መቓልሕ ደወል ግፍዕን ጭቆናን ህግዲፍ

መቓልሕ ደወል ግፍዕን ጭቆናን ህግዲፍ

መቓልሕ ደወል ግፍዕን ጭቆናን ህግዲፍ ሎሚ በቶም ንሙሉእ ዕድመን ንሂወቶምን ንመንፈሳዊ ሃዋርያዊ ኣገልግሎት ማሕላን መብጽዓን ዝፈጸሙ ጎሳ ህዝቦም ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ ኣይኮነን ጀሚሩ። መቀጸልታ ግፍዒ ጉዕዞ ስርዓት ህግዲፍ ጥራሕ’ዩ። እንተኾነ ገለ ክፋል ህዝብና ንቲ መቃልሕ ደወል ግፍዕን ጭቆናን ህግዲፍ ሸለል ብምባል ክሓልፎ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ዓመታት ኣቁጺሩ ኣሎ።

“ኣቡና ኣበይ ኣለዉ”

ከምቲ ምስላ ኣቦታት ኣብ ዓጋም ዝተጸግዔት ቆልቋል ክትነብዕ ትነብር ከም ዝበሃል፡ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንህዝብና ካብ ክጾሮ ዝኽእል ጸገም ሽግር ጭቆና ንላዕሊ ደም ኣንቢዕዎም ገና የንብዓምን ኣሎ።ልዕሊ ኩሉ ዘሕዝን ከኣ ብፍላይ እቶም ካብ ዓለማዊ ሂወት፡ መንፈሳዊ ሂወት መሪጾም፡ ካብ ኩሉ ውልቃዊ ረብሓታት ጥቅሚ ገሊሎም ሙሉእ መብጽዓታት ፈጺሞም ንህዝቦም ዘበርክትዎ ሃዋሪያዊ ኣገልግሎት ሎሚ ዓቢ ዋጋ ዝኸፍልሉ ዘለው ንዓና ጋሻ ኣይኮነን። ግን ህግዲፍ ግፍዒታት ባዕዳዊ መግዛእቲ ወሪሱ ንህዝብና ክገፍዕ ክጭቝን ይርከብ። ኣብ’ታ ጎይታና ምስቲ ኩሉ ሕሉፍ መስዋእቲ ታሪኽና ባሩኹ ዝሃበና ምቅሊት ዓለምና ሃገር ኤርትራ ኣንጻሩ ኩሉ ኣፈላላይ ኣብ ጸሎትና፡ሕልናና፡ሕውነትና፡ስኒትና ክንሰምር ይግባእ።

