መትከልን መትከላዉያንን ! ብጎይትኦም ኣድሓኖም ካብ ኮሎምቦስ ኦሃዮ ሕ/መ ኣሜሪካ

መትከልን መትከላዉያንን።
አብ መስርሕ ቃልሲ እቲ ወሳኒ ረቋሒ ናይ ዓወት ዕላማ ምኳኑ ርዱእ ይመስለኒ ነዚ ከምጭቡጥ ወሲድና ድማ ናብ ትግባሬኡን ተግበርቱን ከነተኩር ንግደድ። ዓማጽን ንዓመጽ ዝጻረሩ ባእታታትን አብ ዝገብርዎ ረጽሚ እቲ ህዝባዉን ዉልቃዉን ዝፈሊ ወይ ዘለሊ እቲ አብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ዘርእይዎ ፍጻሜዩ ።
ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ዝግበር ንጎኒ አጸጊዕና ሓቀኛ ባህሪ ናይቲ ቃልስን ባህሪ ናይ ተግበርቱን ወይ መራሕቱን ንግሁድን ሕቡእን አጀንዳኦም አብ ምፍላጥ እቲ ናይ ሰዓብቶም ዝኸበደን ዝጸንከረን ጾር ምዃኑ ካብ ሕሉፍ ዝተመሃርናዮ ዕድሜና ዝጸንቀቀን ህያዉ ታሪኽ ዝለገሰልና አብ ግምት ብምእታዉ አንፈት ሒዝናዮ ዘለና ቃልሲ ብስምዒታዉያንን ሰብ ቅርሕንትን ወይ ጠቆም፟_ ፈሊጣዉያንን ከይሕምሮግን ማእዝኑ ከይስሕትን ንዕላማና ዘሰናኽሉ ኩሎም ብዘይ ንሕስያ ንሕፈት ሻርነት ሸለልትነትን በቶም እንአምነሎም መትከላት ክንቃለሶም ከሎናዩ መትከላዉያን ዘቁጽረናን ንዕላማና አብ ምህራም እንኽተሎ አገባብን መለለይና ዝኸዉንን።
ነዚ አቀዲመ ክዝርዝር ዝደረኸኒ ዓቢ ጉዳይ እቲ በቲ መትከላዊ ዉድባዊ አረኣእያኡን ህዝባዉነቱን ንኹሉ ዘማልኤ ንጹርን ብዝኾነ መለክዒ ክሰዓር ዘይኸልን ዝወጸ ንህልዉ ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ተፈጢሩ ንዘሎ ሃዋህዉ ዝጋልሀን ዘነጸረን ዉሕሉል ዉድባዊ መግለጺ ንእንታይነት ናይቲ ዉድብ ዘንጸባረቀ ኮይኑ ስለዝረኸብክዎ በቲ ሒዝዎ ዘሎ መርገጽን መትከላትን ክቅጽል ሽቶታቱ ክሃርምን ድሌትን ባህግን ስለዘሎኒ ምዃኑ ከገንዝብ እፈቱ።
ዉድብ ሓ ደ ለ አዝዮም ህቡባት ዉልቀሰባትን ሰብ ተሞክሮን ዘለዉዎ አግፊሖም ዝጥምቱ መራሕቲ ስለዝሓቁፍን ትስፉዉ ዋሕስ ሃገር ምዃኑ እምነትኳ እንተሎኒ ከም ባህሪ ቃልሲ ምስሉያትን ካብ ዓቅሞም ንላዕሊ ዝምጠጡን ንጽባሕ ምልካዉያን ክኾኑ ዝኸእሉ ሓቁፉ ከይከይድ መትከላዉያን ክሕልዉዎ ዋልታ ክኾንዎን ሓላፍነቶም ይመስለኒ ።
ጽንዓት ዉድባዊ እምነት ተወፋይነት ግብራዉነት ንዝዉንኑ አባላት መትከላዉያን አዝዮም ዉሑዳት ክኾኑ ይኸእሉዮም እቲ ሕቶ ግና ዓይነትምበር ብዝሒ ስለዘየዕዉት ንዓይነታዊ ለዉጢ ከምጽኡ ዝኸእሉ ምትኳርምበር ነቶም ብጨለ ቃላቶም ዝልለዩን ብግብርን አተሓሳስባኦምን ግና ጎተትን አብ ሓደ ዓንኬል ዝነብሩን ምትኳር ንዉድብ ምልማስን ንዓወት ምድንጓይን ስለዝኸዉን ንኹሎም ዉፉያት ሰብ መትከል ከስተባህሉ እምሕጸን።
ዕብየት ዉድብ ብዘገምታ ከምዝመጽእን ሓያል ጻዕሪ ከምዝሓትትን ኩሉ ዝሰማማዓሉኳ እንተኾነ ናብቲ ከቢድ ጾር ዝተሰከመ ላዕለዋይ አካል ከምዝዘዙ ብምእማት አብነታዉያን ባእታታት አብ ምምልማል ከተኩሩ የዘኻኽር ። ናህሪ ዉድብ በቲ ዝመርሖ ዘሎ አካል ስለዝምጠን በቲ ብተወፋይነት ዝኸዶ ዘሎ ፍጥነት ክቅጽል በዓል ምሉእ ተስፋየ ። ከምቲ አብ አርእስተይ ጠቂሰዮ ዘለኹ ድማ መትከላት ዉድብ ዋሕሶም መትከላዉያን እዮምምሞ ኩሎም ቶም ብተወፋይነት ነዚዉድብዚ አብ ምዕባይ ዝጽዕሩ አብ መዓልቦኡ ከብጽሕዎ እላቦ።
ፍጹም ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ
ሕዳር 25/2020 ጎይትኦም ካብ ኮሎምቦስ ኦሃዮ።
You must be logged in to post a comment.