ንኣጀንዳ ኢሳያስ ኣፈወቂ ንምፍሻል ንሓድነት ዋጋ ምኽፍል ብክብሮም ግረነት

ንኣጀንዳ ኢሳያስ ኣፈወቂ ንምፍሻል ንሓድነት ዋጋ ምኽፍል

                       ኢሳያስ ኣፈወርቅን ህግደፍን ሕልምታቶም ግብራዊ ንምግባር ፣ከምኡ እውን  ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ፡ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓለም -ለኻዊ ዶብ እናጠሓስካ ኹናት ወዲ ኹናት ፣ ምእሳር ፣ምቅትልን፣ ምጭዋይ ፣ ንኩሉ ሂወት ዘለዎ ፍጡር ንምጥፍእ እስትራተጂ ሓንጺጾም ብቀጻልነት ኣብ ስራሕ ይርከቡ ኣሎው። ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣዊጁዎ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኹናት ተመሊሱ ክልብልቦ ምዃኑ ግዜ ዝፈርዶ ጉዳይ እዩ ። ኤርትራውያን ወለዲ ብሞት ደቅኩም ዘይተሓቱ እንትኾይንኩም ምንባር ዘይተርፈኩም ። መንእሰያት ደቅኹም ኣብ መሬት ትግራይ ኮንቱ ዝኮነ መስዋትነት እናኸፍሉ ዓገብ ህግደፍ ደቅና ምለሰልና ክትብሉ ኣይከኣልኩምን ።ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንዝኮነ እተወልደ ቆልዓ ኣብ ኤርትራ ክምናቱ ወልቓዊ ንብረት ፡ ክሸጦን ክልውጦን ከም ዝክእል እዩ ዝፈልጥ ። ሓደ ግዜ ሓንቲ ኣደ “ እዚ ግፋስ ምዓስ ክተቛርጽዎ እኹም ኢላ ምስ ሓተቶ “ ንስኪ ምላድ ምስ ኣቛረጽኪ ክብል መሊሱላ “ይብሃል። እንተ እቶም ከም ኣምላክ ዝርእዩዎ ድገፍቱ ፣ ኣብዚ ሕጂ ዘሎናዮ መድረኽ፡ ክርድኦም ዘይክእል ፣ ሕልና ዝጎደሎም ፍጥረት ፣ኣምላክ ነቲ ዝሃቦም ሕዋሳት፣ ብፍላይ ዓይኒ ፣ እዝንን ልብን ፡ብግቡእ ክጥቀሙሉን ክዋሱኡሉን ፍርዲ ክህቡሉን ፣ ኣምላክ ብርሃን ከውርደሎም ኩሉና ብሓባር ንጸልየሎም ።   

                      ኢሳያስ ኣፈወቂ ዝርድኦ ናይ ሓይሊ ስነ ሞጎት ጥራሕ እዩ ። ፈራሕን ዓቅሚ ዘይብሉ ስለ ዝኾነ ፣ ኩሉ ግዜ ምስ ካልኦት ተሻሪኹ ጥራሕ እዩ ድልየቱ ተግባራዊ ዝገብር ። ኣብ መጅመርያ 70ዓታት ሰልፊ ነጻናት ምስ ፈጥረ ፡ ዓቅሚ ስለ ዘይነብሮ ናብ ህዝባዊ ሓይልታትን ዑበልን ተጸጊዑ ግምባር ፈጢሩ ኹናት ሕድ ሕድ ከሰላስል ድሕሪ ምጽናሕ ፣ ኣብ 1976 ከኣ ነቶም ዓንገልቱን መወልቱን ዝነበሩ ህሓ ናይ ውጻኢ ጉዳይ ዝነበሩ ሸዊዱ ፡ ህግሓኤ ክምስረት በቂዑ ። ኣብ መጀመርያ 80ታት ከኣ ከምቲ ኣብ ንሕናን ዕላማናን “ዓማ” ከትሓቅቅ እያ ክብል ዝተነበዮ ፡ ንተሓኤ ንምሕቓቅ ምስ ህወሓት ተሻሪኩ ብዙሓት ኤርትራውያን ሰንኪሎምን ተሰዊኦምን እዮም፡ ንሜዳ ኤርትራ ከኣ ንበይኑ ብሒቱዎ። 

