ታሪኽ ሂወት ጅገና ነባር ተጋዳላይ መድሃኔ ተኽለማርያም (መድሃኔ ቺና)

መድሃኔ ተኽለማርያም (መድሃኔ ቺና)

ታሪኽ ሂወት ጅገና ነባር ተጋዳላይ

መድሃኔ ተኽለማርያም (መድሃኔ ቺና)

ፍቅሩን ሕያውያን እንፈትዎ ሓውና ነፍስሄር ጅግና ነባር ተጋዳላይ መድሃኔ ተኽለማርያም፡ ካብ ኣቦ’ኡ ብላታ ተኽለማርያ መርሻን፡ኣደኡ ወይዘሮ ብርዛፍ መብራህቱ ብዕለት 26 ወርሒ ለካቲት 1956 ኣብ ሕምርቲ ከተማ ኣስመራ ኪዳነ ምህረት ተወሊዱ ኣብኡ ዓብዩን።

ነፍስሄር መድሃኔ ኣብ መንጎ 10 ዓበይትን ንኣሽቱን ኣሕዋቱ መበል 7ይ ርእሲ ኣብ ስድራ ቤት ብላታ ተኽለማርያም ኮይኑ ኣብ ኣተዓባብይኡ ብሓልዮትን ፍቅርን ብስነ ስርዓትን፡ ኣብ መንፈሳዊ ኮነ ኣብ ኣካዳሚያዊ ትምህርቱ ብግቡእ ተመልሚሉን ተሃኒጹን ዝዓብየ ውሉድ ነበረ።

መድሃኔ ንዕድመ ትምህርቲ ኣብ ዝበጽሓሉ

መባእታ ትምህርቲ ኣብ ኪዳነ ምህረት፡ ቀጺሉ ኣብ ቆልዓ ብንኡሱ ቆርበት ብርሕሱ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ተማሂሩ፡ ኣብ ማእከላይ ላዕለዋይ ደረጃ Junior Secondary school ከኣ 7ይን 8ይን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣግኣዝያን ድሕሪ ምምሃሩ፡ ብዝተኣማምን ውጽኢት ንካልኣይ ላዕለዋይ Secondary School ቤት ትምህርቲ በቲ ሽዑ ዝጸዋዓሉ ዝነበረ ልኡል መኮነን ተማሂሩ።

ነፍስሄር መድሃኔ ኣብ ትህምርቲ ዝነበሮ ክቱር ድሌት ካብ መዘነታቱ እንተዘይ በሊጹስ፡ ብማዕረ ብልዑኡል ተገዳስነት ብምክትትታል ገና ኣብ ንእስነቱ ልዕሊ ደረጃ ትምህርቱ ፍልጠት ዘኻዕበተ፡ ነዊሕ ራእይን ኣጠማምታን ዝነበሮ መንእሰይ ጸኒሑ ኣብ ሂወቱ ዓብይ ስምብራት ዝገደፈ ምልክታት ዝነበሮ’ዩ። እዚ ከኣ ካብ’ቲ ኩነታት ስድራ ቤቱን ኣሕዋቱን ከባቢኡ ዝርእዮን ዝሰምዖን ዝነበረን ዝበቆለ ኣተሓሳስባታት ፈታዊ ህዝቡን ሃገሩን ኮይኑ ክዓቢ ዝገበሮ እዩ። ሓውና መድሃኔ ኩሉ ግዜ ክድቅስን ክትንስእን ስእሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ ልቡ ነበረ።  

ሓውና መድሃኔ ካብ’ቲ ስድራ ቤታዊ ኣተዓባብይኡ ብዘይፍለ ምስ ጎረባብቲ መሓዙቱን መተዓብይቱ፡ ደቂ ትምህርቱን ዘሕልፎ ሂወት ክሳብ ግዜ ዕረፍቱ ዝተቐየረ ይኹን ድሒሩ ዘማዕበሎ ባህርይ ጠባይ ፈጺሙ ኣይነበረን። ሓውና መድሃኔ ፈታው ስሓቕን ዕላልን ይኹን ደኣ’ምበር፡ ካብ ክዛረብ ክሰምዕ ዝፈቱ፡ ክዛረብ እንተደኣ ኮይኑ ከኣ በቲ መሳጢ ሕርያ ቃላቱን ህየሳን፡ ኣብ ኣወዳድቓ ቃላት ምስ’ተን ዘወዛውዘን ኣጻብዕቱ ወሲኽኻ ብሕጽር ዝበለ ቃላት፡ ርዱእን ሓሳብቱ ዝገልጽ መንእሰይ ተጋዳላይ ኣብ ደሓራይ ሂወቱ ከኣ ከም ሙሉእ ዓቕሚ ዝወነን ሰብ’ዩ ነይሩ። ሓውና መድሃኔ ሳሕቲ ስለ ዝዛረብ ኣብ’ቲ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባት እንታይ ክብል እዩ ብማለት ብጽሞና’ዮም ዝሰምዕዎ።

