ንዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት 2022

ንዝኽሪ ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት 2022
ወይ መጋቢት
እወ ብሓቂ መጋቢት
ብወርሑ ብዕለት
ተሓሲቡ ድዩስ ወይ ሃንደበት
ንዓኺ ብስምኪ ዝተዓደለት፡
ጥዋፍ የብርህ ሽም ይመርሕ
ሞያኺ ኣደየ ኣየሕጥእ ኣየናስሕ
መጋቢት ሓንቲ ካብ ዓውደ ኣዋርሕ
ንዓኺ ክትመስል ስምኪ ክትረቑሕ፡
ክንዮ ኩሉ ሞያኺ ልግሲ
ሕርሲ ጥንሲ
ትጕልጕሊ ትሓርሲ
ትምጥኒ ትህንድሲ
ሃገራዊት ተኽሊ፡ ናይ ወለዶታት ፈልሲ
እዚ ዶ በዚሑ ንዓኺሲ፡
ዓለም ብኣኺ ትምሰል
ሃገር ብኣኺ ትምሰል
ዘይመስል መዓስ ይምስል
ሽምኪ ዝናኺ ኣብ ኩሉ ዝዓስል፡
ብሓልዮትኪ ርህራሀኺ ሰብ ዘደንቕ
ኣደ ክትዝከሪ መን ርእሱ ዘይንቅንቕ
መን ዘየፍቕረኪ መን ዘይናፍቕ
ካብ ቀረባ ኮነ ርሑቕ፡
ኣደስ እምበር ኣደ’ያ
ተማሂርካ ዘይርከብ ሞያ
ተዓዲላቶ እዝጊ ዝሓረያ
ተፈጥሮ ዝዓደላ ሕጊ ደሞክራሲያ፡
ንዝተባእሱ ትዓርቕ
ንዝጨከኑ ተቦቅቡቕ
ማእከል ትመልሶ ንዝርሕቕ
ዉሉዳ ክንዲ ዝምርቓስ ንሳ ትምርቕ፡
ወርሒ መጋቢት ክንደይ ትጥዕሚ
ስምኪ ድዩ ወይ ስ ክብሪ ኣደ፡ ነባሪ ቅስሚ
ትማሊ ሎሚ
መንክን’ዩ ፈላሚ፡
ኣደ’ያ ፈላሚት ካብ’ታ ወርሒ
ኩሉ ግዜ ለምለም ዘይጽሒ
ጸሓይ እንተ ዓረበት ድሙቕ ደጕሒ
ኣይትምትኒ ጽንሒ ደኣ ጽንሒ፡
ኣንቶንዮ ተስፋይ
8 መጋቢት 2022
You must be logged in to post a comment.