ኣይፋል ብዋጋ ሃገር፡ ኣብ ስንኩፍ ታሪኽ ብምምርኳስ፡ ብኣቛራጭ ስልጣን ንምሓዝ ኣይንሕለም!

ኣይፋል ብዋጋ ሃገር፡ ኣብ ስንኩፍ ታሪኽ ብምምርኳስ፡ ብኣቛራጭ ስልጣን ንምሓዝ ኣይንሕለም!

ሓምድ ድራር
ምኽትል ኣቦ መንበር ማእከላይ ባይቶ ውድብ ሓድነት ኤርትራዊያን
26 ታሕሳስ 2022
ብጀካ ጸማም እዝኒ ምሃብ ዝሰምዕ ሰብ ስለተሰአነ፡ እዚ ሎሚ ካብ ዓንኬል ውድበይ እባ ውድብካ፣ ዝብል አምር፣ ወጺአ ኩሉ ብሃገሩ ዝሻቐል ዜጋን ንሓቐኛ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ኤርትራ ዝቓልስ ደላይ ፍትሒን ንኽፈልጦ ዝደለኹ፣ ገለ ካብቲ ንነውሕ ዓመታት፣ ህዝቢና ተስፋ ከይቆርጽን፡ ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ እንጭዋ ስለዚበልኩ፣ ዕረ እና ጠዓመኒ፣ ስቕ ኢለ ንበይነይ ክሕዞ ዝመረጽኩ ሎሚ ግን ስለ ከበደኒ ዓው ኢለ ንዓመታት እና ተዋህለለ ዝጸነሐ ሓሳባተ ክዛረብ መሪጸ አለኹ።
ኣዝዩ ዝሕዝን እቲ ኣነ ሓደ ካብ ምርሕንታቱ ዝኹንኩ ደምበ ተቓውሞ፡ ብቡዙሕ መልክዓቱ ኩሉ መዓልቲ “ክም ሽን ገመል ንድሕሪት እና ኸደ” ዝመጸ እዩ። ንምታይ? ምኽንያቱ ኣብ ዝበዘሐ ውድባትና፡ ገለ ውሑዳት በለጽኛታት ንወልቓዊ ረብሓታቶም ኢሎም ዝኾነ ዓይነት ለውጢ ኣብ ኤርትራ ከይመጽእ እና ሰረሑ፡ ለይቲ ምስ መዓልቲ ጸሎት እና ገበሩ ላዕላዋይ ጽፍሒታት ምርሒንታት ውድባትና፡ ብዕብለላ እና ተቆጻጸሩ ክመጹ ስለዝኸአሉ እዩ!
ስለዚ ድማ፡ ንዙም ሰባት ምድሓን ሃገር ዘይኮነስ ንዓኦም ዝገድስ፣ በንጻሩ፡ ምዕናዋን ኣብ ህውከት ምንባራን ዋሕስ ምቕጻል ወልቓዊ ረብሓታቶም ምዃኑ ምስ ጊዜ ብዝያዳ እና ተገሀደ ክመጽእ ኽኢሉ። መርአያ ናይዚ ድማ፡ ብሓደ ወገን ኣብ እዋን ውሽጣዊ ናይ ሓድ ሕድ ውግእ ኢትዮጵያ ምስ ተወልዐ እቶም በለጸኛታት ብዙሕ ግዜ ከይወሰዱ ንሃገሮም ናብ ሓደጋ ዘምርሕ መርገጽ ብመሓዞም፡ ኣብ ቅዳመነት ንረብሓ ህዝቦምን ሃገሮምን ኣብ ክንዲ ምስራዕ፡ ንሓው ጎረቤት ህዝቢ ትግራይን መንግስቲ ክልሉን ጠበቓታት ኮይኖም ክማጎቱ ተጓየዩ።
በቲ ኻልእ ወገን ድማ መርአያ ናይዚ እብሎ ዘለኹ፡ እንተ አስተብሂልና፡ ኣብዚ ሓለፈ ዕስራን ገለን ዓመታት፡ ካብ ግዜ ማሕዝነትን ሃገራዊ ኪዳን ንዲሞክራሲ ለውጥን ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ፡ እቶም ውድባት ተቓውሞና፣ ኣብ ክንዲ ናተን ንጹር መደብ ሒዘን ንካልኦት ቤርገሳዊያን ማሕበራት ናጻ ወልቐሰባትን ጸልዮም ናብቲ ቅኑዕ መስመሮም ንምስሓብ ዝፍትኑ፡ በንጻሩ ከምቲ ኣብ ሃገራዊ ዋዕላን ጉባኤ ኣዋሳን ዝተራአየ ናይ ስቪክ ድሕሪ ባይታ ዘለዎም ባእታታት ኣብ ቅድሚት ኮይኖም ናይ ምምራሕ ተራ እና ተጻውቱ ኪዳንን ሃገራዊ ባይቶን ኣይብለዑን ኣይስተዩን ኮይኖም ተሪፎም።