ሓውና ነፍስሄር መድሃኔ ተኽለማርያም ነቲ ብህጻንነቱ ነቲ ክበጽሖ ዝሓስቦ ዝነበረ ዕብየት ፍልጠን ደረጃ ትምህርቱ ዝኾለፈ ካብ መግዛእታዊ ምሕደራ ሓራ ንምውጻእ ገና ብህጻኑ ኣብ ስድራ ቤቱን ኣብ ከባቢኡን ካብ ዝፍጸም ዝነበረ ዘይፍትሓዊ ተጋባራት ብምስትውዓል፡ ኣብ መስርዕ ፍትሕን ነጻ ህዝቢ ኤርትራ ንምቅላስ ኣብ 1976 ኣብ ተ.ሓ.ኤ ተሰሊፉ። ወታሃደራዊ ታዕሊ ፖለቲካዊ ትምህርቲ ወሲዱ ከኣ ኣብ ውሽጡ ምዱብ ሰራዊት ተሓኤ ግቡኡ ክፍጽም ተመደብ። መድሃኔ ንሜዳ ዝተሰለፈሉ ዓመት ናህሪ ግፍዕታት ሰራዊት ነበልባል ደርግ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ እንድዓበየን እንዳሰፍሐን ዝመጸሉ ግዜ ብምንባሩ፡ ብዘይካ’ነቶም ንድሕሪት ገዲፍዎም ዝመጸ ስድራ ቤቱን ማሙቕ ገዝኡ፡ ምስ ባህያ ገደሊ ንምልላይን ኩነታት ጸላኢ ኣዛሚድካ ኣዝዩ ከም ሰብ ንገዛእ ርእሱ፡ ከም ውድብ ንተሓኤ በዳሂ እዋን ከም ዝነበረ ርዱእ ኮይኑ ጸይርዎ ሓሊፉ።

ደርግ ህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ብኩሉ ዓቕሙ ኣብ ዝወፍረሉ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ህዝቡን ሃገሩን ንምድሓን ከቢድ ምርብራብ ዓበይቲ ኵናት ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ መድሃኔ ኣብ ቅድመ ግንባራት ግቡእ ፈጺሙ።

መድሃኔ ንካልኣይ ግዜ መደባዊ ወታሃደራዊ ታዕሊም ፖለቲካዊ ንቕሓት ንምውሳኽ ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ከረከበት ብ1977 ግቡኡ ፈጺሙ። ድሕሪ ታዕሊም ከኣ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝነብራ ሓይልታት ተመዲቡ ብፍላይ ኣብ ኦምሓጀር ክሳብ እቲ ንሰውራ ኤርትራን ህዝባን ንምጥፋእ ዝወፈረ ወራር ሓይሊ ጸላኢ ንምክልኻል በቒዑ። ኣብ’ቲ ለይትን መዓልን ዝካየድ ዝነበረ ምርብራብ ኵናት ኣባል ከቢድ ብምንባሩ፡ብዝትኵስዎ ዝነበሩ መዳፍዕ ንብዙሕ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ድምጺ ክሰምዕ ዝጽገመሉ እዋን ነበረ። ድሕሪ ንውሕ ዝበል ግዜ ግን እታ ጸጋመይቲ እዝኑ ኣብ ንቡር ክትምለስ ከላ፡ የማነይቲ እዝኑ ግን ብኸምኡ ቀጸለት። እዚ ከኣ መድሃኔ ንመጀመሪያ ንህዝቢ ኤርትራ ዝኸፈሎ ከቢድ ዋጋ ነበረ። መድሃኔ ቃልሱ ከየቋረጸ ብትብዓት ምስ ብጾቱ ደኣ ቀጸለ።

