ቅዋም ዝስከም መሰረት፡ሓያል ሓድነት፡ ሓላፍነት ዝስከም ህዝቢ የድልዮ !

ቅዋም ዝስከም መሰረት፡ሓያል ሓድነት፡ ሓላፍነት ዝስከም ህዝቢ የድልዮ !
ኣብ ሓንቲ ሃገር ደሞክራሲያዊ ቅዋም ልዕሊ ኩሉ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ መሰረት ሰላምን ራህዋን፡ስልጣን ዕብየት ተርእዮ’ዩ። መሪሕ ቅዋም ምንዳፍ፡ ቅዋም ምትካል ማለት ከኣ ንባዕሉ ዝስከምዎ ኣዕኑድ፡ ኣህዛብ ሓንቲ ሃገር ክሰማምዕሉ ዘለዎምን ክስከምዎ ዘለዎም ግድነታዊ ሓላፍነት ምስ ዝመዓራረይ’ዩ። ብጻልጣእኡ ግድነት ክህልወና ኣለዎ ብዝብል መስርሕ፡ መቆሚ ዘይብሉ ቅዋም ምንዳፍ ማዕረ ክንደይ ደገፍ ህዝቢ ክህልዎ ዝኽእልን መሰረት ክህልዎ ዝኽእል ምድህሳስ ኣገዳስነት ኣለዎ። ከም ተበግሶ ሓሳብ ቅዋም ክህሉ ዘይተርፍን ዘይሓልፍን ጉዳይ ሃገር ኮይኑ፡ ንቅዋማዊ ምሕደራ ዕላማ ዝገበረ ተበግሶን ሓሳብን ክብጻሕ ከኣ ማዕረ ማዕረ ቅዋም ንምዕዋቱ ዘይተረፍ መሰነይታ ንቅዋም መቆሚ ወይ ተቀባል ሓደራን ሓልፍነትን ክህልዎ ምጽዓር’ዩ።
ቅዋም ይሃሉ ኣይሃሉ ዘካትዕ ኣይኮነን። እንተኾነ ቅዋም ኣብ ምንታይ ዓይነት መስርሕ ዝተመስረተ’ዩ? ንቅዋም ሓላፍነት፡ ንቅዋም ዝስከሙ ዓንድታት ብቀንዱ ኣህዛብ ኣብ ከመይ ዝበለ መስርሕ ተሳታፍነቶም ከረጋግጹን ቅድመ ተደላይነት ህንጸት፡ ንድፊ ቅዋም ክስራዕ ዝግባእ ይመስለኒ፡ ብርእይቶይ። ተሰሪዑ እንተሃለወ ከኣ ኣብ እንካን ሃባን ዝተመሰረተ ሰፊሕ ዘተ ፖለቲካውያን ሓይልታት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ኣብ ሰፊሕ ህዝቢ ዝወረደ ክትዓት ኣብ መደብ ዝእተወ ክኸውን ይግባእ። ምጽእ ኢልካ ቅዋም ኣድላይነት ስለ ዘለዎ ቅዋም ክንደፍ ኣለዎ ዝብል ብሂል ጥራሕ ዝኸይድ መስርሕ ንትግባረኡ ብዙሕ ትጽቢት ክህልዎ ዘለዎ ኣይመስለንን።
ብዛዕባ ንድፊ ሰነዳት ቅዋም ንዝምልከት ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ሃብታም ተሞክሮታት ስለ ዘለዎ፡ ንምሕራይ ወይ ንምምራጽ እንተዘይ ጸጊሙ ኣዝዮም ብዙሓት መወከሲ ሰነዳት ኣለዉ፡ከም ኣብነት ከኣ ብሓፈሻ እዞም ዝስዕቡ ክጥቀሱ ይከኣል፡
ሀ/ መላእ ሕጊ እንዳባታት ኤርትራ
ለ/ ምምሕዳራዊ ቅጥዒ መግዛእታዊ ስርዓታት (ሰነድ ንዝምልከት)
ሐ/ ቅዋም ፈደረሽን ኤርትራ 1952
መ/ ውሳኔታት ጉባኤ ውድባት ትልሚ መጻኢት ኤርትራ
ሰ/ ንድፊ ቅዋም ህግዲፍ
እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣብነታት ቀዳማይ ከም መወከሲ ወሲድና ንረደዳኣሉ ባይታ እንተተፈጢሩ፡ ንቀጻልነቱ ኣሳልጦን ከቢድ ስርሓት ዘለዎ ኣይከውንን። እቲ ሕቶ ምስራዕ ንድፊ ቅዋም ዝብል እምንቶ ከም ሓሳብ ብዝኾነ ሃገራዊ ፖለቲካ ሓይሊ ይኹን ውልቀ ሰብ ክለዓል ይኽእል። መዕቆቢ እዚ ኣገዳሲ ሕቶ ግን ከርሱ ህዝቢ እዩ። ዝኾነ ንንድፊ ቅዋም ዘርኢ ዝለዓል ሕቶ ሓሳብን ርእይቶን ኣድራሻ መበገሲኡን መዕቆቢኡን ምንጻር ንባዕሉ ለባም መሪሕ እዩ።
