን ፍትሓዊ ብምንባሩ እዩ። ኣምላኽ ዝባረኾም ንህዝብና ሃገርናን ዘድሊ መራሒ ከኣ እዮም ነይሮም።
ፓትሪያርክ ኦርቶ. ቤ/ክ ኤርትራ ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ን16 ዓመት ብዘይፍትሕን ፍርድን ኣብ ማሕዩር ክጸንሑ ዝገበሮም ከኣ ደላይ ሓቕን ፍትሕን፡ ሓቀኛ ጓሳ ህዝቦም ብምዃኖም እዩ። ጉዕዞ ሂወት ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ መንፈሳዊ ተጋድሎኦም ዝሕለፍዎ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ኣረሜናዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ኣእተዎም፡ ዘርኣይዎ ትብዓት፡ ዝተዛረብዎ ዘይርሳዕ ነባሪ መልእክቶም ምስ ኤርትራውያን ደቆምን መላእ ዓለምን፡ ዝያዳ ኣቃራሪብዎምን ኣፋሊጥዎምን’ዩ። ዓለም ዘዛረበ ዘይፍትሓዊ ማእሰርቲ ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ መንፈሳዊ መራሒ ምዃኖም ቡራኬ፡ ጸሎተ ምህልላ ጥራሕ ዘይኮነ ከኣ ተስፋ ምስ ትብዓት፡ ፍትሒ ምስ ሓቅነት ኩነታት ህዝቦም ዘገድሶም፡ ንዝኣሰርዎም ኣኽቢሮም፡ ንዝጸልእዎም ኣፍቂሮም፡ ንዝኸሓድዎም ብሓይል እምነቶም ”ጎይታይ ሓትያኣቶም ሕደገሎም” ክብሉ ጉዕዞ መንፈሳውን ሃዋርያውን ተልእኾኦም ኣድሚቅዎን ኣመስኪርዎን’ዩ።
ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ኣቦ ጽንዓትን ትዕግስትን፡ ዓቕልን ሓቦን ንያትን እዮም። ኣብ ሂወቶም ብውሽጥን ግዳምን ዝወረዶም ተጻብኦ ክምህ ከይበሉ ኣብ ማሕዩር ህግዲፍ ዝሕለፍዎ ሃለዋት ኣብ ልዕለኦም ዝወረደ ከቢድ ስቓይ መስቀሎም ጸይሮም፡ ሃሚመ’የ ጠምየ ጸሚኤ ከይበሉ 16 ዓመት ሓሊፎም።
ዕረፍቲ ዘለኣለም ሃቦም፡
ብርሃን ኣብርሃሎም
ኣምላኽ ኣብ ገነቱ ይቀበሎም፡ ነታ ሓብሒባ ዘዕበየቶም ገዳም፡ ቤተ ሰብን መቅርብን፡ ህዝብና፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክ ኤትራ ከኣ ጽንዓት ይሃብ።
ቲቪ ሰነድ ኤርትራ
10 ለካቲት 2022
You must be logged in to post a comment.