ደገፍን ወፈያን Charity organization

“ሎሚ ካብ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንላዕሊ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ የሎን”

ናብ ኩሎም ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡

ካብ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ (ሓደለ)

ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ከም ዝፈልጦ: ሎሚ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ናይ ሞትን ሕየትን ህሞት ከምዘላ እንሰማማዓሉ ጉዳይ’ዩ ።  መራሕ ጃንዳ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ዘይቕዱስን ሚስጢራዊ ስምምዓትን፡ ነታ ብሉጻት ደቓ ከፊላ ናጻነታ ዘውሓሰት ሃገር፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእትዩዋ ይርከብ። ካብ ዝኾነ ጊዜ ሎሚ ድማ፡ ኢሳያስ አቲ ዝለዓለ ጸላኢ ህዝቢ ኤሪትራ ኮይኑ ፡ንህዝብን ሃገርን ጅሆ ሒዙ ንሃገርና ፡ንኢትዮጵያ ከም ገጸበረከት ከወፊየና ከምዝደሊ ኣብ ብዙሕ ኣገጣሚታት ኣተምቢህዎዩ።

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲኣዊ ለውጢ(ሓደለ) ምስ ኩሉም ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ብሓባር፡  ንስርዓት ህግደፍ ሓንሳብን ንሓዋሩን፡ ኣብ ናይ ታሪኽ ጉሓፍ ደርቢዩ፥  እታ ካብ ነዊሕ ግዜ ደላይ ፍትሒ ኤርትራዊ ዘማዕደዋ፡ ብልጽግትን ዲሞራሲያዊትን ብቕዋም እትመሓደር ሃገር ክትከውን፡ከምእውን  ህዝባዊ መንግስቲ ንምምስራት እነሆ ብዝለዓለ ተወፋይነት ዝቃለስ ውድብ እየ። ነዚ ግዙፍ ዕማም ንውዕዋት ምስ ኩሉ ተቓላይ ህዝቢ ኮይኑ፡ቃልሱ ከሰላስል ይርከብ። ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ አቲ ሓደን፡ ቀዳማይ ዕላማና፡ አብቲ ቀንድን፡ ስትራተጂካዊ ጠንቂን ጸገምን ኤርትራ ዝኾነ፡ ንነፍሱ ከም ፕረሲደንት ክሳብ ሕልፈት፡ ልዕሊ ሕጊን ቆጺሩ፡ ህዝብና ናብ ደልሃመትን ጥፍኣትን ዝወስድ ዘሎ፡ እከይ ምትኳር’ዩ ። ነዚ ንምትግባር፡ ኣምባኣር ዘድሊ መጽናዕቲ ተገይሩ፡ ናብ ናይ ሓዋሩ ሰላም ኣብ ኤርትራ ንምርግጋጽ፡ እቲ ቅድመ ምድላዋት ክማላእን፡ ኣብ ተግባራዊ ስራሓት ክንጽመድ መድረኽ ዝጠልቦ ዛዕባ ኮይኑ ብዓቅሚና፡ከም ውድብ ንዳሎ ምህላውና ንገልጽ።

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ (ሓደለ) ነቶም  ውፉያትን ምኩራትን ኣባላቱ ኣምሪሑ ከምእ’ውን ምስ ደላይ ፍትሒ ዝኾኑ ኣካላትናን፡ ውጹዕ ሓፋሽ ህዝብናን፤ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ዕላማ ንምዕዋት ቃልስና ተታሓሒዝናዮ  ኣሎና።  ህዝብና ዮሃና ዝብለሉ፤ መዓልቲ’ውን ርሑቕ ከምዘይከውን፡ ዝዓዘዘ አምነት ኣሎና። ነዚ ገዚፍ ዕላማ ንምዕዋት፡ መስዋእቲ ዝሓትት ከምዝኾነ ኩልና ዘይንግዝዖ ጉዳይ  ኮይኑ፡ ሎሚ በብዓቕምና ኢደይ ኢድካ/ኪ ኢልና፡ ሃገርናን ሕዝብናን ከነድሕን፡ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ (ሓደለ) ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ፡ ብዝካኣሎም ዓቕሚ ማለት ብጉልበት፥ ብፋይናንስ ሓገዝኩም ክትዝርጉሕልና ብኽብሪ ንሓትት።

ናይ ገንዘብ ሓገዝ፡ ናብ እዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ባንክ  ሕሳብ ክትልእኩ ነማሕጽን፡

BANK OF AMERICA

ACCOUT NUMBER 226006005126

ROUTING NUMBER 054001204

The account numbers that have already provided for the Charity organization is only good for domestic banks.(USA ONLY).

Please include  the following additional numbers for foreign bank transactions

1) To wire US dollars use BOPAUS3N,

2) To wire other Currency use BOPAUS6S

EMAIL EriCenterDHRI@Gmail.com

ADDRESS  Eritrean Center For Democracy and Human Rights

P.O.BOX 41705

Arlington VA 22204  USA

 ምስ ምስጋና

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.