                      ኢሳያስ ኣፈውርቂ ብ1998 – 2000 ኣብቲ ባዕሉ ንህወሓት ዝለገሰሎም መሬት ባድመ ኹናት ወሊዑ ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ወራራት በቶም ተመክሮን ክእለትን ዝነበሮም ጀነራላት ተመሪሑን ተዓዊቱን እዩ ። ኢሳያስ ኣፈውርቂ በዚ ዓወት ናይዞም መቓልስቱ ክእለትን ብቅዓትን ቀኒኡ፡ ከምቲ ናታቶም ክእለት ከምዘለዎ ከመስክር ክብል ሳልሳይ ወራር ባዕሉ ክመርሕ፣ ነቶም ክእላታት ጀነራላት ኣደስኪሉዎም እዩ ። እቲ ኹናት ከኣ ህወሓት ኹናት ክትጅምር ምዃና እናተነገረ ኾነ ኢሉ ስለ ዘይተኸታተለ ወያኔ ብታሕተዋይ ወገን ባድመ ብታንክታት ዘይኮነስ ኣእዱግ ኣምሪሓ እያ ግምበር ባድመ ዘፍረሰቶ ፣ ኢትይጵያ ከምዝሰዓረት ሃገር 25 ክሜ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ወሕሃ ክሰፍሩ  ጠሊባ  ። ከንደይ ህዝብን ንብረትን ተሰዲዱን ዓንዩን እዩ ። ኣብታ ግዜ ኢቲ እዩ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ማሕዩር ክኣቱ ዝነበሮ

                      ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ፣ ኤሳያስ ኣፈውርቂ ብስዕረት ባድመ ክሳቀ ጸኒሑ ። ትብዓትን ዓቅምን ነይሩዎ እንተ ዝኾውን ፡ ኣብ ዝኮነ ህዝባዊ ብዓላት ጃንዳ ወያኒ ከይበለ ፡ ኩናት ገይሩ መሬቱ ክመልስ እንተ ዝክእል ጅግና ምተባህለ ። እዚ ግን ክሳብ ኮረነል ዓቢይ ኣሕመድ ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ዝሕዝ ተጸቢዮ ፣ እነሆ ብዕለት 10/4/2020 ምስ ስራዊት ኢትዮጵያ ናይ ሓባር እስተራተጂ ኣውጺኡ ፡ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንምጥፋእ ፡ ንምድሳስ ፡ ንሞዕናው ፡ ልዕሊ ቅርጽን ትሕቲ ቅርጽን ፡ ተካላት ልምዓት ከይተረፈ ንምዕናው ተታሒዙዎ ይርከብ ። እዚ ኩሉ ጥፍኣት ንህዝቢ ትግራይ ዝግብኦ ኣይነበረን ።

                      ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዚ ኩሉ ክገብር ዘፍቀድናሉ ንሕና ኤርትራውያን ኢና ። ምኽንያቱ ኣብ ስደት ዘሎና ኤርትራውያን ሓደ ራኢ ዘሎዎ መራሒ ወልቀ ሰብ ይኩን ወይ ፖለትካዊ ውድብ ካብ መንጎና ክንፈጥር ኣይክኣልናን ። መራሒ ዝብሃል ነዚ ኩሉ ተበታቲኑ ዘሎ ህዝቢ ናብ ሓደ ክጥርንፍ ዝክእል እተዛረቦ ብተግባር ዘርኢ፣ ዕውት ዝኾነ ፡ ሓቂ ክዘረብ ዘይፈርሕ ፡ ካብ ዝኮነ ድሑር ዝምባሌታት ነጻ ዝኮነ ፡ ናይ ርሕቅን ቀረባን ራኢ ዝውንን ህዝቢ ኤርትራ ከም ናቱ ከይሩ ተቀቢሉ ክስዕቦ ዝገበር ሰብ እዩ  ። መራሕቲ ዝኾኑ ሰባት ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ምስ ባህርያት ወዲ ሰብ ዝከዱ ጠባያት ኣሎዎም ፡ብተፈጥሮ ዝወሃቦም  ናይ ምዝራብ ፍሉይ ክእለት ኣሎ ፡ ናብ ህዝቢ ክወርድ እንከሎ ብዝያዳ ተቀባልነት ስሕበትን ዘሎዎ  ። እቲ ዝበዚሕ ግን ምስ ዕድሜን ተክሮን ተጸሪቡ ዝምዕብል ናይ ምምራሕ ክእለት እዩ ። መራሒ ራኢ ዝውንን እንተ ኮይኑ ነቲ ክብጽሖ ዝደሊ ዝኾነ ይኹን ደው ከብሎ ዝክእል ሓይሊ የለን  ። ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሉ ምሕላፍ ዝክልክሎ ዘሎ ኹርባን ጎቦን ሩባን ናይ ሕብረተሰብና ሕማማት ኣሸጊሩኒ ኢሉ ደው ክብል ዘይኾነስ ነዞም ሰብ ዝፈጠሮም ተጻብኦታት ተጠዋውዩ ክሰግሮም ኣሎዎ እምበር ተስፋ ቆሪጹ ደው ክብል የብሉን ።

