ህውሓት ካብ ጥምሮ EPRDF ምውጻእ፡ሳዕቤኑ ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ኢርትራ ፡

                           ህውሓት ካብ ጥምሮ EPRDF ምውጻእ፡ሳዕቤኑ ኣብ ሓርነታዊ ቓልሲ ኢርትራ ፡

                      ወያኔ ነዚ ከሓዲ ጉጂለ ህግደፍ ሕጂ እውን ግርም ገይሮም ብዘየዳግምን ብዘይተጸበዮን ንውርድትን ስዕረትን ኣቓሊዖሞ ኣለዉ እዛ ብኮረነል ዓቢይ ኣሕመድ እትምራሕ ዘላ ኢትዮጵያ ሓንትን ጥምርትን ነይራ እንተ ትኾውን ፡ ጉጂለ ህግድፍ ብቀሊሉ ልዑላውነት ሃገረ ኤርትራ ኣሕሊፉ ክህብ ግዜ ኣይምወሰደሉን  ። ኣምላኽ ግን ሕያዋይን ኩሉ ዝከኣሎን እዩ ፡ ብሓጺር ግዜ ዘይፍታሕ ግድል ሂቡዎም ንገዛእ ርሶም ከም ሃገር ቕጻልነቶም ኣብ ስግኣት ወዲቆም ኣሎዉ ።

                      ህወሓት ካብቲ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዝነበረ ጥምሮ ውድባት EPRDF ከም ዝወጸት ብዕሊ ኣብዚ ሓዲሽ ዓመት ዕለት 1/4/2020 ብህጹጽ ጉባኤ ገይራ ኣዊጃ ኣላ። እዚ ኣዋጅ እዚ ምስ ተሰምዔ ኣብ ኤርትራ ጃሱሳት ህግድፍ ዝብሉዎን ዝጭብጥዎን ሲኢኖም ነቲ ኤርትራ ልዑላውነታ ኣብ ሓጺር ግዜ ክውድእዎን ከረክብዋን ዝነበሮም ሕልሚ፡ ርሕቀት ምድርን ሰማይን ኾኑዎም ከም ህበይ ሰማይ ከይወድቆም ተንቓዕሪሮም ይጥምቱ ኣሎዉ ።  ከም ተቓወምቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ሕቶና ፡ ሕቶ ቅዋም ፣ ሕቶ እሱራት ፡ ሕቶ ኣሳታፍነት ፡ሕቶ ወፍሪን ሓቶ ስደተኛታት ፡ጥራሕ ገርና ክንርእዮ የብልናን ።እዞም ሕቶታት እዚኦም ኣገደስቲ ሕቶታት ኡኻ እንተኾኑ  ። ብቀዳምነት ክንርእዮ ዘሎና ምእላይ ናይዚ ህግደፍ ዝብሃል ጉጂለ ኮይኑ ብኩሉ ዓቅምታትና ሎሚ ክንብገስ ኣሎና ። ውድብን ስልጣንን ሃገር ምስ እትህሉወና ጥራሕ ኢና ክንበጽሖ እንክእል ። ምኽንያቱ እዚ ሕጂ ኣብ ኢትዮጵያ ተረኪቡ ዘሎ ዕድል ከይተጥቀምናሉ ከምልጠና የብሉን

                      ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ጎረቤትና ምህላዎም ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ነቲ ክንገብሮ እንደሊ ዘሎና ነዚ ከዳዕ ጉጂለ ህግደፍ ምዕላው ወይ ምውጋድ ዓቢይ ዕድል እዩ ።ገለ ገለ ኤርትራውን ንህግደፍ ከም ጲላጦስ ሕጽብ ኢዱ ገይሮም ዝኣምኑ ሓንግሎም በቲ ህግደፋዊ ፕሮፖጋንዳ ስለ ዝመልኤ ንክሓውዩ ቁዶጥገና/መጥባሕቲ  ዘድሊዮም እዮም ። እዚ ንመብዛሕትና ክርድኣና ዘይክእል ዘሎ እንታይ ረብሓ ሰለ ዘሎዎም እዮም ኣገልገልቲ ናይዚ ሕሱምን ጨኻንን ጉጂለ ኽኮኑ ዝመረጹ ዝብል እዩ ? ኹናት ባድመ ዝበልዖም ኣሸሓት መንኣሰያትና ወያኔ ዲዩ ክሕመየሎም? ባድመ ኣብ ትሕቲ ተሓኤ ከም ዘነበረት ኢሳያስ ምስ ተቆጻጸሮ ንወየኔ ከምዝገደፍሎም ተገደልቲ ህግሓኤ እተገንዘብዎ ኾይኑ ፣ብሰፊሑ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ገሊጾሞ እዮም ።ኤርትራውያን ተቀማጦ ባድመ ኣብ ግዜ ረፈረንዱም ፡ ከም ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ዝቅመጡ መንነት ተዋህቡዎም ነይሩ ። ኢሳያስ ስለ ምንታይ መሬት ኤርትራ ንትግራይ ሂቡ ፡ እንደገና ኹናት ወሊዑ መንእሰይ ኤርትራ ኣጥፊኡ ? ዝብል ሕቶ ክሓቱን ክርድኡን ዘይክእሉ ስለ ምንታይ እዮም ?  ሰራዊት ወያኔ ኣብ መሬትና እንከሎ ፡ ዶብና ከይተሓንጸጸ ኣይንዛተን ክብሃል 20 ዓመት ክትዝምሩ ዘኒሕኩም። ወያኔ ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ዳርካ 2 ዓመቱ ቀሩቡ ። ህግድፋውያን ግን እታ ወያኔ እትብል ቓል ምውጽእ ኣፋም ስለ ዝኮነት ፡ ሰላም ተገይሩ ተባሂሉ ሰራዊት  ኮረነል ዓቢይ ኣሕመድ ካብ ምባል ሕጅ እውን ወያኔ ካብ መሬትና ከወጹ እትብል መዝሙር ይዝምሩ ኣሎዉ ። እዚ ከኣ ክሳብ ልዑላውነት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ዝሰጋግሩ ክገድፍዋ ኣይኾኑን ። ምክንያቱ እቲ ካብ 100, 000 ሽሕ ህወት መንእሰያት ክልቲኡ ህዝብታት ዝበልዔ ኹናት ናይ ዶብ ኣይነበረን ክብል ባዕሉ ነቲ ኹናት ዝኣዘዘ ኢሳያስ ኣፍወርቂ መስክሩዎ እዩ  ።  

