ኣምላኽ ይወርድ ወይ ላምና ትወልድ ግዲ!

ኣምላኽ ይወርድ ወይ ላምና ትወልድ ግዲ!
ልዕሊ ዕድመ ሓደ ወለዶ ዝወሰደ ምልካዊ ምሕደራ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና  ሃገርናን ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ሕሰም መከራ መግለጺ ዘይርከቦ፡ ብቅርጽን ትሕዝቶን፡ፖሊሲታቱን ሓፈሻዊ መደባቱን ኣብ ሚዛንን ገምጋምን ኣትዩ ብፍጹም ከተወዳድሮን ከተመዛዝኖን ዘይከኣል ስርዓት ህግዲፍ ዝኽተሎ ፍልስፍና ክውገን ክስራዕ ዘይክእልን መልክዕ ኣልቦ’ዩ። ኣብ ውሽጢዚ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይብሉ ምሕደራ ከኣ ዩ ነቲ ግድል ንምፍታሕ ዓብይ ጸገም ፈጢሩስ፡መሳርሒ ግፍዒ ዓመጽ፡ ግህሰት ሰብኣዊ ክብርን መሰልን፡ጭውያን ማእሰርትን ቅትለትን ኮይኑ ዘሎ። ነዚ ዘራጉድ ምስክረነት ከኣ መርማሪት ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት፡ ብቀጥታ ካብ ግዳያት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ዝኾኑ ዜጋታት ኤርትራ ዝረከበቶ ጭብጥታት ንዘቅረበ ሰፊሕ ጸብጻባት 2015 – 2016 እዩ። ይኹን’ምበር ነዚ ሰፊሕ ጸብጻባት መርማሪት ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ምኽንያቱ ብዘይፍለጥ ተደፊኑ ሓሊፉ።  

እዚ ዝሕብሮ ከኣ ምስ’ቲ ደምበ ፍትሒ ኤርትራውያን ዘካይዶ ዝነበረ ቃልሲ ከም ኣብነት እንተወሲድና ንጸብጻባት መርማሪት ሽማግለ ሰብኣዊ ደጊፉ፡ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ህግዲፍን፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ኣብ ሃገር ስዊዘርላንድ ከተማ ጀነቭ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ህዝባዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኤርትራውያን ኣብ ቦትኡ እንዳሃላወ፡ ደምበ ደላይ ፍትሒ ኤርትራ ቃልሱ ቀጺሉ፡ ሰጉሙ፡ ትንፋስ ረኺቡ። ሰለስተ ወለዶታት መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ ግዜን ቦታን፡ ኣብ ባይታ መኸተ ንደሞክራስን ፍትሕን፡ ንቅዋምን ግዝኣተ ሕግን ብሓንሳብ ጠጠው ዝበለሉ እዩ ዝነበረ።

ኣብ ሓጺር ግዜ ተኣኪብካ ምውፋር ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብሓደ ዕላማ ብጽንዓትን ሓድነት፡ ሓላፍነት ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ኣብ ማእገሩ ከም ዘሎ ሓሲቡን ተረዲኡን ዝወፈረ ምንባሩ፡ ኣብ መንጎኡ ዝነበረ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ምድላዋትን ሓደ ክልተ እንዳበልካ መርትዖ ክቀርበሉ ዝኽእል ልዑል ሓባርዊ ወፍሪ ዝተራእየሉ ነበረ።

ትጽቢት ህዝቢ ኣብ ተበገሰሉ ዕላማ ከይበጽሕ፡

ሀ/ ቀዳማይ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብን ው/ሕ/መ ንዘንቀሎ ተበግሶ መጽናዕትን ኣብ ትግባረ ብዘይምስናዩ

/ ቀጻልነት ምትሕቁቛፍ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ዘይምርግጋጹ

ሐ/ ሓያል ወፍሪ ምድንጋርን ፕሮፓጋንዳ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ስርዓት ምንባሩን እዩ።

ኮይኑ፡ ምስ’ቲ ብኵናትን ብማእሰርትን፡ ኣብ ዘይፈልጦ ሃገርን በረኻታትን ተዓጊቱ ዝተረፈ ኤርትራዊ ስድተኛን፡ ብካልእ ተወሳኺ ኩነታት ንስግረ ዶብ ብፍላይ ንሃገራት ኤውሮጳ ዋሕዙ እንዳነከየ ምስ መጸ እቲ ምንቅስቓሳት ዛሕቲሉ። ኮይኑ ከኣ ብዓብዩ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣይነከየን፡ ብኣንጻሩ’ኳ ደኣ ተስፋታቱ ጸልሚቱ ንዓበይቲ ሓደጋታት ዝተጋለጸ ኮነ። ኣብ’ዚ ከኣ መላኺ ስርዓት ህግዲፍን ሰዓብቱን ምስ’ቲ ኩሉ ባዕሎም ዝፈልጥዎ ጸገማት እንዳሃለዉ ብውሽጦም ሕርር ኢሎም እንከለዉ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ከም ዕዉታት ኮይኖም ክረኣኣዩን ኣብ መሳዅቲ መራኸቢ ብዙሓን ዕስለ ውጥም ቅልቅል ክብሉ ተራእዩ። ሓቅን ትሕዝቶን ስለ ዘይነበሮም ግን ካብ’ቶም ብዙሓት ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ቁንጣሮ ተሪፎም ክሳብ ዝበልየሎም የዕገርግሩ ኣለዉ።

