መልእኽቲ እቴጌ ኤለኒ፡ንንጉስ ኣማኑኤል ፖርትጋል 1510 ዓ.ም

መልእኽቲ እቴጌ ኤለኒ፡ንንጉስ ኣማኑኤል ፖርትጋል 1510 ዓ.ም

ኣብ’ዚ ሕጂ ዘቅርቦ ዘለኹ ሓበሬታ፡ ነታ ድርቲ ጽሕፈት ኣብ FB ዝተዘርግሐ መብርህን ክትኸውን ትኽእል’ያ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣብ’ዚ ሓጺር ግዜ ብዙሓት ሰባት ብዛዓብ’ዛ ጽሕፍቲ ተገዳስነት ስለ ዝገበሩ ከኣ ካብ’ቲ ዘለኒ ትሕዝቶ ክካፈል፡ቀንዲ ዝገደደኒ ምኽንያት ክሓብኦ ኣይደልን። ምኽንያቱ ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ወይ ኣዋርሕ ካበይ ነቒሉ ዘይርድኣኒ፡ብዛዕባ ወደብን መስመር ባሕር ኢትዮ-ኤርትራ ንዝምልከት ብዙሕ ክበሃል ጸኒሑ’ሞ፡ ምናልባት እዛ ሰነድ ገለ ሓሳብ ክትህብ ትኽእል ብዝብል ከኣ ካብ ከብሒ ኣውሪደ ንእስቶ ሓበሬታ ዘርጋሕኩ። መንቀሊ’ዚ ጽሑፍ ከም’ዚ ዝገለጽክዎ ኮይኑ ካልእ ብኸመይ’ዚ ጽሑፍ ተረኺቡ ዝገርም ኣሕጽር ኣቢለ እንተዘንተኹልኩም ግምታትን ኣብ ኣእምሮኹም ትቀርጽዎ ስእሊ ክህልወኩም ስለ ዝኽእል ገለ ክብል ምደለኹ። ቅድሚ ኣብ’ቲ ቀንዲ ምእታወይ ቅሩብ ክትዕገሱኒ ከኣ እሓተኩም።

ኣርእስትን መወከሲ መጽሓፍ ቁ.1

የኢትዮጵያ ታሪኽ

ካብ ሃጸይ ይዅኖ ኣምላክ ክሳብ ሃጸይ ልብነድንግል ዝብል ኣርእስቲ

እንተዘይ ተጋግየ 1-3 ዝኸውን ተኸታተልቲ መጽሓቲ

ብደራሲ ተኽለጻድቕ መኵሪያ ብ1950-1956 ተጻሒፉ ዝተዘርግሐ’ዩ።

ካብ’ተን ደራሲ ተኽለጻድቕ ምኵሪያ ዘሕተምወን መጽሓፍቲ ክልተ ማለት ቁጽሪ 1ን 2ን ኣለዋኒ። ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝጠቀስክዎ ከኣ እዘን መጽሕፍቲ ብኸመይ ከም ዝረኸብክዎን ንኣፍልጦኹም ገለ ክብለኩም እፈቱ። እሞ ጽቡቕ ንባብ።

እወ ሓደ እዋን ኣብ 2000 ዓ.ም ኣቢሉ፡ ኣብ ስራሕ ኣንከለኹ ፈታዊ ኣይሰኣን እሞ ሓደ ሓው ሰላም ይብለኒ። ሰላም ተባሃሂልና ኩነታት ስድራ፡ስራሕ ሓድሕድና ምስ ተሓታተትና ኣቓልቦይ ነታ ኣብ ኢዱ ሒዝዋ ዝነበረ መጽሓፍ ከደ።እርግ ዝበለ መጽሓፍቲ ከኣ ብዙሕ ቁምነገር ከም ዘለዎ ጌረ ይወስዶ። ብፍላይ ኣብ ሃገርና ዝተሓትመ መጽሓፍቲ። ብዝኾነ ጉዕዞኡ ክቅጽል ነታ መጽሕፍ ክርእያ ሓተትክዎ ፈቀደለይ ከኣ። ቅሩብ ግንጽ ግንጽል ኣቢለ ምስ ነበብክዎ ታሪኽ ዝሓዘት መጽሓፍ ምዃዋና ተረዳእኹ እሞ ብዘይ ቃል ዓለም ንቅሩብ ግዜ ከንብባ ክህበኒ ሓተትክዎ ግን ክህበኒ ፍቃደኛን ቀሊል ኣይነበረን፡ ሓቁ ከኣ። ብዝኾነ እዛ መጽሓፍ ኣይህበካን’የ ተኸራኺሩኒ፡ ኣነ ከኣ እዝን ርእየ ብፍጹም ንቅሩብ ግዜስ ደኣ ሃበኒ ኢለ ለመንክዎ። ኣብ መወዳእታ ሃበኒ ከኣ። ከንብባ ጀመርኩ ።እታ መጽሕፍ ከኣ ኣገዳሲ ታሪኽ ከም ዘለዋ ገመትኩ። ብዙሕ ከኣ ክፈልጥ ከኣልኩ።