ካብቲ ዝሓለፉ ጌጋታትና፡ ከም ፖለቲካዊያን ሓይሊታት ደምበ ፍትሒ መጠን ከይተማሀርና፡ ሎሚ እዉን፣ ምስቲ ኣብዚ ሓለፈ 3 ዓመታት፣ ብዋግዒ ንህዝብና ንነብሱ ከም ሓደ ስቪክ ማሕበር ዘላለየ “ይአክል” ፖለቲካዊያን ውድባትናን ሰልፊታናን ብዚ ስቪክ ማሕበር ክንጎተትን ብኡ ክንምራሕ ምቕባልና፡ ነቲ ቅድሚ 12 ዓመት 11 ውድባት እንኮለና ኣባላት ኪዳን፡ ብኣባላት በርጌሳዊ ማሕበራት ክንምራሕ ሸለል ኢልና ብምኻድና ዝፈጸምናዮ ጌጋ ንዓኡ ንደግም አሎና ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ንኤርትራ ሃገርና ብዝያዳ ናብ ሓደጋ ገጻ ንሰዳ ከምዘሎና ዝተረዳአና ኣይመስልን።
ኣነ ናይ ሎሚ ዘበን ጌጋታትና፡ ከም ደለይቲ ፍትሒ እገምግም እንከሎኹ፡ ከም አብነት፣ ኣብ ግዜ ሓድ ሕድ ውግእ ኢትዮጵያ በቶም በለጽኛታት ዝበልናዮም መርሕናታት ተቓውሞ ይዝውተር ዝነበረ ሓላፍነት ዝጎደሎ መግለጺታት ንበይኑ ይራእየኒ ማለት ዘይኮነስ፡ ኣዝዩ ዝገርምን ዝሕዝንን ሽዑኡ እዉን፡ “ይአክል” ባህሪያት ናይ ስቪክ ማሕበር እንታይ እዩ ዝመስል ብምዝንጋዕ፡ ብገለ ላዕለዎት ምራሕቱ “ምስ ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ” ኮይና ንኤርትራ ወሪርና ስርዓት ህግዲፍ ክነውድቕ ድሉዋት ኢና፡ ዝብል ዝነበረ መግለጺታቶም ተሪሲዑ፡ ሎሚ እቲ ኣነ ሓደ ካብ ኣባላት መርሕናቱ ዝኾንኩ ውድብ ሓድነት ኤርትራዊያን ዝርከቦም፡ ካልኦት ካብ 60 ንላዕሊ ፖለቲካዊያን ውድባትን ቤርጌሳዊ ማሕበራትን ወልቐ ሰባትን ብይአከል ብምዕዳም ሓደ ሃገራዊ ጽላል ክንመስርተልኩም ኢና ብምባል ነቲ ንሃገራዊ ኪዳንን ውጽኢት ኣዋሳን ናብ ምሉእ ፍሽለት ዘብጸሐ ጌጋ ከም ብሓድሽ ይድገም ምህላዉን ኣይፋሉን እዚ ቅቡል ኣይኮነን ክብል ድርኺት ሂቡኒ።
ሓቂ እዩ እቲ ቀንዲ ጸገም ደምበ ተቓውሞ ኤርትራዊያን ናይ ሓደ ወይ ክልተ ውድባቱ ዘይኮነስ፡ ድኽመት ናይ ኩሉ እቲ ደምበ ምዃኑ ዘዛርብ ኣይኮነን።
ጸገማት ናይ ካልኦት ውድባት ጎኒ ብምግዳፍ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመት፣ ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ኣብዚ ኸድናዮ ከይዲ ቃልሲ፣ ማለት ምምስራት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢን፡ ውድብ ሓድነት ኤርትራዊያን ተሞርኪሰ ስግአት ዘሕደረለይ ጌጋታትን ድሑር ኣተሓሕዛን ኣብ ኣዝዩ ጽንኩር መድረኽ ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ከካፍል ኣድላዪ ኮይኑ ረኺበዮ።
