ውዕል ሰላም ኢትዮ- ኤርትራ ሓምለ 2018 – ውጽኢቱ ኣብ ኵናት እንታይ ምንባሩ ካብ ቃል ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ተሰሚዑ !

ውዕል ሰላም ኢትዮ- ኤርትራ ሓምለ 2018 – ውጽኢቱ ኣብ ኵናት እንታይ ምንባሩ ካብ ቃል ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ተሰሚዑ!
ዶባዊ ኵናት ኢትዮ-ኤርትራ 1998 – 2000 ዓ.ም ዝወሰዶ ሂወት፡ ዘብረሶ ንብረት ክልቲኡ ወገናት፡ ኩነታት ኵናት ዝሰረዞ መደብ መስርሕ ስርዓት ዲሞክራስን ልምዓትን፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘውረዶ ዓብይ ክሳራታት ዕንወት ማዕረ ክንደይ ከቢድ ምንባሩ ዘካትዕ ኣይኮነን። ይኹን’ምበር ኣብ’ቲ ውዕል ሰላም ኣልጀርስ 12 – 14 ሓምለ 1999 ዓም ከምኡ’ውን 18 ሰነ 2000 ዝተኻየደ፡ መፈጸምትኡ ብመራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ክታም ዘንበርሉ 12 ታሕሳስ 2000 ዝተብጽሐ ስምምዕ ሰላም ፡ ብወድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም፡ተደጊፉ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝተኣዋጀ 1ይ 2ይን ቀያዲ ብይን ዝተዋህበሉ ክነሱ፡ ንልዕሊ 20 ዓመት ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት፡ ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣይሰላም ኣይኵናት ብከንቱ ግዜ ሓሊፍዎ። መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንኣህጉራዊ ዓቓቢ ሰላም፡ ንግዚያዊ ዞባ ጸጥታት ተጻብኦ ኵናት ብምጥቃም፡ ኣንጻር ሰላም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ግፍዒ ኩሉ ዝምስክሮ’ዩ። ኣብ’ዚ ከይተዘከረን ወይ ከይተጠቕሰን ክሓልፍ ዘይግባእ ድሕሪ ውዕል ሰላም ኣልጀርስ፡ ክልተ ላዕለዎ ሓለፍቲ ህግዲፍ ዝመርሕዎ ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሃይለ ድሩዕ ወልደንትንሳኤ ዝበሎ እኹል መረዳእታ ምስክርነትን’ዩ።
ብወገን ኤርትራ፡ ህግዲፍ ድሕሪ ወሳንን ቀያዲ ብይን ቤት ፍርዲ፡ መስርሕ ዲሞክራስን ልምዓትን፡ ምስ ጉዳይ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተኣሳሰር ማሕበራዊ ለውጢ ንምትእትታው ዝሃቦ መብጽዓታት ጠሊሙ ምስ ምቁራጽ ተጻብኦታት ኵናት ውዕል ኡጋድኡ፡ ብኩራት ኵናትን ህግዲፍ ቀጥ’ሉ ዲክታቶራዊነቱ ሒዝዎ ንረብሓ ስልጣኑ ብርኡይ ቀጸለ። በዚ ምኽንያት ከኣ ሃገራዊ ቁጠባ ተረመሰ፡ ማሕበራዊ ዝምድናታት ተበጣጠሰ፡ መጻኢ ወለዶን ብቑዕ ሰብኣዊ ሓይሊ መንእሰይ ተስፋ ዘቁረጸ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተወሲኽዎ፡ ጠንቒ ስደት ዝኾነ ዲክታቶሪያዊ ምሕደራ ህግዲፍ መዕገቲ ዘይብሉ ብግልጺ ተራእየ። ፖለቲካዊ ጸጊዕነት ዘይብሉ ግዜን ቦታን ምድረበዳታት ሲናይን ሊብያን ማእከላይ ባሕርን ላምፐዱሳን ከኣ ንዘይጠፍእን ዘይሃስስን ታሪኻዊ ምስክርነት ኤርትራዊ መንእሰይ ኩሉ ግዜ ኣለዉ።
ህዝቢ ኤርትራ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ኣብ ከቢድ ሻቅሎት ሃገር እንከሎ፡ ውድቐት ማሕበረ ቁጠባዊ፡ ፍትሕን ሕግን፡ ወጻኢ ዲፕሎማስያዊ ፖለቲካዊ ዝድምናታት እገዳ ድሕሪ እገዳ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ተፈጸመ። ስደት ኤርትራውያን ኣብ ዓለም ኣብ ዝተጋህደሉ ”ጥፍኣት መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ” ፍሉይ ጸብጻብ ሽማግለ ልኡኽ ው/ሕ/መ ተወሲኹ ንልምሰት ዘምርሕ ዝነበረ ምሕደራ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓድሽ ለውጢ ምቅይያራት ተራእየ። ኮሌነል ኣቢይ መራሒ ዲ.