እዛ መጽሓፍ ምስ ኣንበብኩ ንኣዲስ ኣበባ ዝኸዱ ሰባት ኣብ ዝሰማዕኽዎ ነዛ መጽሓፍ ረኺቦም ተሻይጦም ከምጽኡለይ ተላብየን ሓቲተን፡ ግን ብዘይካ ስኢናያ ዝብሉ እንተዘይኮይኑ ዝረኽባ ተሳእነ። ድሕሪ 8 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን ኣብ ሓምለ 2008 ንጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኸድክሉ ደመደይ ኢለ ባዕለይ ከጣይቐላ መደብኩ። ቅድሚኡ ክልተ ዓመት ብተመሳሳሊ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2006 ንጉባኤ ኣ ኣበባ እኳ እንተኸድኩ መደብ ጉዕዞይ ን7 መዓልቲ ጥራሕ ስለ ዝነበረ ሓንቲ ክገብር ኣይከኣልኩን። ኣብ’ቲ ዝቀጸለ ግዜ ግን ድሕሪ ጉባኤ እንተወሓደ ሰሙን ክጸንሕ ሓሰብኩ። ድሕሪ ጉባኤ ዘይበጻሕክዎ ቤት መሸጣ መጽሓፍቲ ኣይነበረን ግን ሓንቲ ኣይረኸብኩን። ሓደ ኣዋን ታክሲ ኣንዳተጸበኹ ብዚንጎ ዝተሰርሐት ብዙሓት ህጻናት ይኸዱ’ሞ መጽሓፍቲ ሒዞም ወይ ዓዲጎም ክምለሱ ረኣኹ። ታክሲ ባዕላ ትፈልጥ ኢለ ኣብታ ድኳን እንተኸድኩ ለካስ እንዳሓራጅ ዝኣረገ መጽሓፍቲ ዝሽየተላ ኮይና ረኺበያ። እቶም ህጻናት ከኣ መስከረም ትምህርቲ ስለ ዝጅምሩ ንክዳለዉ ገገለ መጽሓፍቲ ክገዝኡ ከም ዝመጹ ተረዳእኹ። ኣብ’ቲ ዱኳን ሃቲተ ኣይረኸብክዋን።ኣይርከባ ደኣ’ምበር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብኣስሓት ዝቁጸር ሰብ ዝተገልገለሎም መጽሓፍቲ ዝሽየጠሉ ቦታታት ከም ዘሎ ምፍላጠይ ዓብይ ተስፋ ረከብኩ። ንእግረ መንገደይ ይጠቅም’ዩ ዝበልክዎ መጽሓፍቲ እንዳዓደኩ ኣብ መወዳእታ ኣረጊት ዝተመናንሀ መጽሓፍ ረኣኹ፡ክርኣ ተፈቂዱኒ፡ ዝደልያ ዝነበርኩ መጽሓፍ ከኣ ረከብክዋ። ወርቂ ዝረከብኩ መሰለኒ። ወርቂ ከኣ’ዩ። ብዝኾነ ግዜ ምምላስ ኣኺሉ ምስ ብጾትና ኣብ ምፍናው ዝነበርናሉ፡ ብሓንሳብ ሻሂ ክንሰቲ ተመራሪሕና እንዳኸድና ሓደ መንእሰይ ብዙሕ መጽሓፍቲ ሒዙ ኣብ ዱኳናት ያኣቱ ይወጽእ፡ ምስ’ቲ ክብደት መጽሓፍቲ ከኣ ብርቱዕ ዝናብ ስለ ዝነበረ ከዕቕል ጽግዕ ይብል፡ኣነ ከኣ ምስኡ ተጸጋዕኹ፡ ሰላም ኢለዮ ድየ ኣይበልክዎን፡ ከም’ዚ ዝበለ መጽሓፍቲ ኣበይ ይረክቦ ክብል ሓተትክዎ? ብቅጽበት በል ኣዘን መጽሓፍተይ ሓልወለይ ሕጂ ከምጽኣልካ ኣየ ኢሉ፡ ኣብ ውሽጢ 5 ደቒቕ ዘይመልእ ግዜ ሒዙለይ መጸ። ተሓጉሰ ንስለ ድካሙ ሰለስተ ዕጽፊ ዋጋ ሃብክዎ ንሱ’ውን ተሓጎሰ። ደጊም ነታ ኣረጊት ዝተመናንሀት መጽሓፍ ደርብየ ሓዳስ መጽሕፍ ሒዘ ይከይድ ኢለ፡ ዝናብ ከየጠልቅያ እንዳተኸላኸልኩ ቀዲሞምኒ ዝኸዱ ብጾት ከናዲ ጀመርኩ እሞ ሓደ ኣብ ከም ዝነበሩ ዝረኣዮም ቦታ ሓበረኒ። ትመጻ ኣለኻ እንዳበልናስ ኣበይ ደኣ ጠፋኣካ ኢሎምኒ፡ ካብ’ዚ ውሽጢ ኣውጽአ እታ መጽሓፍ ኣራእኽዎም። ወ/የሱስ ዓምር፡መንግስተኣኣብ ኣስመሮ። ተስፋይ ደጊጋ፡ኣስፋው በርሀ ተተቐባብሎም ክሳብ ዝርእይዋ፡ ምስ’ቲ ዝህንጠዮ ዝነበርኩ ንኸንብባ ተሃዊከ ነበርኩ። ቅሩብ ምስ ኣንበብክዋ፡  ምስታ ኣረጊት መጽሓፍ ምንኣስን ምዕባይን ምንባረን ፈሊጥኩ፡ ተመስገን እንቋዕ ኳ ኣይደርብክዋ ኢለ ሽሮ በበረ ገዲፈ 15 ዝኸውን መጽሓፍቲ ሒዘ ተመለስኩ።

