ተጋሩን  ትግሪኛን ፡

ተጋሩን  ትግሪኛን ፡

                      ኣብዚ ዘሎናዮ መድረኽ ፤ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ክልል ትግራይ ዝኻያድ ዘሎ ኹናት፡ እቲ ደቂሱ ዝጸንሔ ቁሩቁስ ኣብ መንጎ ተዛረብቲ ትግሪኛ መሊሱ ተወሊዑ ይርከብ ። ብርክት ዝበሉ ተዛረብቲ ትግሪኛ ኤርትራውያን ኣብዚ ሓጺር ግዜ ምስ ዓወታት ሓይልታት ትግራይ ዝተሓሓዝ ፣ ኤርትራውያን ኣይኾናን ፤ተ ጋ ሩ ኢና ፣ ክብሉ ክስምዑ እንከለዉ ፣ ገሊኦም ኤርትራውያን ተዛረብቲ ትግሪኛ ከኣ ኣምሓራ ኣሕዋትና እዮም ክብሉ ምስቶም ን30 ዓመታት ዝቀተሉናን ዘንደዱናን ኣምሓራ  ኣብ ጎደናታት ዓለም ተሰልፎም ኣንጻር ትግራይ ጽልኦም ክገልጹ ንርኢ ኣሎና ።

                      እሞ ከ መሰረት ናይዚ ፍልልያት እዚ ካበይ ዝመጸ ይኸውን ? ብወገነይ ናይ ኣደይ ቛንቛ ትግርኛ ስለ ዘይኾነ ፣ ከም ኤርትራዊ መሰል ናይ ርእይቶ ምሃብ ጥራሕ እዩ ዘሎኒ ። ስለዚ ኣብ መንጎ ትርጉም ናይ መንነትን ናይ ዜግነትን ምድንጋር ዘሎ ኾይኑ ይስምዓኒ ። ገሊኦም ኤርትራውያን ኣብ ዘመነ ህግድፍ እተወልዱ ብዘይካ ናይ መስዋትነት ሃገራውነት ፣ ኤርትራውያንን ብከመይ ዝኣመሰለ መስሪሒ ሓሊፎም ነዛ ሃገር ነጻን ልዑላዊትን ከምዝገበሩዋ ኣይመሃሩዎምን ። ተጋደልትን ህዝብን ብሓባር ዝኸፈሉዎ መዘና ዘይብሉ ተወፋይነት ጅግንነትን ዘንጸባርቁ ሓውልትታት ክትኾሉ ነይሩዎም ፤ ጎደናታትና ከም ኣድላይነቱ ብኣስማት ናይ ስዉኣትና ክስመዩ ነይሩዎም ።እዚ ክግበር ዘይተደልየሉ ምክንያት፣ ህግደፍ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጳያ ክሕውሳ እንከሎ ህዝቢ ታሪኹ ከይፈለጠ ዶንቑሩ ክጸንሕ መደብ ስለ ዘለዎ እዩ ።  እቲ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ እተወልደ መንእሰይ ዝፈልጦ ሃገራዊ ጅግና ዝብሎ ሰብ የብሉን ። እዚ ከኣ ኮነ ተባሂሉ ነቲ ኤርትራዊ ሃገራውነት ንምድካም ዝተኣልመ እዩ ። እዚ ኣታሓሳስባ እዚ ህግደፍ ክጥቀመሉ ዝመሓዞ ኾይኑ ፣ሕጂ ግን ጎዳኢኡ ኾይኑ ኣሎ ። ምክንያቱ ብዙሓት ተዛረብቲ ትግርኛ ኤርትራውያን ተጋሩ ኢና ክብሉን ተደናገጽቲ ህዝቢ ትግራይ ገይሩዎም ኣሎ ፣በዚ ከኣ ህግደፍ ነቲ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ ወረራ ምጥፋእ ዓሌት ሓጋዚኡ ኣይኾነን ።

