ሃገር ሃገር ሃገር ዓቢ ቁም-ነገር

ሃገር ሃገር ሃገር
ዓቢ ቁም-ነገር
ሃገር ውሱን ናይ መሬት ባሕር ሰማይ ዶብን ታሪኻዊ ኣመጻጸኣን ሓባራዊ ስነ-ኣእሙራዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ህዝብን ዘጠቃልል መንነት ኢዩ።
ሃገር ከም ጂኦግራፊካዊ ክሊ መሬት ንሰብ እቲ ዋና ዝኾነ ሰብ ድማ ነቲ ሃገር ኣገልግሎት እናተለዋወጡ ዝነብሩሉ ኣብ ሂወት እቲ ዝዓበየ ክብርን ትዕድልትንኢዩ። ሃገር ወዲ-ሰብ ንምሉእ ሂወት ካብ ውጽኢት ዘርኡን ካልኦት ባህርያዊ ጸጋታቱን ዝምገበሉ ድሕሪ ሞት ኣብኡ ዝድፈነሉ ሓመዱ ምስ ስጋዊ ኣካላት ወዲ-ሰብ ቃጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎ ናይ ዋንነት መንነት ኢዩ። ከም ምንባር ኣብ ካልእ ሃገር ክትነብርን ድሕሪ መደምደታ ሂወትውን ኣብ ናይ ካልእ ሓመድ ክድፈንን ይከኣል ይኸውን። ይኹን እምበር ንቀንዲ መበቆልካ ዝኾነ ሃገር ተኣማኒ ዘይኮንካ ናይቲ ተሰዲድካ እትነብረሉ ሃገር ተኣማኒ ክትከውን ከም ዘይከኣል ስነ-ሞጎታዊ ሓቂ ኢዩ። ስለዚ ወላ ገለ ሕልፈታት እንተረኸብካ ከም ናይ ባዕልኻ ሃገር ክብሪ ግን የብልካን። ኣብ ሃገር ሰላም ወይ ጸገም እንከሎ ምስ ስድራ ኣሕዋት ደቂ-ሃገር ከከም ኩነታቱ ሃገር ንዝጠልቦ ግቡኣት ክፍጸም ቃል ተኣቲዩ ምሩጻት ኣሕዋት ደቁ-ሃገር ኣፋኒኻ እቶም ምስኦም ኪዳን ብምእታው ብዋጋ ሂወቶም ልኡላዊት ናይ ዝገበርዋ ሕድሪ ዳግም ንተመሳሳሊ ሓደጋ ክሳጣሕ እንኮሎ ማዕረቲ ዝሕተት ሓላፍነት ዘይምዃን ኣዚዩ ዘሕዝን ኢዩ። ኣብ ሓምሳታት ውድባት ሰልፍታት ምሁራት ናይ ካልእ ሃገር ዜግነት ዝውንኑ ኤርትራውያን ነሮም ኢዮም። ሃጸይ ሃይለስላሴ ኣብ 1960 ዓመተ ምህረት ንሃገርና ኤርትራ ምስ ወረራ ግን ንኹሉ ገዲፎም ናብቲ ዝተኣወጀ ብረታዊ ገድሊ ብቅጽበት ተጸንቢሮም። ንኹሉ ብሩህ እኳ እንተኾነ ከም ኣብነት ንምጥቃስ ግን ብዓል ዑስማን ኣቡሸነብ መራሒ ኲናት ተጎርባ ኣቡርጀላ ዑመር እዛዝ……..ወዘተ ናይታ ዝነብሩላ ዝነበሩ ሃገረ ሱዳን ናይ ናብራ ምቾት ወተሃደራዊ መዓርግ ሃብቲ ገዛውትን ዜግነትን ደርቢዮም ኣብ ሰውራ ተጸንቢሮም። ሎሚ ካባይ ጀሚርካ ሰብ ተራኢዩ ዘይፈልጥ ሰብ ሓደስቲ ናይ ካልእ ዜግነት እታ መበቆልና መሬት ዓደቦናን ዓደ ኣደናን ዝኾነት ኤርትራ ከም ተራ ኣቅሓ ብሓደ ውልቀሰብ ንዕዳጋ እናወረደት እንታይ ኢና ኰና ??????? ከም ኣብነት ናይ ምሁራት ድማ በዓል ዶክተር ያሕያ ጃብር ዶክተር ፍጹም ዶክተር ኢዮብ…….ወዘተ ሰርቲፊከይት ናቶም ደርቢዩም ዶላር ክንኣሪ ኣብ ካልእ ሃገር ዘድሊ ከነጥሪ ኣይበሉን ኣብቲ ነጻነት ዘምጸአ ቃልሲ ተሰሊፎም። ናይ ሎሚ ምሁራትና ግን በበይንኻ ብምትንታን ናይ ወረቀት ኣናብር ኮይኖም ጥራይ ተሪፎም። ንኹሉ ኤርትራዊ ዝጥርንፍ እማመ ብምቅራጽ ንባዕሎም ተጠርኒፎም ኣብነት ብምዃን ህዝቦም ምምራሕ ስኢኖም ኢንታይ ኢዮም ኮይኖም????ውድብ ወይ ሰልፊ ሲቪክ ማሕበር ቦታዊ ኣውራጃዊ ከተማዊ…….ወዘተ ውደባ ኩሉ ድሕሪ ህላወ ሃገር ምዃኑ ኣንዳዕዲዕካ እናፈለጥካ ነታ ዘዘለኻያ ጎጆ ተጠምጠምኒ ምባል ምስ ሕሉፍ ጅግንነታዊ ታሪኽ ከዋኽብቲ ሰማእታት ኤርትራ ምርጻም ዶ ኣይኮነንን????። ሃገርና ካብዚ ኣዚዩ ሓደገኛ ዝኾነ ተሳጢሓትሉ ዘላ ኩነታታ ንምድሓን ንኩሉ ኤርትራዊ ፖሊቲካዊ ምንቅስቃሳት ዓዲሙ ሓደ ሓባራዊ ፍታሕ ዝኸውን ራኢ ብምቅራብ ዘዛቲ ውድብ ሰልፊ ማሕበር ምሁር ውልቀ-ሰብ ተሳኢኑ ማለት ድዩ?????
