ጽውጽዋይ ምስሓብ ኤርትራ ካብ ትግራይ፣ ግን ከኣ፡ እቲ ዶብ ኣበይ ኢዩ? ብ መስፍን ሓጎስ

ጽውጽዋይ ምስሓብ ኤርትራ ካብ ትግራይ፣ ግን ከኣ፡ እቲ ዶብ ኣበይ ኢዩ?

ብ መስፍን ሓጎስ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ብ23 መጋቢት 2021 ኣብ ኣኼባ ወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ካብ ዝሃቦ መልሲታት፡ ንተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ብወግዒ ኣሚኑ። ይኹን’ምበር፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ግዜ ክወስድ ምዃኑ’ውን ተኣሚቱ። ሰለስተ መዓልታት ድሕሪኡ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ መንግስቲ ኤርትራ ሰራዊቱ ካብ ኢትዮጵያ ክስሕብ ተሰማሚዑ፡ ሓይሊታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ድማ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዘሎ ዶብ ብቕጽበት ክሕልዎን ክቆጻጸሮን ኢዩ፡ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ። እዚ ብሳላ ሓያል ጸቕጢ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ምምሕዳር ባይደንን፡ ድሕሪ ናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣሉታ ዝተረጋገጸ ተሳትፎ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ’ዩ። እቲ መግለጺ ብዙሓት ኣገደስቲ ሕቶታት ዘልዕል’ዩ። ሓደ ካብኡ፡ ጠንቂ ግጭት ኢትዮጵያ-ኤርትራ ንዝዀነን፡ ንምዝዛሙ ወይ ምቕጻሉ ዝውስንን ኢዩ።

ዳግመ-ውደባን ምቅይያርን ከም ምስሓብ፡

ንሕቶታት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ መልሲ ክህብ ከሎ፡ ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዶብ ኢትዮጵያ ዝሰገረ መልሰ-ግብሪ ንናይ ህወሓት ምትዂቷኽን፡ ብሰንኪ ሃንደበታዊ ምድኻም ሰራዊት ኢትዮጵያ ንኤርትራ ጸጥታዊ ውሕስነት ክህብ ዘይምኽኣሉን’ዩ  ኢሉ ኣመኽንዩሉ። ኢትዮጵያ፡ ዓቕሚ ሰራዊታ ናብ ናይ ቅድመ-ኲናት ዝነበረ ደረጅኡ ዳግም ምስ ሃነጸቶ ከኣ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ከብቅዕ ምዃኑ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ወከልቲ ኣረጋጊጹሎም። እዚ ከኣ፡ ኢትዮጵያ፡ ከመይ ጌራ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት፡ ንሰራዊታ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ናብ ዝነበሮ ደረጃ ብቕዓት ኣደይባ ዶባታ ትሕሉ፡ ንኤርትራ ዘድልያ ጸጥታዊ ውሕስነት ትህብን፡ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ይትግበርን፡ ዝብል ተወሳኺ ሕቶታት የስዕብ። ኢትዮጵያ ነቲ ብዘይ ሓገዙ – እስከ ክትስዕሮስ ይትረፍ – ምዕጋቱ’ውን ዘይትኽእል ህ.ወ.ሓ.ት. ከሎ፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክስሕብ ጠለብ ከተቕርብ ኣብ ዘኽእላ ኲነት የላን። ኢሳያስ’ውን፡ ፍጹም ጥፍኣት ህወሓት ዕላማ ሒዙ ከሎ፡ ንከምዚ ዝኣመሰለ ጠለብ ኣይቅበልን’ዩ።

መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢዪ ብዛዕባ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፡ ካብ ናይ ህዝባዊ ዝምድናታት ተዋስኦ ዝሓልፍ ኣይኰነን። ምንቅስቓሳት ሰራዊት ኣብ ባይታ ከም ዝሕብሮ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብምትሕብባር መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዳግም ይውድብን፡  የደልድልን’ዩ ዘሎ። ንህወሓት፡ ብቀንዱ ከኣ ንህዝቢ ትግራይ፡ ናይ ምጥፋእን ምዕናውን ፖሊሲ ዘመተ እናቐጸለ፡ ነቲ እስሕብ ኣሎኹ ዝብሎ፡ ሓቂ ከምስል ንሰራዊቱ ብቐጻሊ ኣብ ምቅይያር ቦታታት ይርከብ ኣሎ። ቅድሚ መግለጺ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሽዱሽተ ብርጌዳት ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ መሊሱ። እዘን ብርጌዳት፡ ኣካላት ዝበዝሐ ውግኣት ናይ ዝተሳተፋን ዝዓበየ ክሳራታት ዘጋጠመንን ሰለስተ ኣጋር ክፍላተ ሰራዊት’የን። ምኽንያት ናብ ኤርትራ ምምላሰን ድማ፡ ካብ ትግራይ ንምስሓበን ዘይኰነስ ንምዕራፈንን ዝጎደለ ዓቕሚ ሰበን ምምላእ ዝዓለመን ጥራይ ኢዩ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር መግለጺ ካብ ዝገብር ንድሓር፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ትግራይን ኤርትራን፡ ሰፋሕቲ ናይ ሰራዊት ምንቅስቓሳት ከም ዘለዉ እሙናት ምንጭታት ይሕብሩ። ስለዚ ድማ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2021፡ ሓደ ብሚሊሻ ዝቖመ ክፍለ ሰራዊት ናብ ማእከላይ ኤርትራ ተመሊሱ። ሓደ ናይ ክፍለ ሰራዊት 23 ኣሃዱ’ውን ናብ ኤርትራ ምምላሱ ዝገልጽ ሓበሬታ’ሎ። ቅልጡፍ ናይ ኩነታት ምቅይያር፡ ቦታታት ወተሃደራዊ ኣሃዱታት ብልክዕን ኣብ ግዜኡን ንምግላጽ ኣየኽእልን ዘሎ። ይኹን’ምበር፡ ገለ ኣሃዱታት ናብ ኤርትራ ተመሊሰን፡ ገለ ድማ ናብ ዶብ ገጸን ቀይረንን ይዂና’ምበር፡ እቲ ሓቂስ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ትግራይ ንዝርከብ ሰራዊቱ ኣደልዲሉዎ’ምበር ኣየውሓዶን ዝብሉ ዝእመኑ ምንጪታት ሓበሬታታት ኣለዉ። እዞም ምንጪታት’ቲ ከባቢ፡ ክሳብ መወዳእታ መጋቢት/መጀመርታ ሚያዝያ፡ ”ዝተረፈ” ክፋል ህወሓት ንምድምሳስ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክሳብ 40 ሚእታዊ ካብ ሰራዊቱ ኣብ ትግራይ ኣስፊሩ ምህላዉ ይሕብሩ።

ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ትግራይ ወተሃደራዊ ግጥማት እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ። ወሰኽ ሰራዊት ኤርትራ ከፊላዊ ምኽንያት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልእ ምኽንያት ከኣ፡ ሰራዊት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምንቅስቓስ ከሎ ብህ.ወ.ሓ.ት. ብዝግበረሉ ድብያታትን ኣብ ሓደስቲ ቦታታቱ ብዝውሰድ መጥቃዕቲታትን’ዩ። ኣብ መወዳእታ መጋቢት 2021፡ ንኣብነት፡ ክልተ ናይ ክፍለ ሰራዊት 16 ተንቀሳቐስቲ ብሪጌዳት ካብቲ ንጡፍ ውግኣት ዘለዎ መታሕት ትግራይ ናብ ቢያራን ባድመን በጺሖም። እዘን ክልተ ዓዲታት ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ካብ ዘሰሓሕባ ዝነበራ’የን። ክልል ትግራይ ንኤርትራ ከተረክበን ስለ ዘይደለየት ግን፡ ክሳብ እዚ ዘሎ ኲናት ዝጅምር ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ጸኒሐን። ዋላ’ውን እቲ ዝተረፈ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብተመሳሳሊ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘሎ ዶብ ክሰፍር እንተ ደለየ፡ ልክዕ ሕንጻጽን ሕጋዊነትን ዶብ ገና ኣይተፈትሐን ዘሎ።

