መልእኽቲ ንህዝቢ ኤርትራ

መልእኽቲ ንህዝቢ ኤርትራ
ውድብ ሓድነት ንደሞክራስያዊ ለውጢ፡ንሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፥ ንኣብ ድያስፖራ ዝርከብ፡ብፍላይ ክኣ ንኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከቡ ክፍሊ ህዝብና፣ብኣትኩሮ ዝጥመት ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ህዝብና፣እዋኑ ብሙሉእ ህዝቢ ዓለም ኣብ ተሃውጾን ፍርሕን፣ራዕድን ዝነብረሉ ዘሎ ኩነት፣ብሰንኪ ኮሮናቫይሩስ ምዃኑ እንነብሮን እንዕዞቦ እንምክሮን ምህላውና ንኩላትና ብሩህ እዩ።
እዚ ንህዝቢ ክጥርነፍን፣ደምበ ፍትሒ ሓቢሩ ዝሰርሓሉ ባይታ ክጣጣሓሉን ናይ ሓባር ጽላል ክህሉ ዝጽዕር፣ው.ሓ.ደ.ለ. ብዛዕባ እዚ ህጹጽን ኣሸጋሪን ሕማም ተላብ(COVID-19) ኮቪድ-19 ዝስመ፣ኣብ ህዝብና ምስ ዝሳጋገር፣ናይ ምልባዕ ስርሓቱ ዝዕገተሉ፣ብሳይንሰኛታት/ስነ-ፍልጠተኛታት ዝዋሃብ ዘሎ ምኽሪ፡ክውሰዱ ዝኽእሉ መድሃኒታት በየናይን ብኸመይ ገይርካ ሓበሬታን ማዕዳን ከተማሓላልፍን ጥራይ ዘይኮነስ፡እንታይን ብኸመይን ሓገዝ ክረኽቡ ይኽእሉ፣ዝብል ወኸሳ ወይ ሓሳብ ክሰርጸካ ብህርያዊ ኮይኑ፣ዘለዎ ስነትንታነን ስኽፍታትን ሃልይዎ ይጠቅም ዝብሎም እማመ እዉን የቕርብ፡፡
ህዝብና፡እቲ እናጸልመተን መንበሪ ሲኢኑ ካብ እዚ ስርዓት ጃንዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣምሊጡ ኣብ ጡጡሓት ሃገራት ዝበጽሐ፤ብዘይካ’ቲ ኣብ መዓስከራት ኢትዮጱያንን ሱዳንን ዘሎ ህዝብና፣ እንተ በቲ እንተ ካብቲ ሓበረታ ክረክብን፤ዕድል ሕክምና ከይሕረሞን እቲ ኩነታት በስገዳድ ዝውሰድ ስጉምታት ምዃኑ ፍሉጥ እናኾነ ይርአ ኣሎ።
እቲ ብኣስገዳድ ይኹን እቲ ዘድሊ ሓቤረታ ክረክብ ዘይኽእል ኢልና እንሓስቦን፣ እነስተንትነሉ/ንስከፈሉ ነዚ ኣብ መዓስከራት ዝርከብ ህዝብና እዩ። ብዝኸፍአ ክኣ እቲ ኣብ ትሕቲ ውልቀ መላኺ ተዓፊኑ ዘሎ ህዝብና፡ከምቲ ዝድለ ሓበሬታ ይኹን ግቡእ ሕክምና ከምዘይረክብ ዘሎና ጠርጠራ ዓቢ ኮይኑ ብመሰረቱ ካብ ውሽጢ ክመጽእ ዝኽእል ዘይርጉጽ ሓበሬታ ኣብ ጠርጠራ ከነእትዎ ግድነት ዘኹኖ፣ባህርያት ናይዚ ውልቀ መላኺ እዩ፡፡
እቶም ኣብ ጎራባብቲ ሃገራት ከም ከንያ፣ሱዳን፣ኢትዮጱያ….ወዘተ ምትእትታው ኮሮና ቪሩስ ድሮ ተላግቦ ዝሓዞም ደቂ ሃገር፣ክገልጹን እቲ ዘድሊ ስጉምታት ኣንጻር ምልባዕ ክወስዳ ክስማዕ ከሎ፡ካብ ኤርትራ ግን ንጹር ሓበረታ ኣይርከብን።
ስለዚ ኣብ ደምበ ፍትሒ እንዋሳእ፣ውድባት፣ምንቅስቓሳት፣ህዝባውያን ማሕበራት ናይ ሓባር ሓይሊ-ዕማም ብምውዛዕ፣ብስም ኩላትናናብ ዓለምለኻዊ ውድብ ጥዕና (World Health Organization) ፣ኣብ ጅነቫ ዝመደበሩ ብምውካስ፡
- ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምክትታል፣ዘድሊ ሓበረታን ሓገዝን እትህበሉ መስርሕ ክካይየውድ ከም ዘለዎ ምጽዓር ጥራይ ዝይኮነስ፣ነዚ ስርዓተ ውልቀ መላኺ ዕለት ብዕለት ሓበረታን ኩነታት ህዝብና ክገልጽ ምግዳድ፤ነቶም ሓይሊ ዕማም ክትሕብሮምን ክትታሓባበሮምን ምሕታት። ብእኦም ኣቢልካ ሩጉጹን ኩነታት ህዝብና ምክትታል ይካኣል።
- ነቶም ኣብ መዓስከር ኢትዮጱያን ሱዳንን ዝርከቡ ክፋል ህዝብና’ዉን እንተኮነ እዚ ኣብ ጅነቭ ዝመደበሩ W.H.O. ዓለምለኻዊ ተኻታታሊ ጥዕና ማሕበር፣ነቶም ናይ IRC ዓለምለኻዊ ተኻታተልቲ ዑቑበውኛታት ብምውካስን ምትሕብባርን ናይዞም ዑቑበኛታት ክካታተልን እቲ ዘድሊ ሓቤውረታ፣ሓገዝን መድሃኒታት ዝርከበሉ ኩነት ክፍጠር ምሕታትን ምሕጽንታት ንምትግባሩ ድፊኢት ክግበር ምጽዓር።
- እተን ብዘይ ድኻም ሓበረታ ንምሃብ ዝጽዕራ ዘለዋ ምድያታት ደምበ ፍትሒ፣ኩሉ ኣትኩረአን ነዚ ሕማም ተላገብ ኮቪድ-19 ክኸዉንን፣ካብ ውሽጢ ሃገር ይኹን መዓስከር ዑቑበኛታት ኩሉ ግዜ ወኸሳታት ሓበረታት ክረኸባን ክህባን ንህዝቢ ኣፍልጦ ክህባ ምትሕግጋዘንን ምትብባዐንን።
እነሕልፎ ዘሎና እዋን ብቐሊል ዘይርአን ናይ ሁጹጽ ሁጸጽነት ምዃኑ ብምግንዛብ: ብቕልጡፍ ክንገብሮ እንኽእል ካብ ምግባር ክንቁጠብ ከም ዘይብልና ብምሕሳብን፣ኩሉ ዓቕምታትና ብምውህሃድ ንምድሓን ህዝብናን ንምርግጋጽ ሃገርናን ንኽንጽዕር ልባዊ ምሕጽንታና ነቕርብ።
ው.ሓ.ድ.ለ
You must be logged in to post a comment.