ዜናታት ባይቶ ይኣክል ኤውሮጳ

ዜናታት ባይቶ ይኣክል ኤውሮጳ

ሽወደን

ብሰንበት ዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ንስቶክሆልም ወኪሉ ባይቶ ሽወደን ይኣክል ንምስታፍ ዝሻባሸብ ዘሎ ሽማግለ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ’ቲ ኣኼባ ብርክት ዝበሉ ሃገራውያን ተረኺቦም፡ ትሽዓተ ዝኣባላታ ሽማግለ ወኪሎም። እዞም ሽማግለታት ስቶክሆልም ምስ’ቶም ካብ ኩለን ከተማታት ሙሉእ ሽወደን ኮይኖም ባይቶ ይኣክል ንምቕዋም’ዩ። ባይቶ ይኣክል ሽወደን ንዕለት 26-27 ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ክቅወም ከኣ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ።

ኖርወይ

ሃገር ኖርወይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ከም ኦስሎ፡ በርገን፡ ስታቫንገር፡ ትሮንድሀይም ብርቱዕን ሓያልን ምንቅስቓሳት ይኣክል ተበጊሱ፡ ንባይቶ ይኣክል ኖርወይ ንምቋም ድሌት ህዝቢ ሓይልን ቀጻልን’ዩ ዘሎ። ኣኼባታቱ ኣብ ምክያድ ዝርከብ ብዕለት 19 ጥቅምቲ 2019 ከተማ ስታቫንገር ክትጥቀስ ይከኣል።

ዓባይ ብርጣኒያ

ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ዘካይድዎ ሲምፖዚዩም ይኣክል፡ ሓንቲ ካብ’ተ ቀዳሞት ከተማታት ኤውሮጳ ጽዑቕ ኣኼባታት ብምክያድ ድሮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ሽማግለ ባይቶ ይኣክል ቆይሙስ ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ይርከብ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ጀርመን፡ ሆላንድን፡ ስዊዝ፡ ጣልያን፡ ደንማርክ ብሓያል ሃገራዊ ወኒ ተላዒሉ ህዝቢ ንምጥርናፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ኩሉ ሓቢሩ ንዝዓበየ ምጥርናፍ ኤርትራውያን ንባይቶ ይኣክል ኤውሮጳ ክምስርት ክበቕዕን፡ ምስ ኩሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዘራኽብ ሃገራዊ ዕማም ጎኒ ንጊኒ ተሰሊፉ፡ ሙሉእ ስእሊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ተዓጢቁ ንህዝብናን ሃገርና ካብ ግፍዕታት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ከላቃቕ ዘሎ ተስፋታትን ትጽቢትን ብዙሕ’ዩ።

 

ዜናን ሓበሬታን

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ

22 ጥቅምቲ 2019

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.