ሎሚ ሎሚ ከኣ ካብ’ቲ ብገገለ ዝጀመረ ግፍዕታት ንብሙሉኡ ዜጋ፡ ንብምሉኡ ስድራ ቤታት ሎሚ ሎሚስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘረኻኸበ ግፍዒ በጺሑ ይርከብ። ትብዓት ሓቦን መንፈሳውያን ትካላት መራሕቲ ሃይማኖት ኤርትራ ንሃዋርያዊ ተልእኾታቶም ንእምነቶም ሓልዮቶም ሓላፍነቶም ነጻነቶም ብዝምልከት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ከም ብፍጹም ከም ዘይምንበርከኹ ኣርእዩም እዮም።እዚ ከኣ መንፈሳዊ እምበር ምስ ፖለቲካዊ ስልጣን ውድድር ኣይኮነን። እዞም መንፈሳውያን መራሕቲ መስቀሎም መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ምቝጸሪያ ፡ ቑርዓን መስብሓን ኣብ ኢዶም ብምሓዝ ጥራሕ ንዝተሰከምዎ ሓላፍነት መሰልን ክብርን ህዝቦም ኣሕሊፎም ከም ዘይህቡ ብተደጋጋሚ ነጊሮም፡ዘተዮም፡ መንፈሳዊ መሪሕነቶም ሓልዮቶምን ሓላፍነቶምን ገሊጾም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ስርዓት ህግዲፍ ብተደጋጋሚ ካብ ዝኣተዎ ጌጋ መስመር ዓዘቕቲ ብልሽውና ስልጣን ንምድሓን፡ ካብ ንድሕነት ስልጣኑ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ዝመርሕ መንገዲ ክመርጽ ከም ዝሓይሽን ከም ዝበልጽን፡ ሰላምን ምርግጋእን ስኒት ራህዋን ዘምጽእ ዝሓሸ ምርጫ ምህላዉ ኣሚቶም ነጊሮም እዮም። ገገለ ክፋል ሕብረተ ሰብ ኤርትራ ነዚ መቓልሕ ደወል ግፍዕን ጭቆናን ሰማዕቲ ከም ዘይኾኑ ጸማም እዝኒ ሂቦሞ ሓሊፎም ይሓልፉ ኣለዉን። እቲ ጉዳይ ግን ኣዝዩ ሓደገኛ ሳዕቤናት ዘለዎ ምዃኑ ነቲ ክርእይዎን ክሰምዕዎን ዘይደልዩ ይኹኑ እምበር ንሓቀይና ተረኽቦ ህሉው ኩነት ፈትዮም ጸሊኦም ብዓይኖም ዝርእይዎን ብእዝኖም ዝሰምዕዎ ማዕረ ማዕረ ደላይ ፍትሒ ዝበኽይሉን ዝጉህይሉን ዝሓዝንሉን ምኽዋኑ ሰባት ምዃኖም ፍሉጥ’ዩ። እቲ ዝሕዝን ከኣ ካብ’ቲ ሰባት ዝሓስብሎም ወጺኦም ባዕሎም ብገዛእ ክሓስቡን ክመዝኑን ዘይምኽክእል ዘይኮነስ ዘይምድላይ’ዩ። ኣብ መወዳእቲ ኣብ’ዚ መድረኽ ህዝቢ ኤርትራ ፡ ዋና ጉዳዩ ኮይኑ ሰላም ራህዋ፡ ዕብየት ስልጣነ፡ ተኻፋሊ ጸጋን ባህልን ሓድሕድ ክኸውን ኣብ ሓደ ቅኒት ሓድነት ተጸሚዱ ንኽብሩን መሰሉን ክሓትት መድረኹ’ዩ። “ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ” ኤርትራ ድሕሪ’ዚ ኩሉ መስዋእቲ 30 ዓመት ኣብ ብረታዊ ተጋድሎ ንነጸነት፡ ቀጻሊ ዶባዊ ኵናት፡ ዳግማይ ኵናት፡ ኣብ ማእሰርቲታት ህግዲፍ ዝማስን ዜጋ፡ ንስደት ዝተቃልዐ ጸባጺብካ፡ ሰባት ዝሰርሕ ፋብሪካ እንተዘየሎስ ኣብ’ታ ሃገር ክተርፍ ዝኽእል ዓቕሚ ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። ይትረፍ እታ ብውሑድ ሰብኣዊ ዓቕሚ ካብ 4-5 ሚሊዮን ዝግመት ህዝቢ ዘለዋ ኤርትራስ ይትረፍ፡ 10ታትን 100ታትን ሚሊዮናት ዝቁጸር ህዝቢ ዘለወን ሃገራት’ውን ኣብ ዝተናውሐ ኵናት ዘስዕቦ ክሳራን ዕንወትን ከይዱ ከይዱ ጽንተት ዘምጽእ ምዃኑ ምርዳእ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ሎሚ ዘልዓልክዎ ኣርእስቲ ከም’ቲ ወርሓዊ ጋዜጣ ብርሃን ኣብ ዓምዳታት ሓቂ ዶ ክንዛረብ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 1991 ከኣ መቀጸልታ፡ መግዛእታዊ ውርሻ ዘዘውትር ቋንቍኡ ትግርኛ ዝቀየረ ስርዓት ደርግ ናይ ሎሚ ህግዲፍ፡ ብንጹር ሎሚ ግህዶ ኮይኑ እዩ። እቲ ጉዳይ ንምንጽጻሩ ከኣ ገበተ ስልጣን ህግዲፍ ንምሕያል ግፋ፡ ኣዋጅ እቶእቶ፡ ዕዳጋ ኵፖን፡ ማእሰርቲ፡ ስደት ዝኣመሰሉ ምስ ውርሻ ባዕዳዊ መግዛእቲ እንተዘይገዲዱ ብግዜ እንተዘይኮይኑስ ፍልልይ ዘለዎ ኣይመስልን። ደጊም ህዝብና ነቲ ቅድም ዘይሰምዖ መቓልሕ ደወል ግፍዕን ጭቆናን ኣቦና ሼክ ሙሳ፡ኣቦና ፓትሪርክ ኤትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ መዘምራን መማህራትን ሎሚ’ውን ተተደጋጊሙ ይድወል ኣሎ እሞ ሰማዒ እዝኒ ረኺቡ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን ብሓድነትን ስኒትን ጉዕዞ ሓርነቱን ክብሩን መሰሉን ከረጋግጽ ክብገስ ይግባኣ።

ኣንቶንዮ ተስፋይ

17 ጥቅምቲ 2022

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.