ድራኺ ሓይሊ ሓድነትና፡ዝተኽፍለ ክቡር ዋጋ’ዩ!

ድራኺ ሓይሊ ሓድነትና ዝተኽፍለ ክቡር ዋጋ’ዩ!

ድራኺ ሓይሊ ሓድነትና ዝተኽፍለ ክቡር ዋጋ ግድነት ክምለስ ዘለዎ ዕዳ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ’ዩ! ኣብ’ዚ ንነብረሉ ዘለና ህልዉ ግዜ ሓድነት ክውን ንምግባር ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ ዘኽእል ኣብ ባይታ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታት እኹልን ተረፍን’ዩ።

ሓድነትና ከነረጋግጽ ኣለና ድዩ? እወ ከም ሓደ ህዝብና ሃገርን ብዘይ ቅድመ ኩነት ህላውነትና ዘረጋግጽ ኣርማን ምልክትን እንኾ ሓድነትና እዩ። ምሕያል ሓድነትና ብውልቀ ዜጋ ጀሚሩ ክሳብ ስልፊ፡ ውድብ ሲቪካዊ ማሕበራት ዝበቍልን ከም ሳዕሪ ኣስፋሕፊሑ ዘይበታተኽ ሱር ዝሰድድ፡ ከይዱ ከይዱ ሃገር ዘቅውም ዘትክል ዘጽንዕ ዓንዲ ማእከልን ዋልታን እዩ። ቀንዲ መርኣያ ሓድነት ኮይኑ ኣብ ምክእኣልን ምድግጋፍን፡ ሓድሕ ሃልዮትን ክብርን ኣንጻር ውሽጣውን ግዳማውን ተጻብኦታት ብሓደ ሰሚርና ጠጠው ብምባል ንሰርሖ ዕዮ ገዛና’ዩ። ንሕና ከም ህዝብን ሃገርን ክሳብ ሎሚ ብዝተኸፍለ ከቢድ ዋጋ መርትዖታትን ጭብጥታትን ዘለዎ ኣብ ሽቶኡ ዘይበጽሐ ሓድነትና፡ ክሳብ መወዳእታ ዕላማ ንምብጻሕ ሰብ ዕዳ ስለ ዝኾና ዕዳና ክንመልሶ ቀዳማይ ድርኺት ሓይሊ ሓድነትና’ዩ። መሰልናን ክብርታትና ከኣ ኣብ ህላወ ሓድነትና’ዩ ዝነብር፡ ዝደምቕ ዝተርርን።

መን ዋጋ ከፊሉ፡ ዝሓለፈን ዘሎን ኣተሃላልዋናን ታሪኽን ዝምስክሮ ብሩህን ንጹርን ሓቂ’ዩ። ይኹን’ምበር ኣብ’ዚ ህዝባውን ሃገራውን ታሪኻውን ዝተኸፈል ከቢድ ዋጋ ሓድነት ውልቀ-ሰባት ይኹኑ ጉጅለታት ንባዕላዊ ጥቅምን ረብሓን ንምርካብ ምጽዓር ምድላይ ከንቱ’ዩ። ብሕጽር ዝበለ ዝተኸፈል ዋጋ፡ ዕዳ ኩሉ’ዩ። ኤርትራውያን ዜጋታት ኣበየናይ ፖለቲካዊ መስርዕ ይሃልዉ ብዘየገድስ ንሕቶ መላእ ህዝብን ሃገርን ክምለስዎ ዘለዎም ብታሪኻዊ ሓላፍነት ዘሕትት ድማር ትጽቢት መጻኢ ወለዶታትና’ዩ። ኣብ ትሕቲ ሓድነት ከኣ ሰላምን ራህዋን፡ ግዝኣተ ሕግን ፍትሕን ክረጋገጽ ክኽእል ምትእምማ ኩሉ የድሊ። ንምእንቲ ህላውነት ህዝብን ሃገርን ክንመልሶ ክንክሕሶ ዘለና ዓብይ ዕዳን ጾር ሓድነትና ምርግጋጽ ጸማም ዝሰምዖ፡ ዕውር ዝረእዮ፡ ዘይሓስብ ዝርድኦ ጭብጥትታን ምስክርነት ዘለዎ ሓቂ ክንርዕምን ንምዕኳዅ ብሓበር ክንጽዕርን ክንቃለስን ግቡእ’ዩ።