ግርም ኣብ ጉዳይና ክንኣቱ፡ ኣዚ ቀጺለ ዝጽሕፎ ሓበሬታ ከም’ቲ ልዕል ክብል ዝገለጽክዎ፡ ስም ደራስን ዝተጻሕፈሉ ዓ.ም ኣስፊረ ኣለኹ።ተርኽቦ’ዚ ዘገድሰና ጉዳይ ዝተፈጸመሉ ከኣ ብኤውሮጳውያን ኣቆጻጽራ ኣብ 1510 ነበረ። ደጊም ካብ’ዚ ንድሕሪት እትነብዎ ካብ’ቲ መጽሓፍ ዝተወሰደ ምኽዋኑ ክሕብረኩም ኣፈቱ። ኣብ’ቲ ግዜ ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝትቀምሉ ዝነበረ ጽሑፍ ብግእዝ’ዩ ዝነበረ። መልእኽቲ ምግስቲ ኤለኒ’ውን ብግእዝ ዝተጻሕፈ ነበረ። እዚ ጽሑፍ ኣብ መንግስታዊ ቤተ መዘክር ንቋንቋ ፖርትጋል፡ ካብ ፖርትጋል ንላቲን፡ ካብ ላቲን፡ ንቶስካን፡ካብ ቶስካን፡ ንፈረንሳ ተተርጉሙ።ደራሲ ካብ ፈረንሳዊ ዠን ቲምፖራል ኣብ ዝሕተሞ መጽሓፍ ካብ ዝርከብ ሰነድ ንኣምሓርኛ ተርጕመዮ ኣለኹ።

እቲ ታሪኽ ነዊሕ’ዩ ብሓጺሩ’ውን ኣብ’ዚ ክውዳእ ዝኽእል ኣይኮነን፡ብካልእ ኣጋጣሚ ግን ብሰፊሑ ክዝረበሉን ንዝበለጸ ሓሳብ ክዕድም ዝኽእል’ውን ይብል። ብዝኾነ ሃጸይ ልብነድንግል ኣብ ስልጣን ዝመጽሉ ድሕሪ ሞት ወላዲኦም ሃጸይ ናዖድ ነበረ። ሃጸይ ናዖድ 13 ዓመት ገዚኦም ብ1500 ምስ ሞቱ፡ምምሕዳሮም ንወዶም ሃጸይ ልብነድንግል ተመሓላለፈ። እንተኾነ ሃጸይ ልብነ ድንግል ወዲ 13 ብምንባሩ ወላዲቶም እቴጌ ሞጎሳ፡ ከምኡ’ውን በዓልቲ ቤቶም ንሓው ኣቡኦም ሃጸይ ብእደማርያም፡ እቴጌ ኤለኒ ማለት’ዩ ኣማኸሪቲ ሃጸይ ልብነ ድንግል ኮይነን ምምሕዳር ይከታተልኦ ነበራ።

