ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ ብሽፍታ ተጨውዮም

ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ ብሽፍታ ተጨውዮም

ህግድፍ ንኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ ብዕለት 10/5/22 ካብ መገሻ ኣናተመልሱ ካብ ኣየርፖርት ኣስመራ ከም ዝጨወዮም ተሓቢሩ ዝኸበርኹም ሕዝቢ ኤርትራ ክርስትያንና ኣስላማይና እዚ ሽፍታ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ጉጂለ ኣብ ስልጣን ዲዩ ክነበር ደልዩ ወይስ ነጻነት ኤርትራ ኣጣዒሱዎ ንህዝብና ካብ መሬቱን ካብ ድምበኡን ካብ ቀርዓቱን ጓሕጉሑ ክጥፈኣና ካብ ዝቓለስ እነሆ 31 ዓመታት ሓሊፉ ። ድሮ እውን ኣብ መፈጸምታ ትንቢቱ ዝበጽሓሉ ይመስል ። ደጋጊምና ከምዝበልናዮ ካብ ኹሎም ገዛእትና እዚ እቲ ዝመረን ዝከፍኣኤን መዋድርቲ ዘይብሉ ጋኒን እዩ ። ህዝብና ኣብዛ ሰዓት እዚእ ድምጺ ዝኾኑዎ ተባዓት መራሕቲ ሃይማኖትን ፣ ዓበይቲ ዓድን ፣ ሃገራውያን ምሁራትን ክረክብ ይጽበ ጽኒሑን ኣሎን ። ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ ከኣ ሓደ ነዚ ሃጓፍ እዚ ብመፈሳዊ ሓይሊ ክመልኡ ዝጸንሑ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ጓሳን ሓላዩን እዮም ። ምክንያቱ እቲ ዝህቡዎ ህዝባዊ ኣገልግሎት ብዘይ ኣፈላላይ ንኩሉ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሮም ዝርከብ እዩ ።
ኣብዚ ክፍለጥ ዘሎዎ ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ ናይ ሰገነይቲ ፓፓስ እናተባህሉ ክግለጹ እንከሎው ናይታ ከተማ ጥራሕ ገይሩ ክወስዶም ዝክእል ሰብ ብዙሕ እዩ ። እንተኾነ እቲ ኣብ ትሕቲኦም ኣገልግሎት ዝርክብ ሰፊሕ ህዝቢ እዩ ። ካብ ሰገነይቲ ጀሚርካ ክሳብ ዓሰብ ፣ጊንዳ ፣ፎሮ ፣ ኢራፈለ ፣ ክሳብ መነክሶይቶ ጎላጉል ሀዘሞን ዘጠቓለለ ዳርጋ ካብ 200,000 ሻሕ ዝበጽሕ ህዝቢ ኣገልግሎት ክም ህዝቡ ገሊጾም ነይሮም ። እዚ ህዝቢ እዚ ኤርትራዊ ህዝቢ እዩ ። ህዝቢ ጥዕኑኡ እንተ ተሓሊዩ ኣፍራዩ ይኸውን ፣ ካብ ድክነት ከኣ ይገላገል ። እዚ ሽፍታ ጉጂለ ግን ንህዝቢ ኤርትራ ሓልዮት ስለ ዘይብሉ ፣ ባዕሉ ክገበር ኣይደሊን ፣ ነቶም ዝገብሩ ከኣ ይኣስርን ይቀትልን ኣሎ ።
እዚ ሽፍታ ጉጂለ ኣብ ኣስመራ ኾይኑ ሃገር ዝጥፍእን ዝዕኑን ዘሎ ፈራሕ ስለ ዝኾነ ፣ ነቶም ብግብርን ብቓልን ድምጾም ኣብ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ተቀባላነት ዘሎዎም ሰባት ክሃድን ክጨውን ብህርያዊ እዩ ። ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ ከኣ ሓደ ብሉጽ ናይ ህዝቢ ኣገልጋሊ እዩም ። እንትኾነ እዚ ሽፍታ ጉጂለ ካልኦት እውን 2 ካሃናት ጨውዩ ኣሎ ። እቶም ሓደ ናይ ሰገነይቲ ቆሞስ ኣባ ምሕረትኣብ እስቲፋኖስ ይብሃሉ ፣ እቶም ክልኣይ ከኣ ካብ ተሰነይ ኣባ ኣብርሃም ዝብሃሉ እዮም ። ካብ ባህርያት ናይዚ ሽፍታ ጉጂለ ንሓደ ዜጋ ክኣስር እንክሎ ፣ እንተላይ እቶም ብቀረባ ምስቲ ዝእሰር ዘሎ ሰብ ርክብ ዘሎዎም ሰባት ምእሳር ልሙድ ገይሩዎ እዩ ።
ንኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ ናይ ቀረባ ፈላጢኦም ኣይኾንኩን ። እንተኾነ ቅድሚ 6 ወይ 7 ዓመት ይገብር ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ምምጻሕ ክፍጽሙ ሓዲሽ ኣቡን ሰገነይቲ ይመጹ ኣሎው ዝብል ሓበሬታ ምስ መጸኒ ፣ ምስቲ ቁሩብ ርሕቀት ዝነበሮ ኣዋዲቀዮ ነይረ ፣ እቲ መዓልቲ ምስ ብጽሔ ግን ፡ ነቲ ሓደ ጎነይ ኣይትኽድ ዝብለኒ ዝነበረ ሲዒረ ፣ ነታ ናይ 1፡45 ድቕይቅ ክኸዶ ወሲነ ። በዚ ከኣ ኣብቲ ዝከየዱዎ መስዋእቲ ቅዳሴን ፣ ኣስተምህሮን ክሳተፍ በቂዔ ። በቲ ዝሰምዕኩውን ዝረኣኩውን ኣቓራርባ ናይዞም ኣቡን ፣ከኣ ኣንቛዕ ኣይተረፍኩን ዝብል መንፈስ ሓዲሩኒ ። ምስ ተመለስኩ እውን ነቶም ጎሮባብተይ ፣ ትዕዝብቲታተይ ኣካፊለ ።
ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ ህዳእ ሰብ ፡ ኣብ ውሽጦም ቅሳነት ዘሎዎም፡ እቲ ካብኦም ዝወጽእ ኣስተምህሮ ከኣ እቲ ብኣካል ይኹን ብድምጺ ዝመጸና ንወዲሰብ ሰብ ዘሎዎም ሓልዮትን ኣክብሮት ዝገልጽ ብፈኸራን ታሕዲድን ናይ’ዚ ሽፍታ ጉጂለ ዝነቓነቅ ኣይኾነን ህወት ዘሎዎ ሰብ ካብ ማእሰርትን ሞትን ክፈርሕ ባህርያዊ እዩ ። እንተኾነ ኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ ነቲ ኣሰር ክርስቶስ ክስዕቡ ዝፈጸሙዎ መሓላ ምስዚ ጋኒን ዝኾነ ጉጂለ ኣብ ውሽጢ ረጽሚ ከምዘእተዎም ይፍለጥ ። ብፍላይ ብነጻ ንህዝቢ ናይ ጥዕናን ትምህርትን ኣገልግሎት ምሃቦም ፣ ነቲ ሽፍታ ጉጂለ ጥፍኣት ህዝቢ ኤርትራ ከቀላጥፍ ዝድሊ ዘሎ ቅሳነት ከሊእዎ ። ከምቲ ዝበሉዎ ከኣ ነሓደ ሕሙም እንፊጂን እናተውህቦ ዘሎ ሰብ ፣ ብሓይሊ መንዚዕካ ነቲ እንፊጂን ምእላይ ካብ ሓደ መንግስቲ እየ ዝብልን ወይ ናይ ሕክምና ስነ ምግባር ዝተማህረ ሰብ እትጽበዮ ነገር ኣይኮነን ። ኣቡነ ፍቅረማርያን ሓጎስ ናይ ሕልና እሱር ንምዃን ናይ መጀመርያ ኣይኮኑን ፡ ኣቡነ ኣንቶንዮስ እውን ካብ ምስዚ ሰይጣን ሽፍታ ተላዚበ ዝነብር ፣ ኣብታ ንእሽቶይ ሸላይ ብክብርን ሓጎስን ምንባርን ሙማትን መሪጾም ሓሊፎም ። ከምኡ እውን ኣቦና ሓጂ ሙሳ መሓመድ ኑር ፡ ትእዛዝ ናይዚ ሽፍታ ጉጂለ ስለ ዝነጸጉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፎም ። እዚኦም ከም ኣብነታውያን መራሕቲ ክጠቅስ እምበር ፣ ብኣሸሓት ኣባታትን ኣደታትን መንእሰያትን ኣብ ዝተፈለለያ ሩባን ኩርባን ይሞቱን ይሳቐዩን ኣሎው ።
ኣብ መወዳእታ
ንኣቡነ ፍቅረማርያም ሓጎስ ምእሳር ፡ እዚ ሽፍታ ጉጂለ ኣብ ዕርበቱ ከም ዝበጽሔ ዝእንፍት መገዲ እዩ ። ኩሉና ሓቢርና ብሓደ ድምጺ ሀገርና ካብዚ ዘላቶ ቤት ማእሰርቲ ክትወጽእ ተራና ክነበርክት ይግባእ ። እዚ ዓማጺ ጉጂለ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ማእሰርትን ቅትለትን ንእለቱ እናረሳዕናዮ ንኸይድ ምዃና ስለ ዝፈልጥ ፣ ኣብ ዝጥዕሞ መዓልትን ሰዓትን ብቓጻ ህዝብና እናጨወይን እናቀተለን ይነብር ኣሎ ። ስለዚ ነዞም ኣቦናን እቶም ካልኣት ተሓይሮም ዘሎው ኣብ መመዓልቱ ኣብ ዜናታትና ክንዝክሮም ይግባእ ።
ክብሮም ግረነት
10/19/22
You must be logged in to post a comment.