                      ኣብዚ ህወሓት ዘካየዱዎ ህጹጽ ጉባኤ ፡ ምስ ሓው ዝኮነ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎም ዝምድና ናብ ሰላምን ሕውነትን ከሰጋገር ኩሉ ዝከኣሎም ከምዝገብሩ ፡ ብወገን ህዝቢ ኤርትራ እውን ተዛመዲ ስጉምቲ ክውስድ ጸዋዒት ምግራቦም ዝነኣድን ዝምስገንን እዩ። ናይ ታርክ ኣጋጣሚታት ደኣ ኮይኑ እምበር ነዛ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ኣብ ኩሉ ግምባራት ኹናት ከም ትግራዋይ ህዝቢ ዝተዋገኣላን ዝሞተላን ዝደመያላን ኢትዮጵያዊ የለን። እንተኮነ  ህዝቢ ትግራይ ንግስነት ናብ ኣምሓራ ምስ ከደት ክሳብ ካልኣይ ወያኔ ዝልዓል  ብሰንሰለታዊ ናይ ኣምሓራ መሳፍንቲ ጭቆናን ድክነት ክነብር ተግዲዱ ነይሩ ። ነቲ ኩሉ ናይ ሰለማዊ ኣገባብ ቅልሲታቱ ሰማዒ እዝኒ ስለ ዘይረከበ ፡ ከም ጎረቤቱን ሓውን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዓመጽን ወጽዓን ሓራ ክወጽእ ብዘይብረት ካልእ ኣማራጺ ኣይረከብን በረኻ ወፊሩ ከኣ ብረት ዓጢቁ ።

                      ህወሓት ከምቲ ኣብ ደምድሚ ኣዋጅ ህጹጽ ጉባኤ ዝገለጹዎ ፡ ብረታዊ ቓልሲታት ናይ ክልትኡ ህዝብታት ነቲ ዝነበረ መግዛእታዊ ሓይሊ ብወገና፣ ጨቛኒ ብወገኖም ክድምሱሱ በቂዖም እዮም ። ሕጂ እውን ከምቲ ዝሓለፈ ተመክሮ ናይ ክልቲኡ ኣሕዋት ህዝብታት ነዚ ልዑላውነትና ዝፈታተን ዘሎ ዑሱብ ጉጂለ ህግደፍ ንምድምሳስ ምትሕብባር ንረብሓን ጥቅምን ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን እዩ ። እቲ ቀንዲ ከም ኤርትራዉያን ምስ ኣሕዋትና ተጋሩ ከዛምድና ዝክእል ፡ እቲ ብወገኖም ሃገርና ኤርትራ ብሓይሊ ብረት ነጻ ኣብ ዘወጸትሉ ግዜ ኣብ ዝቀልጠፈ ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ብረፈረንዱም ገይሩ ነጻነቱ ክእውጅ ብወገን ጅግና ተጋዳላይን ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ መለስ ዜናዊ እተውስደ ተባዕ ስጉምቲ ነይሩ ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሓድሓደ ኤርትራውያን ብደምና ዘምጻእናያ ሀገር ረፈረንዱም ዝብሃል ኣይነድምጽን ዝበሎ ነይሮም ።እንትኮነ 99.9% ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ወኪል ሕቡራት ሃገራት “እወ” ንናጽነት ክብል ድምጹ ኣስሚዑ እዩ ። እዚ ከኣ ነቅ ዘይብል መሰረት ልዑላውነትና እዩ ።ሕጂ ከኣ ሓድሓደ ኢትዮጳያውያን ብተግባራት ናይዚ ከሓዲ ኢሳያስ ኣፈወርቅ ተተባቢዑም ኤርትራ እትብሃል ሃገር ክትነብር ኣይንፈቅድን እንተበሉ ፣ ክሓልም ዝደለየ ኣይትሕለም ኣይብሃልን  ከም ኤርትራውያን ግን ነቲ ዝብሃል ዘሎ ኣብ ሚዛን ኣውዲቅና ክንመዝኖን እቲ ዝግብኦ ምድላዋት ክንገብር ግድነት ኣሎና ።