ዘይተፈትሐ ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን።

ድሕሪ ናይ 1998-2000 ዶባዊ ኲናት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ዶብ ክሕንጸጽ ውሳነ ኣሕሊፉ። ህ.ወ.ሓ.ት. ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመጀመርታ ነቲ ውሳነ ነጺጉዎ፡ ቀጺሉ ድማ ኣብ ኣተገባብርኡ ዘተ ኪግበር ጠሊቡ። ኢሳያስ ድማ ኩሉ ናይ ዘተ ፈተነታት ነጺጉ፡ ኣብ ክንድኡ፡ ብመሰረት ዝሓለፈ ውሳነ ኣህጉራዊ ኮሚሽን፡ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ክሕንጸጽ ብትሪ ጸቒጡ። ናይ’ቲ ዝሰዓበ ዓሰርተ ሽዱሽተ ናይ ኣይ ሰላም ኣይ ኲናት ዓመታት ዝኸበደ ጾር ከኣ ኤርትራ ተሰኪማቶ።

ኣቢዪ ኣሕመድ ብ2018 ኣብ ስልጣን ምምጽኡን፡ ንውሳነ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ብዘይ ቅድመ-ኲነት ምቕባሉን፡ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ሕነኡ ናይ ምፍዳይ ምቹእ ባይታ ፈጢሩሉ። ነቲ ጸኒዑ ኣብ ዘመነ ስልጣን ህ.ወ.ሓ.ት. ዝጸቕጠሉ ዝነበረ፡ ዶብ ኣብ ባይታ ናይ ምሕንጻጽ ጠለቡ ክንዲ ዝቕጽሎ፡ ንዕኡ ንጎኒ ኣቐሚጡን ንጎረቤቱ ክልል ትግራይ ጎስዩን፡ ምስ ኣቢዪ ኣሕመድ ናይ ሓባር ውዲት ኣለሙ። ናብ ናይ ሓድ-ሕድ ርእሰ ከተማ ምዱብ ዑደታት ብምግባር፡ ምጥፋእ ህ.ወ.ሓ.ት. ቀዳማይ ናይ ሓባር ጉዳዮም ጌረሞ ወሲደሞ። ብፍላይ ናይ ኤርትራ ፕረዚደንት፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ትግራይ ጥራይ ተወሲኑ ዝነበረ ጸላኢየይ ዝብሎ ህ.ወ.ሓ.ት፡ ውልቃዊ ሕነኡ መታን ክፈዲ ንጥቕሚ ሃገሩ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሰሪዑዎ።

ዋላ’ውን ምድምሳስ ህ.ወ.ሓ.ት. ነዞም ክልተ መራሕቲ ናይ ሞትን ህይወትን ጉዳይ እንተ ዝነብር፡ ጥቕሚ ኲናት ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱዩ። ዋላ’ኳ ዘይተፈጸመ እንተ ኰነ፡ ወያነ ተደምሲሱ ኢልና እንተ ደምዲምና፡ ሎሚ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ዲና ዘሎና? ካብዚ ኩሉ ህልቂትን ናይ ወለዶታት መቕዘፍትን፡ ውሑድ ክፍሊትን ገለ ኣገባብ ማእከላይ ስምምዕን፡ ወይ እንካ ሃባ፡ ተገይሩ እንተ ዝነብር ክሳብ ክንደይ ጠቓሚ ምዀነ? እዚ ሕቶታት’ዚ ነቲ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ማዕረ ተዋሳኣይ ዝዀነ ህ.ወ.ሓ.ት’ውን ዝምልከት’ዩ።

መደምደምታ

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጉዳይ ዶብ ገና ኣይተፈትሐን። ዶብ ኣብ ባይታ እንተ ዘይተሓንጺጹን ጉዳይ ዶብ ሓንሳእን ንሓዋሩን እንተ ዘይተፈቲሑን፡ ግጭት ኣብ መንጎ ሃገራት ብቀጻሊ ክነቱግ ይኽእል’ዩ። ስለ ዝዀነ ከኣ፡ ጉዳይ ዶብ ናብ ቀዳምነት/ቅድሚት ክምለስን ቀዋሚ ፍታሕ ክረክብን፡ ንኣሜሪካ፣ ንሕብረት ኣውሮጳ፣ ንሕብረት ኣፍሪካን ሕቡራት ሃገራትን ኣገዳሲ’ዩ።  ምፍታሕ ምስሕሓባት ኣብ መንጎ ህሉዋት ይኹን ድሕሪ ሕጂ ንዝመጹ መንግስታት ይኹን ካልኦት ተዋሳእቲ ክልቲኦም ሃገራት፡ ኣዝዩ ልዑል’ዩ። ከምዚ ንፕረዚደንት ኢሳያስ (ወይ ዝስዕቡ ናይ ክልቲኦም ሃገራት መራሕቲ) ብክልቲኦም ወገናት ብሓባር ዝጸደቐን ብንጹር ዝተለለየን ኣህጉራዊ ዶብ ንምስጋር መመኽኔታ ኣይህቦምን’ዩ።  ኣብዚ ህሉው ዶባዊ ምስሕሓብ ወይ ግጭት፡ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ብዘይ ሓባራዊ ስምምዕ ብንጹር ዝተሓንጸጸን ኣብ ባይታ ዝተመልከተን ዶብ፡ ትርጉም ኣይህልዎን’ዩ። ብተመሳሳሊ’ውን ሕቶ ምትሕግጋዝ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሃገራት።