                      ሓድ ሓደ ኤርትራውያን ኤርትራ ጣልያን ዝፈጠራ ሃገር እያ ክብሉ ብዙሓት ሰምዒኩሞ ትኮኑ ፡ እዚ ኣባሃህላ እዚ እንሰምዖ ካብ ኢትዮጵያውያን ጥራሕ እዩ ። ተጋሩ ሓዊስካ  ፣ ኤርትራ ጣልያን ስለ ዝፈጠሩዎ ሃገር ኣይኾነትን ክብሉና ኢዮም ደልዮም ። እዚ ከኣ ካብ ሓደ ኤርትራዊ ዜጋ እትጽበዮ ቢሂል ኣይኾነን ።  ግን ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልኩዎ ኣብ ዘመን ህግደፍ ዝዓበየ  መንእሰይ ኣስተምህሮ ጎዲሉዎ ክኽውን ይክእል እዩ ። እዘን ኩለን ኣብ ኣፍሪቓ ዘሎዎ ሃገራት መግዛእቲ ከም ዝፈጠረን ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣስተምህሮ ከምዘይተዋህቦም  ትርዳእ ።

                      ምዕራባውያን ወረርቲ ብዛዓባ ናይ ብሔራት ኣብ ክልተ ሰለስተ ሃገራት ምክፍፋል ተጨኒቆምሉ ኣይፈልጡን ። ስለዚ ሓደ ብሔር ኣብ ክልተ ሰለስተ ሃገራት ከምዝክፈሉ  ተገይሩ ። ስለዚ ተዛረብቲ ትግሪኛ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያ ከም ዝተክፈሉ ተገይሩ ፣ እዚ ግን ብድልየት ናይቶም ህዝቢ ዝተገብረ ኣይኾነን ። እዚ ዓይነት ተገባር ኣብ ምሉእ ኣፍሪቓ ተፈጺሙ ስለ ዝኮነ ፡ መራሕቲ ኣፍሪቓ ብ1964 ነቲ ናይ መግዛእቲ ዶብ ከምዘለዎ ክቅበሉዎ መሪጾም ። ምክንያቱ እዚ ናይ ብሓራት ኣብ ዝተፈላለዮ ሃገራት ዘለው ብሓንሳብ ንምግባር ዝግበር ሓሳብ ወይ ራኢ ኣብ ክንዲ ፍታሕ ሽግር ክፈጥር ከምዝክእል ስለ እተረድኡ ነይሩ ፣ እቲ ዶባት ብዝጽንሖ ናይ መግዛእቲ ውዑላት ክቅጽል መሪጾም  ። ስለዚ እዚ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዶብ ነባሪ ምዃኑ ተረዲእኩም ዕረፉ ።

                      ብኻሊእ ኣዛራርባ ተዛራብቲ ትግርኛ ተጋሩ ጥራሕ ኣይኾኑን ኣብ ክልተ ተመቂሎም ዘሎው ፣ ዓፈር ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተመቂሎም ኣሎዉ ። ኩናማ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣሎው ። ሕዳረብ ኣብ ኤርትራን ሱዳንን ኣሎዉ ። ኦሮማ ኣብ ከንያን ኢትዮጵያን ተመቂሎም ይነብሩ ኣኦዉ ። ሶማል ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ሶማልን ኣሎዉ ። ኣብ ዓለምና እቶም ክሳብ ሕጂ ሃገር ክምስርቱ እናተመነዩ ዘይሰለቶም ኩርድስ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ተመቂሎም ይነብሩ ኣሎው። እዚ ማለት ኣብ መንጎ ሶርያን ፣ ዒራቕን ፡ ቱርክን ኢራንን ። ለለዚ ነዚ ዘሎ ኩውንነት ተቀቢኻ ምንባር ጥራሕ እዩ እቲ ዘሎ ምርጫ ።

