ስለ ምንታይ እየ ጸላኢ ነፍሰይ ዝኸውን!

ስለ ምንታይ እየ ጸላኢ ነፍሰይ ዝኸውን!
ስለምንታይ እየ ጸላኢ ነፍሰይ ዝኸውን ዝብል ብንጽል ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ፡ እንተ ተባዚሑ ስለምንታይ ኢና ጸላእቲ ነፍስና ንኸውን ክበሃል ማለት እዩ፡ እሞ ኣነ በታ ቀዳመይቲ መስመር ሕጡብ ንጽል ክጽሕፍ መሪጸ ኣለኹ።
እወ፡ ስለምታይ እየ ጸላኢ ነፍሰይ ኮይነ ክብል እንከለኹ ፡ ብርእሰ ነቐፈታ ጥራሕ ዝሓልፍ ዘይኮነ ኣዝዩ ከቢድ ሓላፍነት ክወስደሉ ዝግብኣኒ፡ዘሕትተኒ ጉዳይውን እዩ።
ዛጊት ብውሽጢ፡ጸላኢ ነፍሰይ ከይኮንኩ፡ብግዳማዊ ጸላእን ባህርያዊ፡ ጥሜት ጽምኢ ሕማም ክጻባኣኒ ክጅምር እንከሎ ልዕሊ ጽልኢ ነፍሰይ እንተዘይተኸላኺለዮ፡ ብተወሳኺ ብትህኪተይ፡ ድኻመይ፡ ኣብ ሓደ እዋን ክልተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጸላእቲ ኣጥረየ ኣለኹ ማለት እዩ።
እምበኣርከስ ሓደ ድዩ ክልተ ነቲ ብግዳም ዝጻባኣኒ ዘሎ ጸላኢ ክምክት ክኽእል፡ ካብ ጸላኢ ነፍሰይ ምዃን ክገላገልን ሓራ ክኸውን ይግብኣኒ።ትህኪትን ስንፍናን ድኻምን ኣወጊደ፡ ካብ ህራርሞ ጸሓይን፡ካብ ኣስሓይታን ቁርን ክድሕን ቤት እንተ ሰራሕኹ እዩ ከኣ ብቀዳምነት ካብ ጸላኢ ነፍሰይ ምዃን ድሒነ፡ መዕቀሊ፡መጽለሊ፡ እንተሓሪስ ዝብላዕ ረኺበ ካብ ጥሜት ድሒነ፡ ከም መበገስን፡ እንተኾይኑ ከኣ ዕርዲ ተኺለ ኣለኹ ማለት ክኸውን ይኽእል።
ኣብዚ ንርከበሉ መዋእል እሞ ከኣ መቁጸሪ ዘይብሎም ጸገማት ዘንጸላልውሉ ዘለው ህሞ ትኮይኑ ጸላኢ ነፍሰይ ኮይነ እንተቀጺለ ዝተርፈለይ ታሪኽ ዘይኮነስ ኣብቲ ዓዘቕቲ ድኻመይ ስንኩፍናይን ተዋሒጠ ምጥፍአይ ዘይተርፍ እዩ።
ምስዚ ኣዛሚደ ልዕሊ ኩሉ ባህሪያዊ ተጻብኦታት፡ህሉው ኩነታት ሽግርን ህዝብና ሃገርና ክርእዮ እንከለኹ ፍታሕ ዘይተረኽበሉ ምኽንያት ጸላኢ ነፍሰይ ኮይነ ዶ ይኸውን ዝብል ሓሳብ ይመጸኒ። እወ ብልክዕ ጸላኢ ነፍሰይ ስለ ዝኾንኩ እየ ህዝበይን ሃገረይን ኣብ’ዚ ወዲቁ። ስለምንታይ ንዝብል ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ኣካል ፍታሕ ዝኸውን፡ ኣካል እቲ ክስዕሮ ዝቃለሶ ዘለኹ ጸገም እንተኮንኩስ ብሓቂ ጸላኢ ነፍሰይ እየ። ካብኡ ሓሊፉ ሰባት ክብሪ ዘይህብ፡ ርእይቶ ሓሳባት፡ዕዮን ስርሓትን ሰባት ዘነኣእስ፡ንኣሽቱ ጉዳያት ከም ዓብይ ቆጺረ ቀዳምነት ሂበ ዝህውትት፡ ኣብ ኩሉ መዳያዊ ናይ ምፍልላይ ሰክዔት ተዋፊረ ዝፈላሊ፡ ናተይ ገዲፈ ጉዳይ ካልእ ክዛረብ ዝሕልፎ ግዜ ዝበዝሕ እንተኾነ ብሓቂ ጸላኢ ነፍሰይ ኮይን ኣለኹ ማለት እየ።
ነዚ ኣሉታዊ ተርእዮ ጸላኢ ነፍሰይ ገይሩኒ ዘሎ ኩነት ግን ክቅይሮን ክፍወስን ካብ ሕልመይ ተበራቢረ ፡ንሰባት ከኽብር፡ ርእይቶን ሓሳብን ሓድሕድ ክሰምዕ፡ ንስርሓቶም ክንእድ ከሞግስ፡ ምፍልላይ ክጸብብ ዕርዲ ገዛይ ክሃንጽ፡ ሓድነት ሓይለይን ጸግዐይ ምዃኑ ኣሚነ፡ነቲ ክብረይ መሰለይ ቀንጢጡ ኣብ ስደት ደርቢዩኒ ዘሎ ጸላኢ ክስዕሮ፡ኣካል ጸገማት ዘይኮንኩስ፡ ኣካል እቲ ቅኑዕ ግሉጽን ሃገራዊ ፍታሕ ብምኻን ሓድነት ንምሕያልን ንምምድልዳል መብጽዓ ብምእታው ብሓባር ምስራሕ ምኽኣልን ምክኣእልን፡ምምላእን ምምልላእን ከድህብ ይግባእ። እዚ ከኣ ካብቲ ጸላኢ ነፍሰይ ምዃን ከድሕነኒ ዝኽእል፡ ዓብይ ዕድል’ዩ ዝብል እምነት ዝብገስ’ዩ። በዚ ኣገባብ ከኣ ቅዋም ከይተተኽለ ህዝቢ ብሕጊ ከይመሓደር፡ መሰል ሰባት ንኸይክበር፡ ጋሪዱኒ ዘሎ ድኽመት፡ ጸላኢ ነፍሰ ምዃነይ ጥራሕ እዩ። ካብ ጸላኢ ነፍስኻ ምዃን ከኣ ዝኸፍአ ሽግር ኣሎ ኣይብልን።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ኣንቶንዮ ተስፋይ
9 መጋቢት 2022
You must be logged in to post a comment.