መልእኽቲ ኣቦ መንበር ፈ/ሽ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲ ለውጢ ኣቶ ተስፋሚኪኤል ዮሃንስ

መልእኽቲ ኣቦ መንበር ፈ/ሽ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲ ለውጢ ኣቶ ተስፋሚኪኤል ዮሃንስ
ኣቦ መንበር ፈ/ሽ ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ብኣባልት ውሓዲለ ኣቢሉ ብዕለት 17 መጋቢት 2020 ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ዘመሓላለፎ መልእክቲ ቃል ብቃሉ ከም’ዚ ዝስዕብ ነበረ።
ዝኸበርኩም ኣሓትን፡ ኣሕዋትን ኣባላት ውሓዲለ፡
ብሰንኪ ኣዝዩ ንዓለምና ኣብ ሻቅሎትን ዘሸግርን ኣእቲዋ ዝርክበ ብከላ ተመሓላልፊ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ኩላትና ኣብ ኣዝዩ ዘፍርሕ ኩነታት ከም ዘሎና’ዩ። ስለዚ ነዛ ሓጽር መልእኽቲ ክሰድድ ዘበገሰኒ፡ ዋላ ካልእ ክንገብሮ ዝካኣል እንተዘይ ሃልዩ፡ ድሃይ ሓድሕድ፡ሓልዮት ሓድሕድ ክንገብር ኣሎና ብሃላይ’የ። ኩሉ ብክኢላታት ዓለም ዝዋሃብ ዘሎ መምርሒ ከኣ፡ ንምክልኻል ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ክንትክተል ናይ ግድን ይኸውን። ሂወትናን፡ ሂወት ስ/ቤትናን፡ ንሓድሕድና ኩሉ ዝካኣል ምትሕግጋዝ ክንገብር ይግባእ ኣሎና እብል። ካልእ ምርጫ’ውን የብልናን።
ኩልኻትኩም ብሰላም ክትህልዉ፡ከኣ ተስፋ እገብር።
ሓውኹም፡
ተስፋሚካኤል የሃንስ
እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ሓጻር መልእክቲ ግን ከኣ ዓብይ ቁም ነገር ዘለዋ፡ ስሓቢትን ሓላፍነትውን መልእክቲ፡ ንዙሓት ኣባላት ውድብ፡ ካብኡ ሓሊፉ ንስድራ ቤት፡ ንፈተውትን መሓዙንትን ከባቢ ኣባላት ውድብ፡ ቀጺሉ ከኣ ገደብ ኣልቦ ንመላእ ሕብረተ ሰብ፡ ስድራ ቤት ኤርትራውያን ዝልሕም ብሓቂ እዋናዊ ሰብኣውን ሕልና ዘለዋ ልቦናዊ መልእኽቲ ምንባሩ ዘመክት ንኣባላት ዝተላእከት’ያ። ይኹን’ምበር ንሰናይ ሓሳብ ምስ ህዝብና ንምክፋል፡ ብኡ መሰረት ከኣ ኤርትራውያን ኣብ ዝሃልው ይሃልዉ ብዝተፈላልየ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓት ምስ ኣሕዋቶም ስድራ ቤቶም፡ ፈተወቶም መሓዙቶም መቃልስቶም ክራኸቡ ዝገበረ ምንጪ ሓሳብ’ዩ።
ምእንቲ’ዚ ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎ ህዝብና፡ ተኻፋሊ ናይ’ዚ ሰናይ ሓሳብ ክኸውን፡ ብግደኡ’ውን፡ ነቲ ድሮ ብዓብዩ ብኤርትራዊ ሓልዮት ኣብ መላእ ዓለም ተታሒዝዎ ተበግሶ ወሲዱ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታታት፡ እዚ’ውን ኣካሉ ንምዃን፡ ህዝብና ደሃይ ሓድሕዱ ክገብርን ምኽሪን ክረከብ፡ ምኽሪ ክህብን ክተባባዕን፡ዘክእል ምኳኑ ብምሕሳብ ንህዝብና ከነካፍሎ መሪጽና።
በዚ ኣጋጣሚ ከኣ ከም’ቲ ሎሚ እቶም ሞያውያን፡ መራሕቲ ሃገራት ዝብልዎን ዝሕብርዎን ዝመኽርዎን ዘለዉ፡ ኩሉ ካብ ገዝኡ ጀሚሩ ኣብ መዓልታዊ ስርሑ፡ ርክቡ ማሕበራዊ ዝምድናታቱ ንዝገብሮ ጥንቃቐ ረብሓ ኩሉን፡ ካብ’ዚ ኩነታት ወጺኡን ድሒኑን ጥዑይ ሕብረተ ሰብ ቀጻልነት ክህልዎ ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ብምዃኑ፡ ኩልና ኣብ ዓዘቕቲ ኮሮና ቫይሩስ ጥሒልና ኣብ ጭንቀት ኣብ ዝነበርናሉ እዋን ኣቦ መንበር ፈ/ሽ ዘምጽኦ ሓሳብን ንዘርኣዮ ሓልዮት ንዝገበረልና ምኽርን ምትብባዕ ምኽሪ ሓድሕድ ሓልዮት ክምስገን ክምጎስን ከኣ ዘይግባእ ኣይኮነን።
ዜናን ሓበሬታን ውሓዲል
22 መጋቢት 2020
You must be logged in to post a comment.