በዚ ምኽንያት ከኣ ሞግዚት ምምሕዳር ሃጸይ ልብነድንግል ብምዃን ኣብ’ቲ ግዜ ዝነበረ ውሽጣውን ግዳማውን ብዝነበረ ረጽምታት ዘይርጉእ ኩነታት ንምርግጋእ ብዝከኣለን ጻዕሪ የካይዳ ነበራ። ኣብ’ቲ እዋኑ’ቲ እምበኣር ፖርቱጋላውያን ኣብ ሙሉእ ዓለም ተዋፊሮም ንሃገሮምን መንግስቶም ንጉሶምን ዘካይድዎ ዝነበሩ፡ብፍላይ’ኳ ዓበይቲ ባሕረኛታት ዓለም ኣብ ዝዞሩሉ ዝነበሩ ሃብታም ለምለም መሬት ብምቍማት ኣብ ኣፍሪቃ ርሑቕ ምስራቕን ላቲን ኣሜርካን ከም ግዛኣቶም ብምሓዝ ንትሕዝቶ ሃገሮም ንጉሶም ከኻዕብትዎ ኣብ ዝተራእይሉ፡ዝነበሩ እዋን ከም ሞስካውያን፡ቱርካውያን፡ጀርመናውያን፡ፈረንሳውያን፡ብሓይሊ ዝፍለጡ ኣይነበሩን። እንታይ ደኣ ኣብ ድኽም ዝበሉ ሕብረተ ሰብ ወይ ሃብትን ልምዓትን ለምለም ዝኾና ሃገራት ይወሩ ምንባሮም እዩ።

ፔድሮ ደኮቬሐአ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝሰምዖ ዝነበረ ካብ ግዜ ሃጸይ እስክንድር ጽቡቕ ዝምድናታት መስረተ። እቴጌ ኤለኒ ምስ ንጉስ ፖርቱጋል መልእክቲ ምጽሕሓፍ ዝጀመራሉ ምኽንያት ከኣ’ዚ ነበረ።

ኣብ’ዚ ከተጠቅሰ ክሕለፍ ዘይብሉ ኣብ’ቲ ዝነበረ ውሽጣውን ግዳማውን ተደጋጋሚ ኳን ሰላም ንፍጣር ብዙህ ጻዕሪ ከም ዝተኻየደን ገገለ ውጽኢት ዘምጻኣሉ ኩነት ብምንባሩ። ቀዳማይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዝነበረ ውሽጣዊ ናይ ዕርቒ ጻዕሪ ክኸውን ከሎ፡ በቲ ሃደ ሸነኽ ከኣ ፔድሮ ደኮቨልሐአ ዘካይዶ ዝነበረ ጻዕሪ ገገለ መሓዙት ከጥሪ ጀመረ።በዚ ምኽንያት ከኣ ብዙሓት መስርሕ ሰላም ፔድሮ ዝድግፉ ካብ ቁስጥንጥንያ፡ዮሩሳሌም፡ሶርያ፡ኣርሜንያ ዝመጹ ንውልቀኦም ዝሰርሑ ኣብ ኢትዮጵያ ነበሩ። እዚ ኮይኑ እቴጌ እለኒ መልእክቲ ንንጉስ ኣማኑኤል ክሰዳ ኣብ ዝመደባሉ እዋን፡ ኣብ ክንዲ ፔድሮ ንሓደ ካብ ደገፍቲ ፔድሮ ኮይኑ ካብ ኣርመኒያ ዝመጸ ማቴዎስ ዝተባህለ ከምኡ ሓደ ኢትዮጵያዊ መሪጸን ልኣካ።እቲ ኢትዮጵያዊ ድሕሪ ቁርብ ጉዕዞ ብሕማም ሞተ።