ብድሕሪ’ቲ ደርግ ብደገፍ ብዙሓት ኣህጉራውያን ሓይልታት ምስ የመን፡ሊብያ፡ ኩባን ብዓብዩ ብደገፍ ሶቬት ሕብረት ዝተኻየደ ሰፊሕ ወራር ንድሕረ ግንባር ውድቡ ካብ ዘውሓሱ ስውኣትን ስኵላትን ብሂወት ዝተረፉ ጀጋኑ ሓደ ነበረ። ካብ’ቲ ቅድሚ ወራር ዝነበሮ መደብ ጋሽ ሰቲ ብኣቡ ርጀላ ትምራሕ ቦጦሎኒ 159፡ ሓይልታት ሰራዊት ሓርነት ካብ ቦጠሎኒ ንብርጌዳት ዝወዳደባሉ ዝነበራ እዋን ኣብ ብርጌድ ከቢድ ብረት 44 ተመደበ። ምስኡ ብዝተተሓዘ ኣብ ተሓኤ ዝተኻየደ ወታሃደራዊ ምልመላ መራሕቲ ሰራዊት ”ክሳብ ቦጦሎኒ” ዝተኸየደሉ 1978 መድሃኔ ሓደ ካብ ተሳተፍቲ ብምንባሩን፡ ብድሕሪ ዝተኻየደ ኮርስ ዕውቱ ኮይኑ ቀዳማይ ብምውጽኡ ካብ ኢድ ኣቦ መንበር ተሓኤ ስውኣ ኣሕመድ መሓመድ ናስር ሽልማት ተቀቢሉ። ንሳሕል ጉዕዞ ቀጺሉ ነቲ ኣብ ጋሽ ሰቲት ብሓፈሻ ኦምሓጀርን ጎልጅን ዝገደፎ ሓያል ምንቅስቓስን ወራር ጸላኢ ኣብ ሳሕል ጸንሖ። ምስ ብጾቱ ብርጌድ 44 2ይ ቦጦሎኒ መኽተኡን ቃልሱን ቀጸለ። ኣብ’ዚ እዋን ከኣ እታ ቺና ትብል ዝነበረ ሳጓ ብሓደ ብቀረባ ዝፈትዎ ብጻዩ ብድሕሪ ዝመጸት ዘረባ ስኽትት ኣውጽሉ። እታ ብድሕሪ ዝመጸት ዘረባ ካብ ኢዮብ ፍስሓጽዮን (ካራቲኖ) ዝሰምዐ ብጻይ ክፍለ ኣድከም ነታ ካልኣይቲ ሳጓ ኣጥበቀሉ። ኣብ ግዜ ጸገም ቃልሲ ግምንባር ሰሜናዊ ሳሕል ከኣ ብኽመዚ ዝበለ ዋዛ ቁመንገር ዕላላት ገድሊ ንጽምእን ጥሜትን ድካምን ዘጓደለ ዘጓድል ሓልዮትን ፍቅርን ተሓሊፉ። ቃልሲ ሳሕል ክልተ ዝበራርዩ ዝነበሩ ጸላኢ ሰራዊት ደርግ ባህርን እዮም። ኣብ’ቲ ተደጋጋሚ ኵናት ምስ ጸላኢ ከኣ ቦጦሎኒ ሓይሊ ጋንታን መድሃኔ ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ ነበረ። ዕውቲ ቦጦሎኒ ከኣ ነበረት። ካብ’ቲ ብዙሕ ብወገን ተሓኤ ዝተበገሰ ይኹን ብጸላኢ ዘዕርፍ ኵናት ብዕለት 5 ጥሪ 1980 ኣብ ዝተኻየደ ምርብራብ፡ ጸላኢ ካብ’ቲ ሒዝዎ ዝነበረ ጎላጉል ኣስራይ፡ ማራት ዒላ ጻዕዳ፡ ዓላኬብን ተደፊኡ ንማህሚምት፡ብሌቃት ገምገም ባሕሪ ማርሳ ተኽላይ ኣብ ዝተደፍኣሉ፡ ሓይሊ መድሃኔ ንቅድሚት ደፊኣ ስለ ዝኸደት ኣድራጋ ኣብ መስቀላዊ ተኵሲ ህሞት ኣብ ዝኣተውሉ መድሃኔ ኣብ ጎሎእኡ ብከቢድ ቆሲሉ ወደቀ፡ ብጾቱ ንቅድሚ ስጉሞም ንቅሩብ ግዜ ንመድሃኔ ዝረዳኦ ኣብ’ቲ ከባቢኳ እንተዘየነበረ መድሃኔ ብዛዕባ ነፍሱ ዘይኮነስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጎኑ ዝተሰውኡ ብጾቱ ዝሓልይን ዝሓስብን ምንባሩ መራህ ሓይሊ ብስሙ ጸዊዑ ምስ ኣድሃዮ ኩነታት እቶም ዝተሰውኡ ኣመት ክገብር ሓበሮ። ኣብ’ቲ ግዜ ብወገን ተሓኤ ካብ’ቶም ኣብ ግንባር ሰሜናዊ ሳሕል ብከቢድ ዝተወግኡ ሓደ መድሃኔ ነበረ። ብዘይወኦኣል ሕደር ከኣ ብብጾቱ ተጸይሩ ንሕክምና ብርጌድ ኣብ ንበዓቲ፡ ቀጺሉ ንማኣከላይ ሕልምና ውድብ ንሃዋሳይት ተመሃላለፈ።ድሕሪ ኣስታት 3 ወርሒ ንመደቡ ሰሜናዊ ግንባር ሳህል ንኣሃድኡ ንብርጌዱ 44 ተመለስ።