እቶም ንፍትሕን ግዝኣተ ሕግን ከይተሓለሉ ዝቃለሱ ዘለዉ ጀጋኑ ሓርበኛታት ኤርትራውያን፡ብግዜ፡ብምስክርነት ብታሪኽ፡ ብድርኺት ሓድነቶም ክረጋገጽ ቃልሶም ከበራትዑ ክመርሖም ዝኽእል ንጹር ጎደና ሓድነት ክፍት ምህላዉ ዕድለኛታት እዮም ዘየብሎም ኣይኮነን። እዞም ተርኽቦን ተርእዮን ብመሪር ጽንኩርን ተሞክሮታት መስዋእትታትን፡ ስቓይ፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ጭውያ፡ ቅትለት ዝሕለፍ ዘሎ ምዃኑ ንምጥቃሱ ካብ ኤርትራ ክሳብ ደቡብን ሰሜን ኣሜሪካ ካናዳን፡ ክሳብ ጫፍ ምብራቕ ዓለም ኣውስትራልያ፡ ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ዝርገሐ ዘለዎ ተዛሪብካሉ ዘይውዳእ’ዩ ምብትታን ህዝቢ ሃገርን እዩ።

ሃየ እስከ በሉ፡ ኣብ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ኣብ ነባራት ተጋደልትን ኣብ ልዕሊ ገደብ ኣልቦ ወፍሪ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሳዋ፡ ኣብ ሽማግለታትን ዓበይቲ ዓዲ መራሕቲ ሃይማኖትን፡ ኣብ ኣደታት ኣቦታትን ዝተፈጸመ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ክንድብሶ ክንክእል ሕቶ ዕዳና ብሓድነትና ምምላስ’ዩ። ኣብ ስደት ክነብር ዝምነ ሓደ’ኳ የልቦን። ምኽንያት ኣብ ስደት ምህላውና ከኣ ጠንቂ እንታይ ምዃኑ ንፈልጥ። ነ’ቶም ተዓሲቦም ዝተሰደዱ ገዲፍካ፡ ደላይቲ ፍትሒ ንጹሃት ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ሂወቶም፡ ኣብ ገዝኦም ኣብ መሰሎምን ክብሮም ዝወረዶም ግፍዕታት ኣጸቢቆም ይፈልጡ። ንግዜኡ’ኳ እንተተሓብኤ ክሓብእዎ ዝደልዩ’ውን እንተሃለዉ፡ ዘይፍወስ ሕማም ደሓር ኮይኑ እንዳጸንሐ ዕዳኡ ንምኽፋል’ውን ዝኸብድ ምስኡ ተታሓሒዙ ዝዓቢ እምበር ዝጠፍእ ኣይኮነን። ምእንቲ’ዚ ብእዋኑ ንትግባረ ሓድነትካ ጠጠው ኢልካ ግቡእ ምድላው ምግባር ግድነት’ዩ። ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ብጸቢብ መንቀራቕሮ ብጽንኩር ኩነታት ክሓልፉ ምእንታና ዋጋ መስዋእቲ ዝከፈሉ ምህላዎም ወትሩ እንተዘይረሳዕናዮ ዘርኢ ሓድነትና’ዩ።