ስለዚ፡ እቲ ካብ ምምስራት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ዝጀመረ ተመክሮ ሓድነታት፡ ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቢሉ ቀስ-ብቐስ፡ ከምቲ አቐዲመ ዝበልኩዎ፡ ድሕሪ ዕስራ ዓመት ናብቶም ተሓናፊጾም ሓደ ውድብ፣ ማለት ውድብ ሓድነት ኤርትራዊያን ዝመስረቱ ሰለስተ ውድባት በጺሑ ማለት እዩ። እቶም ሰለስተ ኣሕዋት ውድባት ዲማ፡
- ውድብ ሓድነት ኤርትራዊያን ንፍትሒ፣
- ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣
- ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ (ሕድሪ)። ነይሮም፡
እዌ ኩላትና ሓንጎፋይ ኢልና፡ ብዓቢ ተስፋ እቲ ብስምምዕና ዘሃናጽናዮ ውድብ “ሓድነት ኤርትራዊያን” ብሕዳር 2021 ብዋግዒ ናይ ቃልሲ ጉዕዞኡ ጀመረ።
እንተኾነ፣ ካብ ንግሆኡ ከምቲ ዘተጸበናዮ ንቕድሚት ክንሰጎም ኣይከአልናን። ብፍላይ እቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ መንእሰያት ኣባላት ውድብ፡ ካብ ክሊ ኩሉ ምስ ሕሉፍ ሕማማት ጀብሃን ሸዕብያን ካልኦትን ዝተወርሱ ምትእስሳራት ናጻ ብምዃኖም ካብቲ አረጊት ንቡር ኣገባባት ኣቃላልሳናን አትሓሳስባናን ናብ ምዕቡልን ስልጡንን ጎደና ክመርሑና ዝተጸበናዮም፣ ሕልምና ብግስ ከይበልና ባህጊ ከይኮነ ትሪፉ።
እቶም መንእሰያትና፡ ካብቲ ንቡር ሕማምና ከገላጉሉና ኣይ ከአሉን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ኣገባብን ጥምዙዝ ታሪኽ ንኤርትራ ብምምሃዝን፡ ይትረፍ ዶ ንሓድነት ኤርትራዊያንን ኤርትራን ዋልታ ክንኸውን፣ ንውሽጣዊ ሓድነት ውድብናን ኣባላትናን ክንውሕስ ኣይከአልናን።
ስለዚ፡ ገለ ካብቶም ኣካታዕቲ ዝነበሩ ንውድብና ኣብ ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት ዘውደቑ ጉዳያት ንምጥቓስ፡
- ኣብ ምምራሕ ውድብ ዝጸነሑ፡ ማለት ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን፡ ካብ ጨናፍሮም እንተዘይ ተመርጹ፣ ኣብ ጉባኤ ብጀካ ነቲ ብጎባኤኛታት ንዝቐረበሎም ሕቶታት መልሲ መሃቦምን ጸብጻባት ስርሑም ምቕራብን፡ ድሕሪኡ ኣብቲ ጉባኤ ዝኾነ መሰል ከይተዋሃቦም ከም ተዓዘብቲ ኮይኖም ይቕጹሉ ዝብል እማሜ ካብቶም ተስፋ ዝተቐመጠሎም መንእስያትና፡ ተቐባልነት ኣይይርከብ ድኣ እምበር፡ ኣጋ ኣደራሽ ጉባኤ ምእታውና ናይ ብሓቂ ኣባኣሲ ረቛሒ ኮይኑ ናብ ዘይድለ ክታዓት ከምዚ ኣእቲዩና ብሙልኦም ኣባላት መርሕነት ዝዝኩሩዎ ጉዳይ ነይሩ፣