ደጊም ደላይ ፍትሒ ህዝብና ሓድነት ምትሕግጋዝን ሓቢርካ ምቅላስን ማዕረ ክንደይ ሓይሊ ከም ዘለዎ ኣብ ዝተፈላልየ መድረኻት ዘርኣዮ ፍቱን ምድሓኒት ኣንጻር ምልኪ ሕጂ’ውን ዳግማይ ጀነቭ ” እዝጊ ይወርድ ወይ ላምና ትወልድ” ብኩሉ መዳይ ጻዕርታትና ክብ ብምባል ሕሰም ህዝብና ብራህዋ ክድበስ ንምቅልጣፍ ዘዝከኣለና ኣበርክቶ ክንገብር ይግባእ። ኣብ’ቲ ብዝለዓለ ንጉዳይና ዘርብሕ፡ ንህዝብናን ሃገርና ሰላምን ራህዋን ዘማዕዱ፡ንሰናይ ጉርብናት ዘላቂ ፍታሕ ዘምርሕ ሓሳብን ስንቅን ሒዝና ክሳብ ዓወት ምቅላስ ይግባእና። ኣብ መወዳኣት ከም’ቲ ሓደ ውርይ ኢትዮጵያ ኮመድያን ዝበሎ ዋዛ ምስ ቁም ነገር ጠቂሰ ክድምድመልኩም፡

 ” ነብርን ዜብራን ተራኺቦም ከውግዑ እንከለዉ፡

ነብሪ – ይሓትትሞ ሕብሪ ሳዕሪ እንታይ ይመስል ይብል፡

ዜብራ ትምልስ – ሰማያዊ ኢላ ትምልስ

ነብሪ – ኣይፋሉን ቀጠሊያ እዩ! ሞጎተ ይቕጽል፡ ምስምማዕ ሰኣኑ

ነብሪ – ደጊም ካብ ዘይተሰማማዕና ናብ ዳኛ ንኺድ ተባሂሎም፡ ኣብ ቅድሚ ኣንበሳ ቀረቡ

ንበሳ – እንታይ’ዩ መምጽኢኹም

ነብሪ – እወ ምስ ዜብራ ሳዕሪ እንታይ ሕብሪ ከም ዘለዎ ተዘራሪብና ኣይተሰማማዕናን እሞ ክዳንነየና መጺና በለ

ኣንበሳ – እሞ ሃየ ነብሪ እንታይ በልካ ይብሎ፡ ነብሪ መለሰ ሕብሪ ሳዕሪ ቀጠልያ ከኣ በለ፡

ኣንበሳ – ደጊሙ ንዜብራ ይሓትት እሞ፡ ዜብራ ከኣ ኣነ ደኣ ሕብሪ ሳዕሪ ሰማያዊ’ዩ በልኩ፡

ኣንበሳ – ግርም ሰሚዔኩም ኣለኹ፡ ሕብሪ ሳዕሪ ከኣ ከም’ቲ ዜብራ ዝበለቶ ሰማያዊ እዩ በለ፡

ብራ – ደጊም ተዓዊተ ኢላ ፍንጥራዕ እንዳበለት በለት ንጎላጉል ጋለበት

ነብሪ – ከመይ ደኣሉ ነገሩ ሳዕሪ ስ ሰማያዊ ሕብሩ ፡ እንታይ ዝበለ ቀናን ፍርዲ’ዩ ፡ ንኣንበሳ ይውከስ

ኣንበሳ – ይምልስ ” እወ

1 ዘይከውን ዘይትበልዖ ዘይትረብሓሉን ዘይትጥቀመሉ ብዛዕብ ሳዕሪ ሕቶ ሒዝካ ምምጻእኻ

2 ኣብ ዘይምልከተካ ሕቶ ግዜ ኣጥፊኣካለይ

3 ንዓይ ለኪምካኒ፡ ኩሉ ነገርካ ኣሕሪቁኒ እዩ ከምኡ ዝበልኩ በለ፡ ፍርዲ ናኣንባኢ ይገፎ፡

ሰላም ምስ ኩሉ ኣብ ኩሉ

ኣንቶንዮ ተስፋይ

3 ሚያዝያ 2022

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.