ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለዊጢ (ሓዲለ) ግዝያዊ መሰጋገሪ መሪሕነት ዞባ ሰሪዑ፡

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለዊጢ (ሓዲለ) ግዝያዊ መሰጋገሪ መሪሕነት ዞባ ሰሪዑ፡
29 ጥቅምቲ 2019
ብመሰረት ውሳነ ፈጻሚት ኣካል ሓዲለ፡ንቤት ጽሕፈት ውደባ፡ ግዝያዊ መሰጋገሪ መሪሕነት ዞባ ከቀውም ብዝተዋህቦ ሓላፍነት፡ እዘን ዝስዕባ መሰጋገሪ መርሕነት ዞባ ቆይመን ኣለዋ። ውድብና ከምቲ ሰለስቲኡ ኣካላት ኣብ መስራቲ ጉባኤ ዝተሰማማዕናሉ ትካላትና ኣፍሪስና ሰፈሕ ህዝባዊ ተሳትፎ ሰረት ዝገበረ ውድብ ንምምስራት ስለዝነበረ፡ እነሆ ድማ ሓሳብ ሰሚሩ ውድብና ተመስሪቱ። ብመሰርት ቅዋምና ከኣ ዞባ ጉባኤ ተጋቢኡ፡መሪሕነቱ ክመርጽ፡ ንዝብል፡ ጨንፈራት ከይቆመ ጉባኤ ዞባ ክካየድ ስለ ዘይካኣል፡ ነዚ ሕቶ ንምምላስ ከኣ ዞባታት ተጠርኒፉ ግዝያዊ መሰጋገሪ መሪሕነት ከቅውም ኣድላይነቱ ስለ ዝተራእየ፡እቲ ስራሕ ውን ምእኩል ኮይኑ ቅርጺ ክሕዝ ፥ እዚ ግዝያዊ መርሕነት ቆይሙ ይርከብ።
ግዚያዊ መሪሕነት ዞባታት ገደብ ስርሓቱ ን6 ወርሒ ኮይኑ ። ቀንዲ ዕላማታቱ ፡
ሀ) ምቛም ኣሰናዳዊት ሽማግለ
ለ) ምቛም ጨናፍር ውድብ (ሓዲለ)
ሐ) ብመሰረት ቅዋም ፡ ንጥፈታትን ስራሓትን ትከታተልን፡ መምሪሒታት ተመሓላልፍን።
ኣብዚ ክጥቀስ ዝድለ፡ ግዜ ምስንዳእ ጉባኤ ግድን ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ክኸውን ኣሎዎ ማለት ኣይኮነን። ክሓጽርን፡ ክነውሕን ስራሓት ኣሰናዳእቲ ሽማግለታት ክውስኖ ከምዝኽእል ክንርዳእ የድሊ።
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቕሰ ስርሓት ንምስላጥ፡ ብሓላፊ ስርርዓት ቤ/ጽ ፈ/ሽ ኣቶ ጊላዋይ ስዒድ ም/ሓላፊ ቤ/ጽ ኣቶ ብርሃነ ገብረክርስቶስን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣባላት ግዝያዊ መሪሕነት ዞባ ኤውሮፓ ኣብ ዕለት 23 ጥቅምቲ 2019 ተኣኪቡ። ኣባላት መሪሕነት ሰሜን ኣመሪካ ድማ ብዕለት 26 ጥቅምቲ 2019 ተኣኪቦም፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባል ግዚያዊት መሪሕነት ዞባ ከኣ ሓላፍነቱ ፈሊጡ ኣብ ስራሓት ወፊሩ ይርከብ። መሰጋገሪ መሪሕነት ዞባ ኣፍሪቃ፡ ድሮ ኣብ መስርሕ ምቛም ይርከቡ ኣለዉ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣባላት ግዝያዊት መርሕነት ዞባታት በዞም ዝስዕቡ ኣባላት ቆይሙ፡ ሓላፍነቶም ከም’ዚ ዝስዕብ ምዃኑ ክንሕብርን ንፈቱ ።
ግዚያዊት መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ
1. ብርሃነ ገብረእዝጋቢሄር ፡(ኣቦወንበር)
2. ማሕሙድ ኢብራሂም ፡ ጸሓፊ
3. ዳዊት ተወልደብርሃን ፡ ተሓዝ ገንዘብ
4. ሃብቶም መስፍን ኣባል
5. ኪሮስ ተስፋገርጊሽ ኣባል
6. መሓራይ ሓጎስ ኣባል
7. ተስፋይ ርእሶም ኣባል
ግዚያዊት መሪሕነት ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ
1. በሪህ መልኣከ ፡ (ኣቦ ወንበር)
2. ሰለሙን ከፈላ ፡ጽሓፊ
3. ሙሴ ተስፋማርያም ፡ተሓዝ ገንዘብ
4. ተኸስተ ዳምር ኣባል
5. ወልደየሱስ መብራህቱ (ዓማር) ኣባል
6. ኢለን ኤፍረም ኣባል
7. ሃብቶም መንግስተኣብ ኣባል
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስውኣትና
ዜናን ሓበሬታን
ውድብ ሓድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ
2 ሕዳር 2019
You must be logged in to post a comment.