- ሰከርታርያ ናይቲ ብሕዳር 2021 ዝተኻየደ ጉባኤ፣ ብሸነኻ ኣብ ክንዲ ንጸገማት ውድብ ንምቕላል እትሰርሕ፡ ናይ ስልኪ መስመር ምስ ሱዳን የለን ብምባል፣ ንወከልቲ ኣባላት እቲ ጨንፈር ብምልኦም ኣብቲ ሓድነታዊ ጉባኤ ከይተሳተፉ ተሪፎም። ብሰንኪ እቲ ከሳራ፡ ኣብ መንጉ ንንዋሕ ዓመታት ኣባላት ደምበ ተቓውሞ ኮይኖም ዝጸናሑ ኣብ ሱዳን፡ ኣዝዩ ሕማቕ ስሚዒታት ክፈጥር ተራእዩ። ጌጋ ናይ ኣሰናዳኢ ሽማግለን ሰከርታራያ ጉባኤን ከይ አክል ድማ፡ ነቲ ካብ ጉባኤ ዝተመርጸ ሓድሽ መርሕነት፡ ንናይ ሱዳን ጥርዓን ሰሚዑ ክፋትሖ ዝፍትን፡ ከይተገደሰ ሸለል ኢሉ ከሓልፎ መሪጹ። ቡዙሓት ኣባላት፡ ዓው ኢሎም ኣብ ቡዙሕ ሃገራት፡ ንካልኦት ኤርትራዊያን ክንሕውስ እንና ተጸበና፡ ከመይ እዩ ነገሩ እዚ ውድብና ንናቱ ኣባላት ክጥርንፍ ዘይኽእል? ክብሉ ተሰሚዖም።
- ኣብ ጉባኤና ዲሞክራስያዊ ኣገባብ ምጥቓም ጥራሕ ስለዘድልየና፡ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ውክልና አድላይነት ይብሉን ዝብል ሜላ ኣብ መንጉ እቶም ነዚ ውድብ`ዚ ንምቛም ዝተሰማማዑ ኣባላት ኢሂን ምሂን ከይተበሃለን፣ እኹል ምድላዋት ከይተገብረን ቐጠታ ነቲ ሜላ ሒዝካ ናብ ጉባኤ ክእቶ ምግባር፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ዝነበረ ሓባራዊ ምትእምማን እና ላሕለሔ ክኸይድ ጌሩዎ።
- ብሰንኪ ቕድሚ ሕጂ ዘይተራአየን ዘይተጸንዐን ኣገባብ ኣመራርጻ ኣብ ጉባኤ ብምትእቲታው፣ ከባቢ 25 ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ንምምራጽ፣ ሙሉእ ቆጽሪ ጉባኤኛታት፡ ማለት አስታት 160 ኣባል ብእኩብ ንመርሕነት ንምውድዳር ከም ሕጹያት ብሴክርታርያ ምቕራብ፡ ነቲ ሰዒቡ ዝመጸ ሽግራት ውድብ ዝያዳ ክምዚትሓላለኽ ጌሩዎ እዩ።
- ውጽኢት ሕጽያ ኣብ ጉባኤ፣ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ሕብረ ብዙሕነት ኤርትራ ይኹን፡ ናይተን ዝተሓናፈጻ ሰለስተ ውድባት ብዘየንጸባርቕ መልክዕ፡ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ውድባት ጥራሕ ንኹሉ ብምዕብላሉ፡ እዚ ዉን ብተረኡ፡ ኣብ ውሽጢ ኣባላት ሕማቕ ስሚዒታትን አሰርን ከምዚ ገደፈ እቲ ውድብ ቡዙሕ ከይከደ፣ አሌታዊ ሳዕቤናቱ ክረአ ጀመረ።