ደለይቲ ፍትሒ ንድርኺት ሓይሊ ሓድነትና ምርግጋጽ ዘኽእሎ ዕድል ኣሎ’ዩ ንብሎ ከኣ ከም’ዚ ልዕል ክብል ዝተጠቕሰ ሓቀኛ ታሪኽ ንሕና ንፈልጦ፡ ኣህጉራዊ ሕብረተ ሰብ ዓለም ዝፈልጦ፡ ግሉጽ ጭብጥታትን ምስክርነታትን ንውንን ምዃን’ዩ። እዚ ዕድል ምስክርነት ምውናን ከኣ ንህናጸተ ስርዓተ ሕግን ቅዋምን ንጥቀመሉ ኣይንተቐመሉ ግን ኣባና ዝተርፍ ዓብይ ንእዋናውን ነባርን ግድነት ሓድነት ኤርትራውያን ምርግጋጽ ዝድርክ’ዩ። እዚ ዕድላት ኣብ ቅድሚ ዓይንናን እዝንና ብህላውንነትናን ምስክርነትና ዝተፈጸመ ምዃኑ፡ ኣይነበርኩን ዝብል ዜጋ ዘይምህላውን ዘይክሕዶ መድረኽ ምዃኑ’ዩ። ኣብ’ዚ ከኣ እዩ ምስጢር ትግባረ ሓይሊ ሓድነትና ዝመርሕ ንውንኖ ተሞክሮታት ዝህሉ። ካብ’ዚ ወጻኢ፡ ዝግበር ኩሉ ብሂልን ተግባርን ምድንጋርን ትሩፍ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ሓደ መሪሕ ቃልሲ ክህልዉ ነይርዎ ተባሂሉ ዝዝረበሉ ኣጋጣሚታት ውሑድ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝጠቀስክዎ ንምእንቲ ግዝኣተ ሕጊ ሂወቶም ዘሕለፉልናን ዝኸፈሉልና እንተዘከርና፡ ደወል ንጻውዒት ሓድነት ምዃኑ’ዩ። ገገል ንምጥቃስ ….

  • ዝግባእ ክብርን ሞሳን ከይተዋህቦ ዓብይቲ ፖለቲካውያን መራሕቲ ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት ይሓልፉ ዶ ኣለዉ?
  • ነባራት ተጋዳልቲ ከካብ ገዝኦምን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ተጨውዮም ተኣሲሮም ዶ ኣለዉ?
  • መንእሰያት ከቢሮም ኣብ ሃገሮም ከይነብሩ ንስደት ዶ ይበታተኑ ኣለዉ?
  • ግዳያት ኣሞራን ዓሳታት ባሕርን ኮይኖም ደሃይ ዘይብሎም ዝጠፍኡ ዶ ኣለዉ?
  • ዝኽሪ ትማሊ ስርሒት ፎርቶ ኩሉ ዝሰምዖ ዶ እዩ?
  • ዝኽሪ ትማሊ ዓበይቲ መንፈሳውያን መራሕቲ ሃይማኖት ሓጅ ሙሳን፡ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብጭኻነ ኣብ ማሕዩ ዶ ሂወቶም ከፊሎም ሓሊፎም?

መልሲ እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ሕቶታት እወ እዩ። ደጊም ብድሕሪ’ዚ ትጽቢትና እንታይ ክኸውን ዘለዎ፡ ግብረ መልስና ብኽመይ ክስነ ዘለዎ እንተኾይኑ ብሓድነት ጠጠው ኢልና ንዝተኸፈለልና ዋጋ ውዕለትን ዕዳና ክንመልስ ጻዕርታትን ተጋድሎን ምትግባር ማለት’ዩ ክኸውን ዝግባእ። ሎሚ መዓት ህዝብና ኣስኪሩና ስቕታና በዚሑስ ሽግር ዓመጽ ምርሳዕ ዝለመድናዮ ይመስል። ንምእንታና ዝኽፈል ከቢድ ዋጋስ ንዕለቱ ተረሲዑ ኣብ ዘዝሓደሰ ረብሓታትና ዘይሕለወሉ ተርኽቦ ምድሃብ ኮይኑ ዝረኣየሉ ዘሎ ኩነታት ንንበር ዘለና ኮይኑ ዝመስል ዝሕብር ኩነታት ወጊድ ኢልና፡ ኣብ’ቲ ጉዳይና ልዑል ኣቃልቦን ሓያል ስራሕን ጻዕርን ከነበርክት  ይግባእ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝክርን ንስዋኣትና

ኤርትራ ብነጻነታ ተኸቢራ ትንበር

ኣንቶንዮ ተስፋይ

8 ሚያዝያ 2022

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.