ለበዋታትና

መጀመርታ፡ ህሉው ኲናት ትግራይ ብቕጽበት ከብቅዕ። ተዓዋቲ ዘይብሉ ኲናት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብኡ ዘብጽሑ ሕቶታት’ውን ብዘተ ክፍትሑ ስለ ዝኽእሉ። ስለዚ፡ እዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ነጥቢታት ቀልጢፎም ክትግበሩ የድሊ፦

  1. ብሳልሳይ ኣካል ዝረጋገጽ ቅጽበታዊ፡ ምሉእን፡ ዘይቅድመ-ኲነታዊን ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ፣
  2. ብኣህጉራዊ ተዓዘብቲ ዝረጋገጽ ቅጽበታዊ ምቊራጽ ተጻብኦታት፡ ምኽፋት መስመራት ሓገዝ ነቲ ብኲናት ዝተጸልወ ከባቢታትን፡ ምርግጋጽ ድሕነት ሲቪላዊ ህዝብን ስደተኛታትን፣
  3. ህጹጽ ምምልካት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣
  4. ፖለቲካዊ ዘተ ኣብ ኩሎም መዳያት ናይቲ ግጭት፡ እንኰላይ ኣብ ዝምድናታ ትግራይ ምስ ኤርትራ፣
  5. ናጻ ምጽራይ ንኩሎም ኣብ ትግራይ ተፈጺሞም ዝብሃሉ ገበናት ኲናትን፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን።

ብዛዕባ ነዚ ኣብ ምትግባር ከጋጥም ዝኽእል ጸገማት ዘይጭበጡ ትጽቢታት የብልናን። ባህሪይ ናይቲ ግጭት፡ ህሉው ኪዳን ረብሓታት፡ ብኩሎም ዝግበር ደረጃ ዕቤት ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ወፍሪታት (እንኰላይ መጠንን ዓቐንን ወፍሪታቶም)፣ ልዕሊ ኩሉ ድማ ህልኻዊ ባህሪይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ምስሓብ ሰራዊት ኤርትራ ዘበርክቶ፡ ምህሙን ተስፋ’ዩ። እዚ እንተ ኮይኑ ከኣ ክኸውን ዝኽእል ምርጫ፡ ምቕጻል ናይዚ ኣሰቃቒ ኲናት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ክስዕብ ምስ ዝኽእል ዝኽፍአ ስቓይን፡ ዞባዊ ዘይምርግጋእን’ዩ። ጽልዋ ኲናት ትግራይ፡ ኣብቲ ዞባ ዘሕደሮ ስምብራት ርኡይ ኰይኖ’ሎ። ገና ከኣ ዝዓበየ ሓደጋ የንጸላሉ’ሎ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እዚ ግጭት’ዚ ክቕጽል ከፍቅድ ኣይግባእን። ሰራዊት ኤርትራ ክስሕብ ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም፡ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን፡ ውሁድን ቀጻልን ጸቕጢን፡ ብናጻን ኣህጉራዊን ኣካል ዝረጋገጽ ቅጥዒታት ዝትግበር፡ ቅጽበታዊ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ። እዚ ኣወንታዊ ጸቕጢ ንሰላም’ምበር ምትእትታው ኣይኰነን። ክልቲኦም መንግስታት፡ እቲ መልእኽቲ ጽኑዕን ንጹርን ምስ ዝኸውን፡ ከምዚ ዓይነት ጸቕጢታት ዘይስምዖም ከም ዘይኰኑ ንፈልጥ ኢና።  

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.