ሰዒቡ ድማ ድሕሪ ጉባኤ፡ ብርክት ዝበለ ቆጽሮም፣ ኣብ መድረኽ ምትሕንፋጽን ቅድሚኡን ኣገዳሲ ተራ ካብ ዝተጻወቱን ኣብዚተፈላለዬ እዋናት ኣብ ምምራሕ ዝጸነሑ ላዕለዎት ካድራት፡ ነቲ አሰካፊ ኩነታት ውድብ አመልኪቶም ዘነበሮም ዕቓቤታት ዝሐዘለት ናይ ሓባር መልእኽቲ ጸሒፎም ናብ መርሕነት ምስ ሰደዱ፣ ኣብ ክንዲ ብዕቱብነት ዝረአ ዘልዓለለዎም ሕቶታት፡ ላብዋ ጥራሕ እዮም አቕሪቦም ብምባል ፈጻሚ ሽማግለ ንሕቶኦም ጸማም እዝኒ ስለዚ ሃበ፣ ካብ ውድብ ኣባልነቶም ክስሕቡ ተገዲዶም።
ካብቲ ክብ እሉ ዝተጠቕሰ፡ ዝኸፈአ እየ ዝብሎ ግን ኣብ ውሽጢ 11 ገጻት ሰፊሩ “ስትራቲጂካዊ ሽቶታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን” ተባሂሉ ኣርስቲ ዝተዋህቦ፡ ብዕለት 10 ጥቕምቲ 2022 ብፈጻሚ ሽማግለ ዝተነድፈን፣ ብ3 ታሕሳስ 2022 ብማእከላይ ባይቶ ዝጸደቐን ሰንድ ኣብ ገጽ 5 ትሕቲ እዚ ስዕብ ንኡስ-አርእስቲ፡
3. ዘቤታዊ ብድሆን ዕድላትናን
ማለት፡ ኣብ ሳልሳይ ሕጥቦ ናይቲ ሰንድ፣ ንታሪኽ ኤርትራን ቃልሳን ደዊኑ ዘይሕብሩ ዝለኽዮ ሓበሬታ ብኸምዚ ዝስዕብ ሰፊሩ ይርከብ፡
“ምፍራስ ፈደረሽንን ግፍዒ ገዛእቲ ኢትዮጵያን ንህዝቢ ኤርትራ ንኽቃለስ እካ እንተደረኾ፡ እቲ ኣብ ግዜ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እንግሊዝ ዝቦቖለ ሃይማኖታዊ ፖለቲካ ነቲ ሲዒቡ ንቓልሲ ዝወፈረ ወለዶ ሕማቕ ኣብነት ኮይኑ፡ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ምስ ዘይስልጡን ናይ ቃልሲ ሜላ ተደሚሩ ንኩናት ሓድሕድ ተቓሊዑ። እስላማዊ-ማሕበርነታዊ ክብርታት ዝዓብለሎ (ጀብሃ) ኣብ ባርካ፡ ክርስትያናዊ-ማሕበርነታዊ ክብርታት ዝዕብለሎ (ሻዕብያ) ኣብ ሳሕል። ክልቲኦም ውድባት ብተወሳኺ ካብ ኤርትራዊ ኣጀንዳን ረብሓን ወጻኢ፡ “ኣንጻር ጽዮናዊት እስራኤልን ርእሰማላውያን ሃገራት ምዕራብን” ዝብል ዝተኸተልዎ መርገጺ፡ ተደማሚሩ እኩብ ህልቂት ኣሕዋት (zero sum game) ፈጢሩ።”
ንሓድነት ኩሎም ኤርትራዊያን ክነረጋግጽ ምእንቲ ውድባትና ኣፍሪስና ኣብ ሓደ ውድብ ክንጽንበር ምውሳና፣ ቐንዲ ዕላማኡ ንሓቐኛ ታሪኽና ንምዕቓብ ደኣ እምበር፡ ጀብሃ ኣብ ባርካ ናይ እስላም ውድብ ነይራ፣ ሻዕቢያ ድማ ኣብ ሳሕል ንክርስቲያን ትውክል ነይራ ኢልና ከይንብቕዕ፡ እቲ ሰንድ ቀጺሉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቴአን ውድባት ዝተኻየደ ውግእ፡ ከም ኣብ መንጎ ኤርትራዊያን አመንቲ ምስልሚናን ክሪስቲናን ገይሩ ኣቕሪቡዎ ይርከብ።
