ዜናታት ባይቶ ይኣክል ኤውሮጳ Posted on Oct 26, 2019 by Organization Of Eritrean Unity Leave a comment ዜናታት ባይቶ ይኣክል ኤውሮጳ ሽወደን ብሰንበት ዕለት 20 ጥቅምቲ 2019 ንስቶክሆልም ወኪሉ ባይቶ ሽወደን ይኣክል ንምስታፍ ዝሻባሸብ ዘሎ ሽማግለ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ’ቲ ኣኼባ ብርክት ዝበሉ ሃገራውያን ተረኺቦም፡ ትሽዓተ ዝኣባላታ ሽማግለ ወኪሎም። እዞም ሽማግለታት ስቶክሆልም ምስ’ቶም ካብ ኩለን ከተማታት ሙሉእ ሽወደን ኮይኖም ባይቶ ይኣክል ንምቕዋም’ዩ። ባይቶ ይኣክል ሽወደን ንዕለት 26-27 ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ክቅወም ከኣ ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ኖርወይ ሃገር ኖርወይ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ከም ኦስሎ፡ በርገን፡ ስታቫንገር፡ ትሮንድሀይም ብርቱዕን ሓያልን ምንቅስቓሳት ይኣክል ተበጊሱ፡ ንባይቶ ይኣክል ኖርወይ ንምቋም ድሌት ህዝቢ ሓይልን ቀጻልን’ዩ ዘሎ። ኣኼባታቱ ኣብ ምክያድ ዝርከብ ብዕለት 19 ጥቅምቲ 2019 ከተማ ስታቫንገር ክትጥቀስ ይከኣል። ዓባይ ብርጣኒያ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነበርቲ ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ወርሒ መስከረም 2019 ዘካይድዎ ሲምፖዚዩም ይኣክል፡ ሓንቲ ካብ’ተ ቀዳሞት ከተማታት ኤውሮጳ ጽዑቕ ኣኼባታት ብምክያድ ድሮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ሽማግለ ባይቶ ይኣክል ቆይሙስ ኣብ ስራሕ ተዋፊሩ ይርከብ። ብተመሳሳሊ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ጀርመን፡ ሆላንድን፡ ስዊዝ፡ ጣልያን፡ ደንማርክ ብሓያል ሃገራዊ ወኒ ተላዒሉ ህዝቢ ንምጥርናፍ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ኩሉ ሓቢሩ ንዝዓበየ ምጥርናፍ ኤርትራውያን ንባይቶ ይኣክል ኤውሮጳ ክምስርት ክበቕዕን፡ ምስ ኩሎም ፖለቲካውያን ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ዘራኽብ ሃገራዊ ዕማም ጎኒ ንጊኒ ተሰሊፉ፡ ሙሉእ ስእሊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ተዓጢቁ ንህዝብናን ሃገርና ካብ ግፍዕታት መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ከላቃቕ ዘሎ ተስፋታትን ትጽቢትን ብዙሕ’ዩ። ዜናን ሓበሬታን ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ 22 ጥቅምቲ 2019 Share this:TwitterFacebookLike this:Like Loading... Related tagged with featured Category Posts Boxed (Dynamic News) Category Posts Columns Category Posts Grid (Dynamic News)
You must be logged in to post a comment.