ግርም ምቑማር ወዳጀ ምድማር

ግርም ምቑማር ወዳጀ ምድማር
ኣጉል ቃላት ብምኹማር
ተሓቢእካ ብምምኻር
ድሌት ሓፋሽ ብዘይምስማር
ሓናጢጥካ ብምስፋር
ግርም መጽሓፍ ምድማር
ወዳጀ ዕብዳን ወዳጀ ምቑማር
ክኢላ ነፋሒቶ ቀያያሪት ሕብሪ
ብነቃዕ ትጥምት ከዳዕ ዓይኒ ንስሪ
ድምስስ ከተብሎ ነቲ ኩሉ ክብሪ
ኣብየት ትዕድልቲ ተፈጥራዊ ባሕሪ
ኣይተራየን ፍጹም ከምዚ ዓይነት ነውሪ
ኣብየት ምምብሃቑ ናብ እንዳማትካ ህውሪ
ወዳጀ ምሽቛር ወዳጀ ፍቅሪ
ብኮንቱ ስምዒት ሳዕስዒት ብእምብልታ
እንታይዶ ከሲብኩም ካብ ናይ ቀደ ቱታ
ወይከ ምውናን ኣብ ዘይናትካ እልልታ
ታሪኽ ኣይስረቅን ብናይ ጥልመት ፍሽኽታ
ንመን ከተብልዑ ስምምቲ ብርኩታ
ወዳጀ ጭሕጋሮ ልቢወለድ ዛንታ
ኣብየት ስዊዝ ከናል ኣብየት ባቡኤል መንደብ
ናይ ጸማማት ሕልሚ ዘይከውን መደብ
ምስ ኩሉ ዘራኽብ ምስ ዓለም ምስ ዓረብ
ተፈጥራዊ ሃብቲ ዘይብሉ ገደብ
ካብ ጫፍ ናይ ራስ ቀሳር ክሳብ ጫፍ ዓሰብ
ወዳጀ ባሕሪ ወዳጀ ወደብ
ኣብየት ሓይሊ ባሕሪ ስልጡናት ናይ ፈረሳ
ያኢ ተባሂሉለይስ ጠፊኡዩ ቲ ጓሳ
ደቂ እርገቱ ደቂ ኣስራተ ካሳ
ግርም ተረከብቲ ናይ ወለዶም ካሕሳ
ወዳጀ ምምብሃቑ ምጉምዳድ ናይ ዓሳ
ኣለዉ ደቂ ከቢረ ሸጥ ዘበሉ ቅናት
ኣለዉ ደቂ ዓዋተ ሰብ ሕድሪ እሙናት
ሓዊ ዝተፍኡልኩም ብኹሉ ወገናት
ተዳለዉ በሉ ንናይ ወለዶታት ኲናት
ወዳጀ ሰብ ቅልጽም ወዳጀ ሰብ ምናት
ኣቡ ያረድ
You must be logged in to post a comment.