                      እቲ ሽግር ኾይኑ ዘሎ፣ ዝኮነ ሰብ ፍልጠት ኣሎዎ ዶ የብሉን ፡ ዓቅሚ ኣሎዎ ዶ የብሉን፡ ብዘየግድስ ሓንቲ ህድሞ ንበላ ወይ ኣግነት ኣብ ሓንቲ ኩጆት ሰሪሑ ኣይትቅረቡኒ “ኣብ መጎኹም ኣእቲኹም ክትሕቁቁኒ ኣይድልን “ ክብል እንክሎ ፡ ንሱ እታ ዝደልያ ክሳብ ዝረክብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምጽናት ክበጽሕ ንኡኡ ሓላል እዩ ። ኣብዚ ዘሎናዮ ክፍለ ዘመን ክምቲ ዓቢይ ዓሳ ንንእሽቶይ ክውሕጦ ዝርኤ Merger and Acquisition (ምጽንባርን ምግዛእን ) ዝብሃል ስለ ዘሎ፡ ወይ ምጽንባር ኣሎ ወይ ከኣ ምሻጥ ፡እዚ ከኣ ሂወት ወይ ከኣ መነባብሮ ናይዚ ዘሎናዮ ግዜ እዩ። እሞ ከ ደኣ እዘን ኩለን ህድሞታትን ኣግነታትን በብዘሎናዮ  ንቁም እንተ ተባሂሉ ንኢሳያስ ኣፈወርቂ ዕድሜ ይሃብካ እቲ እትገብሮ ዘሎካ ዝፈጥረልና ቓንዛ የለን ቀጺሎ ንብሎ ኣሎና ።

                      ስለዚ ኢሳያስ ኣፈውርቂ ዕምሩ ክሓጽር ዘሎና ኣጋጣሚታት ተጠቂምና ሕድገታት ገርና ነቲ እንብህጎን እንደልዮን ሓድነት ሂወት ንሃቦ፣ ነደልድሎ ።እቲ ናይ ጽባሕ ንጽባሕ ንግደፎ ። ሕድገታት ዘይግበረሎም ኣካላት እንተ’ሎው እዞም ብሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዘይኣምኑን ፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ከዳኪሙ ዓንገረር ክብሉ ዝውዕሉ  ። ነቶም ኣብ ተጋድሎና ሂወቶም ዝከፍሉ ጀጋኑ ሽፍታ ክብሉ ዝውዕሉ ዝምልከት ኣይኮነን ። ንኤርትራን ኤርትራውነት ባሕጒጉ ኮቶ ካልእ እትፍጠ ሃገር የለን ።

                      ንሓድነት ዋጋ ምኽፋል ኣብዚ ጌዚ ማለት እቶም ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዘሎና ኤርትራውያን ካብቲ ተሓቢእናሉ ዘሎና በዓቲ ወጺእና ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ድምጽና ነቲ እናዓበየ ዝመጸ ዘሎ ድምጺ ፍትሒ ዓውታ ክውስኸሉ ብሞራን ነዋትን ዝክፍል ዋጋ እዩ ኣቲ ካብ ፍርሒ ዝብግስ ዝምታ ተቆጻጽሩዎ ዘሎ ሓንጎልና ነጻ ነውጸኣዮ ። ብዙሓት ኤርትራውያን ንስርዓት ኢሳያስ ኣብ ገገዞኦም ሓመድ ክስሕኑዎ እንከለዎ ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒታት ክቓወሙ ሞራል ተሓሪምዎም ሱቕታ መሪጹም ኣሎው ። እቲ ዝምታ መሰረቱ ካብ ፈርሒ ዝተላዕለ እዩ  ። ኣብ ገለ እዋን ዝምታ እውን ከም ክሕደት ክቆጽር ይኽእል ።  ከም ኣባሃህላ ማርቲን ሉተር ኪንግ “ These comes a time when silence is betrayal”  ክብል ይገልጾ ። ነዚ ጥቅሲ እዚ ዘራግዶ እዚ ዝስዒብ ፍጻሜ ተመልከት ።