ብመንገዲ ውድብካ ሰልፍኻ……ወዘተ ፕረዚደንት ምኒስተር ኣባል ባይቶ ንምዃን እንተኾይኑ ኣዝጊብካ ኣብ ናይ ፍልልይ ትጽቢት ዝንበር ዘሎ ብዛዕባዚ ዝሓስብ ደቂሱ ይሓልም ስለዘሎ ይበራበር እሞ ኤርትራ ሃገርና ካብ ናይ ከዳዕ ኢሰያስን ኣብይ ኣሕመድን ውሽጣውን ግዳማውን ውዲት ምስ ደሓነት ብዛዕባቲ ስልጣን ብግህዶ ይሕሰብ።
ሕጂ ዝኾነ ውድብ ንኹሉ ኤርትራዊ ፖሊቲካዊ ምንቅስቃስ ዘራኽብ ኢዩ ዝብሎ እማመ (ኣጀንዳ) ኣዳሊዩ ንዘተ ዕድመ የቅርብ።
ከምዚ ገረ ዓዲመ ነዚ ዝዕብ መልሲ ከኣ ረኺበ ኢሉ ኸኣ ናብ ህዝቢ የቅርብ። ጉዳይ ኩሉ ተተንቲኑ ተገሊጹ መጺጹ ወርጺጹ ኢዩ። ተሪፉ ዘሎ መንገዲ ቃልሲ እማመ ኣለኒ ምባል ዘይኮነ ኣጀንዳን እማመን ኣዳሊኻ ብተግባር ክትዕድም ክትዕደም ከተዛቲ ክትዛተ ምዃንካ ፈሊጥካ ድልውነት ምርግጋጽ ኢዩ። እዚ መድረኽ ዚ ናይ ናይ እማመታት ምቅራብን ንዘተ ነንሕድሕድካ ናይ ምዕዳምን ናይ ቃልሲ እውን ኢዩ። ክንዮዚ ሓባራዊ ረብሓ ካልእ ፈጺሙ የለን እሞ ሃገር ድሕሪ ምድሓን ንሓባራዊ ረብሓ ናይ ሓባር ፍታሕ ንድለ፡
ሃገር ሃገር ሃገር
ናይ ኣቦታት ሰፈር
ሃገር ሃገር ሃገር
ናይ ኣደታት ሰፈር
ሃገር ሃገር ሃገር
ዓቢ ቁምነገር
የለን ዝድምስሶ ነቲ ሓባራዊ ናትና ኣተሓሳስባ
ኣይውክለናን ዩ ናይ ኢሰያስን ኣብይን ኣወሳስባ
ከም ጎረቤት ንሰላም እወ ሕራይ መርሓባ
ነዛ ዓንጋሊትና ናይ ኩልና ኣልባ
ሓደ እንተኾይና ንኢረና መን ይቀርባ
ኤርትራ ኤርትራ ኤርትራ
ናይ ኣቦታት ስፍራ
ኤርትራ ኤርትራ ኤርትራ
ናይ ኣደታት ስፍራ
ሓደ ምስ እንኸውንዩ ዝሕሎ ክብራ
ካብ ጫፍ ናይ ራስ-ቀሳር ክሳብ ራስ ዱመራ
ካብ ደሴት ዳህላክ ክሳብ ዶብ ሑመራ
ካብ ወደብ ዓሰብና ክሳብ ጫፍ ቃሮራ
ክሳብ ቢንቶ መረብ ኪኖ መንደፈራ
ካብ ዛላምበሳ ክሳብ ደሴት ናኹራ
ኩለን ኣውራጃታት ሕምብርተን ኣስመራ
ሰላምታይ ይብጻሕኪ ሃገረይ ኤርትራ
ዓደየ ኤርትራ ኤርትራ ዓደይ
ፈለማ ዝጸገብኩላ ጡብ ኣደይ
ንበኹሪ እዝነይ ዝተበሃልኩላ ብኣቦይ ዝወደይ
ከምዚ ክትኮንስ ኩምትርዩ ዝብል ከብደይ
ዓደየ ዓደየ ኤርትራ ዝዓደይ
ንስኺ ኢኺ (قبلتي) ናይ ምብራቅ መገደይ
ሃገር ሃገር ኤርትራ ሃገር
ናይ ኣቦታት ሰፈር
ሃገር ሃገር መሬትና ዛ ሃገር
ናይ ኣደታት ሰፈር
ሰላምታ ይብጻሕኪ ዓቢ ቁምነገር
ኣቡ ያረድ
You must be logged in to post a comment.