ብምኽንያት መበል 46 ዓመታት ምምስራት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ

ብምኽንያት መበል 46 ዓመታት ምምስራት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ
ብፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝቐረበ መልእኽቲ
ዝኸበርካ ዶር ደብረጽየን ገብረሚካኤል
ፕረዚደንት መንግስቲ ክልል ትግራይ፥
ዝኸበርክንን/ዝኸበርኩምን ወከልቲ ህዝቢ ትግራይ፥
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ፤
ህዝቢ ትግራይ፣ ክብሩን ብሄራዊ መሰሉን ከምኡ’ውን ክብርን መሰልን ኩሎም ውጹዓት ኣህዛብ ኢትዮጵያን ንምርግጋጽ፣ ከይተሓለለ ዝተቓለሰ ህዝቢ ምዃኑ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ ኢዩ። እዚ ኣብ ለካቲት 1975 ዓ.ም.ፈ ዝተበገሰ ውድብካ ህወሓት ጅግነታዊ ቃልሲ ብምክያድ ንስርዓት ደርጊ ስዒሩ፡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብምሉኡ ካብ ጭቊና ኣገላጊሉ እምነ-መሰረት ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክተክል በቂዑ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ህወሓትን ምስ መሻርኽቱ ካልኦት ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ኢትዮጵያን ንድኽነት ከም ቀንዲ ጸላኢ ሰሪዑ ዘመዝገቦ ልሉይ ቁጠባዊ ዕብየትን ህንጸት ትሕተ ቅርጻ ኣብ ምሉእ ኩርናዓት ኢትዮጵያን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ እናተዘከረ ክነብር ኢዩ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፤
ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዘመዝገብካዮ መደባት ልምዓትን ቁጠባዊ ዕብየትን፣ ኣንፈት ዲሞክራስያዊ ምሕደራን፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ክልልካ ዝተኣወጀ ኲናት ተኾሊፉ ብምርኣይና ኣዚና ከም ዝጎሃና ከነረጋግጸልካ ንፈቱ። ኣብ ልዕለኻ ዝተኻየድ መጠነ ሰፊሕ ውግእ፣ ምልካዊ ስርዓት ህግዲፍ ኣካሉ ብምዃን ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣቲዩ ኣብ ልዕለኻ ናይ ዝተፈጸመ ኣስካሕካሒ ተግባራት ካብ ሓላፍነት ከምልጥ ከም ዘይክእል ህዝቢ ኤርትራን፡ህዝቢ ዓለምን ዝፈልጥዎ ሓቂ ኢዩ። ሎሚ’ውን ከም ትማሊ ነዚ ገጢሙካ ዘሎ ኩነታት ብጽንዓትካን ብቓልስኻን ክትሰግሮ ምንኻንካ ተስፋ ንገብር። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ትግራይ ተዓቊቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተፈጸመ ገበን፡ ብኣህጉራውን ብዘይሻራዊ ኣካላት ተጻሪዩ፣ ነቶም ገበነኛታት ኣብ ቅድሚ ዝምልከቶ መጋብኣያ ቤት ፍርዲ ዓለም ክቐርቡ ኩላህና ክንጽዕር ይግባእ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ክንጠቕሱ ዝግባእ ጉዳይ፣ እቶም ንዓመታት ከም ጎረቤት ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ካልኣይ ዓዶም ኣብ ሕቕፎኻ ተዓቚቦም ዝነበሩ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታትና እውን፣ ከም ዕጫኻ በጺሕዎም ክሳብ ኣስታት 20 ሽሕ ካብኣቶም ኣበይ ከም ዝኣተዉ ፍሉጥ ኣይኮነን።
ክቡር ህዝቢ ትግራይ፣
ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ናይ ካልኦት ሃገራት ኣይንኣትውን ኢና ካብ ዝብል ጽኑዕ መትከልና ብምብጋስ፣ ስርዓት ህግዲፍ ብዘይ ወዓል ሕደር ሓይልታቱ ካብ ትግራይ ክስሕብን፣ እቲ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣትዩ ዝሃልቕ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ከኣ፣ ኣመት መሰልን፣ ነጻነትን፣ ልዕላውነትን ሃገሩ ክገብርን፣ ነዚ ኣትይዎ ዘሎ ሓደገኛ ተልእኾ ብትሪ ክቃወምን ፣ ነናብ ቤቱ ተመሊሱ ከኣ ክጣየስን ተሪር ጻውዒትና ነቕርብ። እዚ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጠጠው ክብልን፣ እቲ ናብዚ ዘብጽሐ ሽግር ከኣ ብቅዋማውን፣ ሕጋውን መንገዲ ፍታሕ ክግበረሉን ጻውዒታና ደጊምና ነቕርብ። ኣብ ርእሲኡ፣ ሕቡራት መንግስታት ዓለምን፣ ዞባዊ ማሕበራትን፣ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብን፡ ነዚ ውግእ’ዚ ደው ክብልን መፍትሒ ክግበረሉን ተርኡ ክጻወት ኣጥቢቕና ንምሕጸን።
ዝኸበርካ ህዝቢ ትግራይ፤
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፣ በዚ ንህዝቢ ትግራይ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሓደጋትትን፣ ሞትን ብርሰትን ኣዝዩ ከም ዘሕዘነናን፣ ብወገና ኩነታትትኩም ኣብ ንቡር ንምምላስን፣ ዝምድናታት ክልቲኡ ኣህዛብ ከኣ ውግእን ወረ ውግእን ተወጊዱ ሰላም ዝሰፈኖ ዝምድናና ክንመልስ ዝከኣለና ክንገብር ምዃንና ከነረጋግጸልኩም ንፈቱ።
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ትግራይ!!
ዓወት ንሓባራዊ ፍትሓዊ ቃልስታት ኣህዛብና!!
ሽማግለ ዲፕሎማስያዊ ጉዳያት
ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ
ለካቲት 15, 2021
You must be logged in to post a comment.