ንሰሜናዊ ግንባር ሳሕል ተመሊሱ ኣብ ምምሕዳር ብርጌድ ተረፈ። ነውIህ ከይጸንሐ ኣብ ክፍሊ መዝገብ ተጋደልቲ ኦርኔክ ውድብ ተመዲቡ ክሳብ መወዳእታ ቃልሱ ቀጸለ። ብድሕርቲ ወርሒ ነሓሰ 1980 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ዝተፈጥረ ኣሕዛኒ ሓድሕድ ኵናትን ዝርያን ኣብ ልዕሊ ተሓኤ ክሳብ ንመሬት ሱዳን ተደፊኣ ትኣቱ ኣብ መደቡ ኮይኑ ክቃለስ ወሰነ። ትንሳኤ ውድብ ተሓኤን መብጽዓ ስውኣት ብጾቱን ህዝቡን ስለ ዝነበሮ ከኣ ኣብ ዶብ ሱዳን እንዳሃለወ ቃልሱ ቀጸለ። ምስ’ቲ ኩሉ ጸንጻላሉ ዝነበረ ፖለቲካዊ ወታሃደራዊ ተጽዕኖታት ምርጫ መድሃኔ ክሳብ ዓወት ማለት ክሳብ ነጻነት ምቅጻል ነበረ። ኩሉ ምርጫታት ምስ ተዓጽወ ግን ከም ሰቡ ንስደት ንሃገር ሱዳን ቀጸለ። መድሃኔ ኣብ ሱዳን ኣብ እቲ ሂወቱ ዝመረረ ናብራ ኣሕለፈ። ብ1989 ከኣ ኣብ ሃገር ሽወደን ኣትዩ ከብ ዓለሙ ፖለቲካዊ ዕቍባ ሓተተ። መድሃኔ ኣብ ሃገር ሽወደን ከም’ቲ ቅድሚ ንሜዳ ንቃልሲ ምውፋሩ ዝነበሮ ባህጊ ኣብ ትምህርቲ ዓለም ኣትዩ፡ ተማሂሩ ተዓዊቱ፡ ኣብ ኤለትሪካዊ እቶንን መዝሓሊ ረፍሪጀይተር ዲፕ ፍሪዘር ክኢላን በዓል ሞያን ኮይኑ ተመሪቁ።

መድሃኔ ፈቃር ርህሩሕ ሕያዋይ፡ ህዷን መስተውዓልን ሓው እዩ ዝነበረ። ኣብ’ቲ መወዳኣታ ሰዓታት ዘለኣለማዊ ዕረፍቱ ቤት ኩልና ቅድሚ ምኻዱ ኣብ ቅድሚ ሞት ዘርኣዮ ትብዓት ውሳነን ቆራጽነትን ምናልባሽ ቅድሚ ሕጂ ካብ ውሑዳት ከም መድሃኔ ዝተሰምዐ ብሂወቱ እንዳሃለወ ዝሕለፎ ለበዋታትን ምሕጽንታትን’ዩ ስንበታን እዩ። መድሃኔ እንዳስሓቐን እንዳተዋዘይን ሓሊፉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ሰንበት ንግሆ ዕለት 22 ጥሪ 2023 ምስጢራት ካብ ካህን ተቀቢሉ፡ ልክዕ ድሕሪ ኣስታት 10 ሰዓታት ዕለት 22 ጥሪ 2023 ንዓዲ ኩልና ዓዲ እግዚኣብሄሩ ከደ።

ንፍቁር ፍትውኑ ሓውና ብጻይና መተዓብይትና ጅግና ሓርበኛ ነባር ተጋዳላይ መድሃኔ ብላታ ተኽለማርያም መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራ ቤቱ መቃልስቱ ፈተውቱ መሓዙት ጽንዓት ይሃብ።

27 ጥሪ 2023

 ስቶልሆልም ሽወደን          

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.