                      ኣብ ኤርትራ ትሽዓተ ብሔራት ኣሎዋ ይብሃል ፣ ሓንቲ ካብዚኤን ተዛራብቲ ትግርኛ ትውክል ። ህግደፍ ንተዛረብቲ ትግርኛ ብሔር ትግርኛ እኩም ክብሎም እንከሎ ዋላ ሓደ ቓል ዘውጸኤ ኣይነበረን ፣ ብፋላይ እዞም ኣብ ስደት ዘሎና ። እቲ ክልዓል ዝነበሮ  ተቓውሞ ፡ ንሕና ተጋሩ ኢና ፣ ትግርኛ ከኣ ቛንቛና እዩ ክብሉ ነይሩዎ ዶ ? ብወገነይ ሓደ ተዛራቢ ትግርኛ ፡ ኣነ ትግራዋይ ኤርትራዊ እየ ክብል ጸገም ዘሎዎ ኣየምስለንን ። እቲ ኣብ ደቡብ ዘሎ ተዛራቢ ትግርኛ ከኣ ትግራዋይ ኢትዮጵያዊ ክብል ይግባእ ። ስለዚ መንነት ትግራዋይ ፣ ዜግነት ከኣ ኤርትራዊ ካብዚ ንላዕሊ ፍታሕ እንተሎ ከኣ ይገለጽ ።  እቲ ጸገም ዝመጽእ ዘሎ ካብዚ ሓሊፎም እቲ ኤርትራዊ ዜግነት ትሽዓተ ብሔራት ዝውክል  መሽሮ እዩ ክጠፍእ ኣሎዎ እናበሉ ዝሰብኹ ገለ ተዛረብቲ ትግርኛ ብክልቲኡ ወገን ምህላዋም እዩ ። ንኣብነት ጋዘጣኛ ዮሴፍ ገ/ሂወት ዝብሃል ኣብዘሓለፈ ወርሒ ኣብ ሆላንድ ተገይሩ ኣብ ዝነበረ ናይ ብሩህ መጻኢ ኮንፈረንስ ክዛረብ እንከሎ ፡ “ ኣነ 99% ካብ ሚእቲ ይድግፈኹም፣ እታ 1 % ግን ክሳብ ተጋሩ ኢና ዘይብልኩም ክዕቁባ እየ ክብል ተዛሪቡ ፣ ኣብ ካልእ ቪድዮ ከኣ “ ሓደ ህዝቢ እንተኾይና ሓደ ስም ክህሉወና ኣሎዎ ይብል ። “ ተጋሩ ኢና ንሕና ፣ምስቶም ኣብ ትግራይ ዘሎዎ ሓደ ሕብረተሰብ ኢና ይብል ። ካብዚ ቀጺሉ እውን ስረ ኣቦታትና ክይንከስር ፣ ናይ ኣቦታትና ሕልምን ራእን ተግባራዊ ንምግባር እላቦ ይብል ‘። ቀጺሉ  ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ምንባሩን ዘይንባሩን ዘየረጋገጽና ፡ ዓብደል ቓድር ከቢረ ዓዱ ዘይንፈልጦ እናበለ ብሕርቓን ክምትር ኢሉ ክምድር ይስማዕ    

                      ስልዚ ዮሴፍ ገብሪሂወት ጋዜጠኛ ነቲ ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ ሓደ ንምግባር ጥራሕ ዘይኮነ  ንኣመንቲ ምስልምና ኤርትራውያን ኣይኾኑን እዩ ዝብለና ዘሎ ።እዚ ዝርእየና እቲ ትምክሕቲ ናይ ገለ ተዛራብቲ ትግርኛ እዩ  ። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ሰላም ክመጽእ ዘይክእል ዘሎ ክምዚኦም ዘኣመሰሉ ጸበብቲ ፍጥረት ነዚ ሕብረተሰብ ክህውክዎ ይርኣዩ ኣሎው ።  

                      ኣብ መወዳእታ

                      ኤርትራዊ ዜግነት ብሓርቓንን ቁጠዔን ናይ ሓደ ብሔር ይኹን ወልቀሰባት ዝፈርስ ኣይኾነን ። ምኽንያቱ ውጺኢት መስዋትነት ናይ ህዝባዊ ቓልሲ እዩ ። ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዘሎዎ ደልሃመት ክወጽእ ፕሮፓጋንዳ ናይ ሓደ ክልተ ሙሁራት ኢና በሃልቲ ዘይኾነስ በቶም ቁኑዓት ደቂ ካብ ረክሲ ኣውራጃውነት ነጻ ዝኾኑን ፣ ካብ ናይ የማን ይኹን ጸጋም ሕሉፍነት እተገላገሉን ናይ ህዝቦም ሰላምን ብልጽግናን  ቀዳምነት ዝህቡን እዩ ።

                      ዓወት ምስ ብዙሕነት !

                      ዘለኣለማዊ ዝክሪ ንስዉኣትና !

ክብሮም ግረነት ፡

12/20/21 

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.