                      ስለዚ ህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ነቶም ኣብ ሳሕል ምስ ተጋድልቲ ህዝባዊ ግምባር ፣ሓራ ደጀን ሰውራ ኤርትራ ክይድፈርን ሰውራ ናይ ክልቲኡ ህዝብታት በርዒኑ ከይተርፍን ክቡር ህወቶም ዝኽፈሉ ኣሻሓት ደቆም፣ መስዋእቶም ምኽኑይ ኣይነበረን ወይ ኣይከሰርናን ኣይበሉን ። ሕጂ እውን እቲ ናይ ሓባር ጥቅሚ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን በዚ ሕጂ ዘሎ ወለዶ ክድልድልን ክድበስን ኣሎዎ  ካብ ኩለን ናይ ኢትዮጵያ ክልላት ፣ እታ ምሳና ዝነውሔ ዶብ ዘለዋ ክልል ትግራይ ብኩሉ መዳይቱ ማለት  ባህልን ቛንቛን ሃይማኖትን፣  ምስ ተዛረብቲ ትግርኛ ጥራሕ  ዘይኮኑ ፣ምስ ብሔራት  ኩናማን  ኢሮብ  ኣብ ዶባት ናይ ክልቲኡ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝነብሩ  ተዋልዶምን ተዛሚዶምን ይነብሩ ኣለዉ  ።   

                      ኣብዚ ብንጹር ክገልጾ ዝደሊ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢትዮጳያ ኤርትራን ሰላም ክነግስ  እንተኾይኑ ፡ እብዛ ኢትዩጵያ እትብሃል ህገር እቶም ደለይቲ ሰላም ዝኮኑ ዜጋታታ፣ ነቶም ኣብ ሕልሚ ወራር ዝነብሩ ዜጋታቶም ሀ ሁ ብዛዕባ መሰልን ክብሪ ጎረቤት ሃገር ክምህሩዎምን ከረድእዎምን ይግባእ። ዝበዚሕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራ ኣፍልጦ የብሉን ። ከም ኤርትራውያን ፣ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ደላይ ሰላም ዝኾነ ኤርትራዊ ባህሊ ክነረዶኦም ክነፍልጦምን ክንጽዕር ከኣ ኣሎና ።

                       መተሓሳሰቢ

                      ኣብ መንጎ መግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይ ማእለያ ዘይብሎም ግፍዕታት ተፈጺሞም እዮም ። ኹናት ንዝሰዓረን ዝተሳዕረን ብማዕረ ሰብኣውን ንዋታውን ጉድኣት ኣሎዎ ። ስለዚ ነዞም ገዳያት ኹናት ዝኾኑ ዜጋታት ክልቲኤን ሃገራት ክሕውዮም ዝክእል ብማእከልነት ነጻ ዝኾነ ኣካል ተጸኒዑ ናይ ህወትን ንብረተን “ካሓሳ” ምክፋል ይግባኣ ምክንያቱ ዝሞተ ክምለስ ኣይኾንን ፣ ከምኡ ዝሰንከሉን ኣካላቶም ዝጎደሉን ንብረቶም እተዘምቱን ብገንዘባዊ ካሓሳ ጥራሕ ክሕውዩ ኣሎዎም ። እቲ እተፈጸመ ንረሰዓዮ ኣይኾንኩን ዝብል ዘለኦኹ ፣ እንታይ ደኣ ምሩኻት ናይ ዝሓለፈ ምዃን ንቅድሚት ክሰጉመና ኣይኾነን ከምቲ ኣበው ዝበሉዎ “ ኣብ ጎባ ዘሎ ንፋስ ፡ ኣብ ሩባ ዘሎ ውሕጅ ይሰዶ “ ክብሉ እንከለው ዕርቂ ስለ ዝመረጹ እዮም ። ኣንነትን ትዕብትን ገዲፍና ዕርቂ ንምረጽ !

 ዝክሪ ነቶም ምእንቲ ፍትሕን ሰላምን ዝወደቁ !

ኣምላክ ኤርትራ ሃገርና ይባርኽ !

ክብሮም ግረነት ,

1/17/20

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.