ፈ.ሪ. መንግስቲ ኢትዮጵያ ብግዚያውነት ኣብ ስልጣን ተመረጸ። ኮሌነል ኣብይ ኣብ ስልጣን ዝመጸሉ ሃንደበታዊ ፍሉይ ተርእዮ ፖለቲካዊ ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ ጸዋዒት ሰላም ተሰምዐ። ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝኸደ ዝሕቱል ዝምድናታት ክልቲኤን ሃገራት ኣብ ውዕል ኣልጀርስ ዝተመስረት ስምምዕ ምስ ተቓልሐ፡ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣህጉራዊ ህዝብረተ ሰብ ዓለም፡ ሓደ ኣውንታዊ ምዕባለ ሒዙ ክመጽእ ይኽእል እዩ ብዝብል ግምታት ብዙሕ ደገፍ ረኽበ።
ጸዋዒት ሰላም ግን ከም’ቲ ህዝብናን ዓለም ዝተጸበዮ ፖለቲካዊ ለውጥን፡ መስርሕ ሰላም፡ ምዕሩይ ክልተኣዊ ዝምድና ማሕበራዊ ፍትሒ ሒዙ ክስጉም ዘኽእል፡ ተስፋ ዝህብ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ እቲ ብዕለት 8 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ብ14 ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ጽምብል መስርሕ ሰላም ርክብ ክልቲኡ መንግስታት፡ ተጻይ መጻኢ ዕድል ህዝብን ተጻይ ክልቲኡ ሃገራት ንህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ብኣሉታዊ ታርጌት ዘነጻጸረ ወስታት ምንባሩ ንድሕሪ ተመሊሳካ ዝተባህለ ኩሉ ሕጂ ምድጋሙ ኣድላይነት የብሉን።
ይኹን’ምበር ሎሚ ብድሕሪ ዕለት 4 ሕዳር 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተባርዐ ኵናት ኣሉታዊ መድረኽ፡ ብዕለት 30 ሕዳር 2020 ኣብ ፈነወ ቲቪ ኢትዮጵያ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ዝተመሓላለፈ ኣኼባ ኣባላት ህዝባዊ ቤት ምኽሪ ኢትዮጵያ ዝቀረበ መደረ ቀ/ሚ ኮሌነል ኣብይ ኣሕመድ ውዕል ስምምዕ ሰላም 8 ሓምለ 2018 ምስ ኤርትራ እንተዘይነብር ዝብል፡ ቃል ብቃሉ ህግዲፍ ”ን ዝዓረቑ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝኸደነ፡ ንዝጠመዩን ዝጸምኡን ዘዕንገል ህዝቢ እንተዘይህሉን፡ ሎሚ ከም’ዚ ኢልና ክዛረብ ኣይምስበቃዕናን ” ክብል ንውዕል ሰላም ውዕለት ህዝቢ ኤርትራ ትጽቢቱን ብኵናት ገለጾ። ነዚ ኣዝዩ ዘሕዝን ተርኽቦ ሰላም ብውዕለት ኵናት ክዝረበሉ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ኵናት ንኵናት ዝተሰጋገረሉ መድረኽ፡ መድረኽ ጥፍኣትን ብረሰትን እምበር ንዝሓለፈ ሂወቱ ዘደዓዕስ፡ ተስፋ ዝሰኵዕ ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ብዓወት ዝተጓነጸፈሉ ብዘይምንባሩ እዚ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና፡ ካብ ቃል መራሒ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ኮሌነል ኣብይ ኣሕመድ ዝተባለ እዩ።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ’ዚ መድረኽ ሰለስተ ሕጋዊ ጥሕሰት ተፈጺሙ ኣሎ። ቀዳማይ ልዑላውነት ኤርትራ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተደፊሩ፡ ካልኣይ ኣብ’ዚ ክልተ ዓመት ክዝረበሉ ዝጸንሐ ስምምዕ ሰላም ኣህጉራዊ ውዕላት ኣብ’ዚ መድረኽ ልምዓት እምበር ዶባዊ ውዕላት ብቀዳምነት ክዝረበሉ ከም ዘይክእል ውዕል ሰላም ኢትዮ- ኤርትራ ሓምለ 2018 – ውጽኢቱ ኣብ ኵናት እንታይ ምንባሩ ካብ ቃል ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ተሰሚዑ!