ልዕሊ ኩሉ ግን ዝቀደመን ዝደሓረን ዘይኮነስ ብቀንዱ ንህዝቢ ኤርትራ ንዘላቒ ሰላምን ደሞክራሲያዊ ፍታሕ ንምርካብ ነቲ ቅዋም ዘቕውሞ መሰረትን ትካላትን የድልዮ ምባል ብሓጺሩ፡ ካብ ዝሓለፈ ከርተት 30 ዓመት መስርሕ ቅዋም ወጺእኻ፡ብፍሉይነት ከም ተሞክሮ ሚዛንን ገምጋምን ዝሓለፈ ኣድማዕነቱን ድኽመታቱን ዘለለየ ኽኸውን ይግባእ። ምስ’ዚ ተሓሓዚ ከኣ ብሕጽር ዝበለ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ክሰርሑ ዘይከኣሉ ቅዋማት ስለምንታይ’ዩ ዝብል ሕቶ ክለዓል ግቡእ ይመስለኒ፡ እወ ስለምንታይ ዝተነድፉ ቅዋማት ሕጋዊ ምሕደራ ክሰርሑ ዘይከኣሉ ዝብል ሕቶን ርእይቶን ክስማዕ ኣድላይነት ኣለዎ። ኣብ’ዚ መደብ መስርሕ ከኣ እዩ። እቲ ኣብ ህዝብና ክወድር ዝጸንሐ ግፍዕን ጭቆናን፡ጥሕሰት ሰብኣዊ ክብርን መስልን ክጽሒ ዕድል ክረኽበሉ ዝኽእል።
መቆሚ ዘይብልካ ቅዋም ምባል፡ ነቲ ክንደፍ ዝሕሰብ ዘሎ ቅዋም ካብ’ቲ ዝሓለፈ ኣሉታዊ ተሞክሮ ክፍለ እንተዘይተኻኢሉ ሓደ ሸነኽ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ በዚ ዘለዎ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊን ማሕበራውን ኣብ ባይታ ህሉው ኩነታት ሓባራዊ ርድኢት እንተዘይብሉ፡ ብሓደ ዝኣንፈቱ ኣብ ጽቡቅ ድሌት ጥራሕ ዝተሞርኮሰ ንድፊ ቅዋም ንትግባረ ውድቀት ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከም መሳርሒ ክኸውን ዶ ይኽእል? ህሉው ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ’ቲ ኣብ ስደት ኮይኑ ንፍትሒ ዝቃለስ ዘሎ ሓይልታት፡ ኣካላት ውድባዊ ሓድነትስ ይትረፍ ሓባራዊ ሓድነታዊ ጠመተ ኣተሓሳብናን ኣረኣእያን ክንዮ እቲ ንድለዮ ግብራዊ ስርሓት ኣለና ዶ ክንብል ንኽእል። እዚ ማለት ከኣ ኣብ’ቲ ንቃለሰሉ ዘለና ውደብ ወይ ሰልፊ ይኹን ማሕበር ብኣካላዊ ምጽንባር ኣብ ሓደ ውዳበ ወይ ስርዒት ጽላል፡ ኪዳን፡ ኣምጺና ክንቃለስ ይትረፍ ኣብ’ቲ ቅዋም ንምንዳፍን ንምትካልን ክህልወና ዝኽእል ሓድነትዊ ርእይቶን ሓሳብን ዝተጠርነፈ ዝዓገበ ድዩ? ተባሂሉ ክዝረበሉ ዝግባእ’ዩ። እወ ድሕሪ 31 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ብኸም’ዚ ደረጃ ሕቶ ቅዋም ክለዓል ኣዝዩ ዝተሓሳስብ’ኳ እንተኾነ ዝሓለፍናዮ ተሞክሮ ብግሉጽነትነት ሓቅን ንጽህናን ምግላጽ፡ ብተመሳሳሊ ንርከበሉ ህሞት ምግላጽ፡ ቅኑዕ ነባሪ ንድፊ ቅዋም መጻኢት ኤርትራ ክንዛረብ ከም ዘክእለና ኣይጠራጠርን።
ውሑዳት ዘይኮኑስ ኣዝዮም ብዙሓት ኣብ ቃልሲ ብረታዊ ተጋድሎ ንነጻነት ሃብታም ተሞክሮ ዝነበሮምን ዘለዎም ዓበይቲ ተጋደልቲ፡ ብሞያ ሕጊ ዝተማህሩን ዝመሃሩን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኣህጉራዊ ፖለቲካ ዝተዋስኡ፡ ኣብ ተሞክሮ ኣህጉራዊ ህንጻ ሕጊ ልሉዩ ተሞክሮታት ዘለዎም ባእታታት ብዛዕብ ኣድላይነት ምህላው ቅዋም ኤርትራ ንዘለዎም ኣረዳድኣ ዘይፈላለ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ መስርሕ ንቅዋም ክጾሮ ዘለዎ ቆዋሚ ሓላፍነትን ኣካይዳን ሓደነታዊ ኣረኣእያ ግን ዘለዎም ኣይመስለንን ክብል እደፍር። እቲ ዝፈላሊ ዘሎ ጉዳይ ከኣ ንድፊ ቅዋም ዘይኮነስ ንቅዋም ክጸሮ ዘለዎ መቆሚ ዘይምህላዉ’ዩ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ኣንቶንዮ ተስፋይ
30 ግምቦት 2022
You must be logged in to post a comment.