                        Nikita Khrushev ሓደ ካብቶም ፍሉጣት ዲክታተርስ ዓለምና ነይሩ ። ንሱ ብዕለት 3/15/1894 ተወሊዱ ፣ ብዕለት 9/11/1971 ከኣ ዓሪፉ ። ሓደ ካብቶም እሙናት ሰበ ስልጣን ናይ Joseph Stalink ከኣ ነይሩ ።ኒኪታ ክሩቸፍ  ኣብ ካልኣይ ኹናት ዓለም ኣብ ኩሉ ግምባራት ብዝተፈላላየ መዓርክ ኣገልጊሉ ። ድሕሪ ሞት ጆሰፍ ስታሊን ከኣ ካብ 1953-1964 ናይ ሶቭየት ሕብረት መራሒ ኾይኑ ኣገልጊሉ  ስለዚ ኣብቲ ናይ ዳርጋ 30 ዓመታት ናይ ጆሰፍ ስታሊን ስልጣን ዝሞቱን ዝሓቀቁን ዳርጋ 40 ሚሊዮን ዝኾኑ ወተሃደራትን ገባርን ብመጠኑ ኣፍልጦ ነይሩዎ ይብሃል ።  

                      ኣብ 1959 Nikita Krushev ኣብ ኣሜሪካ ምብጻሕ ፈጺሙ ነይሩ ።ከምቲ ንብዙሓት መራሕቲ ዝግበር፣ ኣብ ዋሽግንተን ዲሲ ዝርከብ Press Club ዝብሃል ዕድሜ ተገይሩሉ ነይሩ ። መደርኡ ምስ ወደኤ ኽኣ ካብቶም ተዓዲሞም ዝነበሩ ዳርካ 500 ዝኾኑ ምሁራን ናይ ሕቶን መልስን ግዜ ምስ ተጀመረ  ፡ እታ ቀዳመይቲ ሕቶ በቲ ቶርጓሚ ዝቀረበትሉ “ ሎሚ በቲ ሕማቅ ተግባራት ናይቲ ቅድሜኻ ዝነበረ መራሒ ተዛረብ ኣሎኻ ፣ ንስኻ ኣብቲ እዋን እቲ ሓደ ካብቶም ናይ እስታሊን ናይ ቀረባ ሓገዝቱን ኣዕሩኽቱን ነርካ ፣ እንታይ ኢካ ትገብር ነርካ እዚ ኩሉ ግዜ ትብል ነይራ ?” ኩሩሸቭ  እዛ ሕቶዚኣ ምስ ሰምዔ ፣ዓይኑ ቀይሑ  “ ድምጹ ከም ኣንበሳ ዓው ኣቢሉ “ መን እዩ ነዚኣ ዝሓተተ “በሎም ። ኩሎም እቶም 500 ዝኾኑ ተሳተፍቲ ርእሶም ኣድነኑ ። እንደገና መን እዩ ክብል ሓተተ ። ሕጂ እውን ሱቅታ እምበር ድምጺ የለን ። “ እምበኣር ኣነ እውን ከምኡ እየ ዝገብር ዝነበርኩ ክብል መሊሱ “ ይብሃል ።    

                      ስለዚ እዞም ኣብ ደገ ዘሎና ኤርትራውያን ፍርሒ ኣውጊድና ብሓበር ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ዲሞክራስን ክሰፍን ብዕቱም ክንቓለስ  ኣሎና ። ዕንደራ ናይ ጉጂለ ህግድፍ መወዳኣታ ክህሉዎ ኣይኮነን ። ሱቅታኻ ምስባር መዳርግቲ ንሂወት ዝክፍል ዋጋ ኣይኾነን ። ነቶም ድምጾም ተዓጽዩ ዘሎ ፣ ኣብ መዓስክራት ስደትን ኣብ ግምባራት ኹናት ዘለዉ ኤርትራውያን ዓቢይ ተስፋ ይኾኖም እዩ ። ካብ በዓትና ንውጻእ ፡ ንወደብ ፡ ንንቓሕ ፡ ንሳተፍ ፡ እዚ ህግደፍ ጅሚሩዎ ዘሎ ኹናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ናይ መወዳእታ ዕድሜኡ ዝሕጽር  ክንገብሮ  ኩሉና ንሓድነት ንበገስ !

                      ኣምላክ ኤርትራ ሃገርና ይባርኽ ! ሰራዊትና ዕሱብ ኣይኾነን ፣ ሰራዊትና ኣራዊት ኣይኾነ ፣ ሰራዊትና መራሕቱን ወለዱን ንዓመታት ዝበደሉዎን ዝከሓድዎን ውጽዕ መንእሰይ እዩ ።

ዘለዓለማዊ ሕወትን ክብርን  ንስውኣትና !

ክብሮም ግረነት ( ውልቓዊ ርእይቶ)

2/2/2021

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.