ንዝኽሪ ጅግና ሓርበኛ ተጋዳላይ መድሃኔ ተኽለማርያም

ወዲ ኪዳነ ምህረት ኣስመራ ማእከል

ጎይታ ዒላ ዛዕዳ ጎይታ ጎቦ ተከል

ጎይታ ዓላኬብ ሰጣሕ ጎላጉል

ጎይታ ዓራግ ዓራሪብ ሳሕል፡

    ትሑት ተባዕ

   ኣይጀሃር ኣይብዳዕ

    መትከላዊ ጽኑዕ

    ኣይስንኩፍ ኣይግዳዕ 

 ከም ዕምበባ መሮር

 ጽጌናይ መዓር

ዘይምኖ ዕላል ቁም ነገር

ጅግና ጋሽ ሰቲት ኦምሓጀር

ወዲ በዓቲ ወዲ ሰቐር፡

     ሓይሊ ደበሳይ ወዲ በይድ

     ዓንደብርሃን ኣበድ

      ሰብ ካልሽን፡ሃውን ከቢድ

      ንጸላኢ ዘሸብር ዘርዕድ

ውዕሎ ኦምሓጀር ጎልጅ ጋዳ

ከርከበት ገበይ ጻዕዳ

ሸርኢት ዛራ ሩባ ዓንሰባ ክሳዳ

ሃዋን፡ኣዶብሓ፡በልጠት፡ደልሓ ዝኸዳ

ዝጎየያ መሓውር ሎሚ ክቅየዳ፡

      እወ ሞት ሕሱም

      ሓያል ኣይብል ድኹም

      ድኻ ሃብታም

      መንፈሳዊ ዓለም

     ኣሕዋት ትፈላሊ ውሉድ ተዘኽትም

ኢና ፈታው ስሓቕ ዕላል

ህዱእ ለዋህ መስተውዓሊ ዓቓል

ጥዑም ዘረባ ዘይወድቅ ቃል

ኣርኪባ ዛ ዓለም ተካል፡

          ተሓበን ኵራዕ

         ኣብ ጅግንነታዊ መስርዕ

          ጎይታ ሃውን መድፍዕ

          እስር ዕምር ልክዕ

          ኣጸግዕ ኣጸግዕ፡

ንዓለም ጌርካላ ናታ

ንኦምሓጀር ጎልጅ ጌርካላ ናታ

ንባረንቱ ዱታ

ንወታሃደራዊ ስልጠና ጌርካላ ናታ

ምስክር ወረቐት ምስ ሽልማታ

ከቢድ ዋጋ ከፊልካ ሃገራዊ ምልክታ፡

        መድሃኔ ሓወይ ኣምላኽ ኣብ ገነቱ ይቀበልካ። ንስለ እቲ ኩሉ ሕውነትካ እምነትካ ይቐንየልና። ንሙሉእ ስድራ ቤት ከኣ ሓይሊ ጽንዓት ይሃቦም።

ሓውኻን ብጻይካን

ኣንቶንዮ ተስፋይ

23 ጥሪ 2023

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.