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ኣብ’ዚ ብውሑዱ መድረኽ ኣርባዕተ ሕጋዊ ጥሕሰት ተፈጺሙ ኣሎ።
ቀዳማይ
ልዑላውነት ኤርትራ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተደፊሩ፡
ካልኣይ
ኣብ’ዚ ክልተ ዓመት ክዝረበሉ ዝጸንሐ ስምምዕ ሰላም ኣህጉራዊ ውዕላት ኣብ’ዚ መድረኽ ልምዓት ክዝረበሉ ወይ ቀዳምነት ዝውሃቦ ጉዳይ ኣይኮነን ክበሃል ድሕሪ ምጽንሑ፡
ሳልሳይ
ብኣህጉራዊ ሕጊ ዝቆመ ውዕል ዞባ ጸጥታ security zone ተጣሒሱ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣትዩስ፡ ብስም ስምምዕ ውዕል 8 ሓምለ 2018 መነየትን መላገጽን ኮይኑ ኣብ ኢትዮጵያ ክዝረበሉ ሰሚዕና፡ ብውክልና ህዝቢ ሃገር ኤርትራ ግን ብዘይካ ደላይ ፍትሒ ዝህብና፡ ንምልካዊ ምሕደራ ህግዲፍ ብዝውክል ወገን ክሳብ ሕጂ ሓንቲ ቃል ’ኳ ትኹን መገለጺ ኣይተረኽበን ጥራሕ ዘይኮነስ ዓለም ዝተዛረበሉ ምስጢር ዕዳጋ ህግዲፍ ኣስቒጡ ይሓልፎ ኣሎ።
ራብዓይ
ህዝቢ ኤርትራ ብዘይድሌቱን ፍቃዱን ኣብ ዘይድልዮ ኵናት ተጸሚዱ ውሉዱ ንኵናት ክወፍሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ዶብ ሰጊሩን ጥሒሱን ንኤርትራ ዝኣተወ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብእስገዳድ ማይ ከስትዮን ክቅልቦን ተገዲዱ ገይርዎ ኣከኣ። ኣብ’ዚ ጉዳይ ዘሕዝንን ዘተሓሳስብን ጉዳይ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንህዝቡ ኣጥምዩን ኣጽሚኡን ንዓመታት ንከጽዖም ከም ዘይጸንሐ ንምእንቲ ምንዋሕ ስልጣኑ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ክዕንገሉ ኣስገዳድ መምርሒ ምሃቡ’ዩ። ህዝብን መከላኸሊ ሰራዊት ዘይተዓንገለ ብኽመይ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክዕንገል ዘድሊ ንባዕሉ ዝቀርብ ለባም ሕቶ’ዩ። ምዕንጋል ጥራሕ ዘይኮነስ ብደረጃ መዓርግ ኮሌነል መራሕቲ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መራኸቢ ብዙሓት ወጺኦም ኣብ መሬት ኤርትራ ዳግማይ ስርርዕ ገይሮም ዳግማይ ኒትዮጵያ ከም ዝተመልሱ ይዛረቡ ኣለዉ። እዚ’ውን ንባዕሉ መሬት ኤርትራ ሕጋዊ ዶባት ዝጠሓሰ ምስክርነት’ዩ። ከም ኣህጉራዊ ሕጊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ኤርትራ ዝሓዞ ብረት ኣውሪዱ፡ ከም ዕቝብ ሰራዊት ብመንገዲ ኣህጉራዊ ዳንነት ወይ ቀይሕ መስቀል ንሃገሩ ክምለስ ወይ ከም ሲቪል ንሳልሳይ ሃገር ክሳገር ዝግባእ፡ ዝዓረቐ ተኸዲኑ ( ወታህደራዊ ) ተዓንጊሉን ዳግማይ ስርርዕ ገይሩ ንኵናት ክቅጽል ተገይሩ። እዚ ከኣ ህግዲፍ ብቀንዱ ተሓባባርን ተሳታፊ’ቲ ኵናት ምንባሩ ዘርኢ ምስክርነት’ዩ። እዚ ኩሉ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን መራሒኦም ዝብልዎ’ዩ። ብተወሳኺ ብወሳኔ ባይቶ ኣብ ዓንቀጽ 29 ዝሰፈረ ንመከላኸሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዝምልከት ንባዕሉ ጸረ ልዕላውነት ሃገር ኤርትራ ዝሓለፈ ውሳኔ ምዃኑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት ዲሞክራሲያዊት ፈደራላዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈቐድኡ ዝዛረብሉ ዘለዉ ጉዳይ’ዩ።
ነዚ ኩሉ ውዲት ክስዕር ዝኽእል ከኣ መተካእታ ዘይብሉ ሙሉእን ተሪርን ኤርትራዊ ሃገራዊ ህዝባዊ ሓድነት፡ ዕላማ ዲሞክራስን ማሕበራዊ ፍትሕን፡ ሕድሪ ስውኣትና፡ ነብራ ሰላምን ክልተኣዊ ዝምድናታት ዝዕቕብን ዝኣምን እዩ። እዚ ኩሉ ምርጫታት ከኣ ህዝቢ ደላይ ፍትሒ ህዝብና ኣሎ። እቶም ንሓድነት ዝጣበቑ ኣብ ውሽጦም ሓድነት እንተዘይተረጋጊጹ ከኣ እዚ ንርእዮ ዘለና ጽውጽዋይ ህግዲፍ ብሃገር ላግጺ ክቅጽስል’ዩ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ስውኣትና
ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ
ሽፋ መሓመድ ኑር
You must be logged in to post a comment.