ስለምንታይ ካብ ፔድሮ ደልቬልሐአ ንማቴዎስ መሪጸን ዝብል ከኣ ፔድሮ ኣብቲ ከባቢ ድሮ ተፈሊጡ ምጽንሑ ኣብ ሓደጋ ከውድቆ ዝክእል ግምታትን፡ በቲ ካልኣይ ሸነኽ ከኣ ብቀረባ ኣማኻሪ እቴጌ እሌኒ ብምንባሩ ካብአን ክርሕቅ ዘይምድላየን እዩ። ብዝኾነ ጉዕዞ መልእክቲ ማቴዎ ኣዝዩ ነዊሕን ዝተሓላለኽን እዩ። እቲ መልእክቲ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ዝወሰደ ጉዕዞ ኣብ ዝተደለየ ቦታ በጽሐ። ካብ ንጉስ ኣማኑኤ ካብ ልእኽ ማቴዎስ ሓበሬታ ክወስድ ኣዋርሕ ወሰደ። እቲ ሓበሬታ ከኣ ባህሊ፡ መነባብሮ፡እምነት፡ምድረ ገጺ ኢትዮጵያ እንታይ ይመስል ዝብል ሕቶታት ንምፍላጥ ዝዓለመ’ዩ ዝነበረ።ንጉስ ኣማኑኤል ፖርቱጋል ዛኣክሎ ሓባአሬታ ምስ ወሰደ እዚ መልእክቲ ግድነት ብቫቲካን ክሃልፍ ስለ ዘለዎ ንርእሰ ሊቓነ ጵጳሳት ንቫቲካን ክኸይድ ዝነበሮ መልእክቲ ብምዃኑ ንማቴዎስ ተንግሮ። ድሕሪ ክንደይ ኣዋርሕ ንሮማ ተጓዒዙ መልእክቲ ኣብጽሐ ግቡኡ ፈጸመ። ድሕሪ እዚ ኩሉ ጉዕዞ ከኣ ንዝተለኣኾ ዕማም ፈጺሙ መልሲ ሒዙ ንኢትዮጵያ ክምለስ ኣብ ጉዕዞ እንዳሃለወ ሞተ። ብዝተረፈ እቲ መልሲ ገገለ እቶም ምስኡ ዝነበሩ ልኡኻት ኢትዮጵያ ከይበጽሑ ካብ ደብረ ቢዘን ከም ዝተመልሱ ይገልጽ። ዝተሓስበ ሓገዝ ኣብ ደቀ’ባት ሕርጊጎን ኣብ ኢድ ባሕሪ ነጋሽ ከም ዝተረፈ ይገልጽ። በዚ ከኣ ኢትዮጵያ ሕጉሳት ዘይምንባሮም ይግለጽ።

ኣብ መደምደምታ

እታ ዝሰደክዋ ሓጻር ታሪኽ ነዚ ዝገልጽክዎ ድሕረ ባይታ ኮይኑ፡ ቃል ብቃሉ ከም’ዚ ይብለ።

መልእክቲ እቴጌ ኤሌኒ ንንጉስ ኣማኑኤል ፖርትጋል

መልእኽተኛ ማቴዎስ   (ኣርመናዊ)

እቴጌ ኤሌኒ ንወድዓዊ ኩነታት ኢትዮጳያ ገሊጸን ቃል ብቃሉ እቲ መልእከትን ከም’ዚ ይብል፡ ” ናህና ወታሃደራትን ሓይልታትኩም ተወሃሂዶም እግዚኣብሄር ተወሲኽዎ ከም ዝኾነ ንቅድስቲ ሃይማኖታና ጸላኣቲ ዝኾኑ ንምጥፋእ እኹል ምዃኑ ከነፍልጠኹም ንፈቱ።ሃገርና ግዝኣትና ዝርከበሉ ካብ ባሕሪ ርሒቁ ኣብ መሬት’ዩ ዝርከብ፡ ስለ ዝኾነ ወደብ የብልናን፡በዚ ምኽንያት ሓይሊ ባሕሪ ንምቋም ኣይተኻእለን። ሓይሊ ባሕሪ የብልናን። ስለ’ዚ ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን፡ ብባሕሪ ሓይልታት እንተደኣ ሓልይኩም ምሳኹም ብምውህሃድ ቃል ኪዳን ክንገብር ኣድላይነት ኣለዎ”። ታሪኽ ኢትዮጵያ መጽሓፍ ቁ.1 ሳልሳይ ምዕራፍ ፡ቀዳማይ ገጽ 23።

መተሓሳሰቢ

ኣብ’ዚ ሰፊሩ ዘሎ ኣዝዩ ውሱን ክፋል ግን ከኣ ነታ መልእኽቲ እቴጌ ኤሌኒ ንንጉስ ኣምኑኤል ፖርትጋል ዝተጻሕፈት’ያ። ካልእ ኣብ ፊደላትን ቃላትን ዝረአ ጌጋታት ኣርምኩም ከተንብብዎ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ስለ ዝኾነ ንትግርኛ ንምትርግዋሙ ክህልዎ ዝኽእል ሕጽረት ክትርዱእለይ ከማሕጽነኩም እፈቱ።

ኣንቶንዮ ተስፋይ

11 ሚያዝያ 2022

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.