እቲ ጽሑፍ ኣብኡ ደው ኣይበለን፡ እንታይ ደኣ? ወሲኹ፡ ፈድረሽን ብናይ ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን ጠለብን ከምዚ መጸ ንምምሳል፡ እሞ ኢትዮጵያ ተፍርሶ እንኮላ፡ ባህ ስለዘይበሎም ኤርትራዊያን ኣንጻር እቲ ምፍራስ ደው ከምዚበሉን፣ ብሓደ ወገን፡ በቲ ኻልእ ድማ፣ እቲ ፈድሬሽን ናብ ቦተኡ ንምምላስ ንኤርትራዊያን ንኽቓልሱ ድርኺት ሂቡዎም ዝብል ዘረባ ጥምዙዝ ታሪኽ ስለዚኾነ፡ ከምዚ ዘአመሰለ ካብ ሓደ ንሓድነት ህዝቢ ንምርግጋጽ ዝተበግሰ ውድብ ክበሃል መኣይተገበአን ነይሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓደገኛ እውን እዩ።
መደምደምታ
ድሕሪ ከባቢ ዕስራ ዓመት ናብ ውድብ ሓድነት ኤርትራዊያን ስለበጻሕና፡ ካብ ሕሉፍ ተመክሮታትናን ጌጋታትናን ተማሂርና ካብ ኩሉ ዝሓሸ ውድብ ክንምስርት ዓቢ ዕድል ስለዚነበርና፡ አትኲሬ፡ ብዛዕባ ዝተሰማዓኒ ናይ ተስፋ ምቕራጽ ብኣብነታት ክጠቅስ እፈትን ዳኣ እምበር፡ እቶም ኣብ ማእተዊ ዝጠቐስኩዎም ውድባት፡ ማለት ቅድሚ ምምስራት ውድብ ሓድነት ኤርትራዊያን ዝተመስረቱ ውድባት ተመሳሳሊ ጸገማት ኣይነበሮም ማለተይ ኣይኮነን።
እንተኾነ፣ ናይ ብዙሕ ዓመታት ውረድ ደይብን ሓድሽ ወለዶ ዝበዝሖ ውድብ ድሕሪ ምምስራትን፡ ዘየስራሕካ ኣገባባት ምኽታልን ብዛዕባ ታሪኽ ሃገርካን ኣባኣሲ ዝኾነ ሓሳብት ምዝውታር፡ ብሓደ ወገን፡ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈተነ ዘይዕውት ሜላ፡ ድድሕሪ ከም ይአክል ዝአመሰሉ በርጌስያዊን ማሕበራት ምጎያይ ናይ ብሓቂ ዝገርም እዩ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ንቃልሲ ህዝብና ፈሺሉ “ምቅንጃው ገድሊ” ዘበሉዎን ብስም ኤርትራዊያን ኣሕዋት ኢልካ ንምብቲታን ሃገር ዝሰርሑ ውድባት ርክባት ምግባርን ንዓይ ካብ ዓቅመይ ንላዕሊ ስለዚኾነኒ “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ እንጭዋ” ዝብል በሂል ሎሚ መዓልቲ ክበቕዕ ግድን ኮይኑ ስለዚ ረኸብኩዎ ንኸምዚ ዓይነት ኣካያይዳ ኣይፋል እብሎ አለኹ።
ንልዕላውንትና ንሓደጋ ዘቓልዕ፣ አንፈቱ ሰሒቱ ንጽላእቲ ኤርትራን ሓድነት ህዝባን ማዕጾ ዝኸፍት ከይዲ፣ ካብ ሎሚ ኣትሒዘ ኣካሉ ከይኸውን ከምዚ ወስንኩ፡ እና ሓበርኩ፣ ግን ምስ ኩሉ ንሓቐኛ ለውጢ ንምምጻእ ዝሰርሕ ኤርትራዊ ሓይሊ፣ ኣብዝስዕብ መድረኻት ቃልሲ፣ ብምሕዋሰይ፡ ዓቕመይ ዘፍቕዶ ክበርክት ምዃነይ ብትሪ ድሉዉነተይ እሕብር አለኹ።
You must be logged in to post a comment.