Monthly Archives: Apr 2022

መልእኽቲ እቴጌ ኤለኒ፡ንንጉስ ኣማኑኤል ፖርትጋል 1510 ዓ.ም

መልእኽቲ እቴጌ ኤለኒ፡ንንጉስ ኣማኑኤል ፖርትጋል 1510 ዓ.ም ኣብ’ዚ ሕጂ ዘቅርቦ ዘለኹ ሓበሬታ፡ ነታ ድርቲ ጽሕፈት ኣብ FB ዝተዘርግሐ መብርህን ክትኸውን ትኽእል’ያ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣብ’ዚ ሓጺር ግዜ ብዙሓት ሰባት ብዛዓብ’ዛ ጽሕፍቲ ተገዳስነት ስለ ዝገበሩ ከኣ ካብ’ቲ ዘለኒ ትሕዝቶ ክካፈል፡ቀንዲ ዝገደደኒ ምኽንያት ክሓብኦ ኣይደልን። ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ወይ ኣዋርሕ ካበይ ነቒሉ ዘይርድኣኒ፡ብዛዕባ ወደብን መስመር ባሕር ኢትዮ-ኤርትራ ንዝምልከት ብዙሕ ክበሃል ጸኒሑ’ሞ፡

Read more

ድራኺ ሓይሊ ሓድነትና፡ዝተኽፍለ ክቡር ዋጋ’ዩ!

ድራኺ ሓይሊ ሓድነትና ዝተኽፍለ ክቡር ዋጋ’ዩ! ድራኺ ሓይሊ ሓድነትና ዝተኽፍለ ክቡር ዋጋ ግድነት ክምለስ ዘለዎ ዕዳ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ’ዩ! ኣብ’ዚ ንነብረሉ ዘለና ህልዉ ግዜ ሓድነት ክውን ንምግባር ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘኽእል ኣብ ባይታ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት እኹልን ተረፍን’ዩ። ሓድነትና ከነረጋግጽ ኣለና ድዩ? እወ ከም ሓደ ህዝብና ሃገርን ብዘይ ቅድመ ኩነት ህላውነትና ዘረጋግጽ ኣርማን ምልክትን እንኾ ሓድነትና እዩ። ምሕያል ሓድነትና ብውልቀ

Read more

ኣምላኽ ይወርድ ወይ ላምና ትወልድ ግዲ!

ኣምላኽ ይወርድ ወይ ላምና ትወልድ ግዲ!ልዕሊ ዕድመ ሓደ ወለዶ ዝወሰደ ምልካዊ ምሕደራ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና  ሃገርናን ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ሕሰም መከራ መግለጺ ዘይርከቦ፡ ብቅርጽን ትሕዝቶን፡ፖሊሲታቱን ሓፈሻዊ መደባቱን ኣብ ሚዛንን ገምጋምን ኣትዩ ብፍጹም ከተወዳድሮን ከተመዛዝኖን ዘይከኣል ስርዓት ህግዲፍ ዝኽተሎ ፍልስፍና ክውገን ክስራዕ ዘይክእልን መልክዕ ኣልቦ’ዩ። ኣብ ውሽጢዚ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይብሉ ምሕደራ ከኣ ዩ ነቲ ግድል ንምፍታሕ ዓብይ ጸገም ፈጢሩስ፡መሳርሒ ግፍዒ

Read more