ዓውደ ክትዕ ስቶክሆልም ABF መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ማዕረ ክንደይ ርጉጽን ርጉእን እዩ!


ዓውደ ክትዕ ስቶክሆልም ABF
መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ማዕረ ክንደይ ርጉጽን ርጉእን እዩ!
እዚ ኣርእስቲ እዋናውን፡ ኣገዳሲ ሕጋውነት ዘለዎ ሕቶ ህዝብን ሃገርን’ዩ። ማሕበር ሽወደን-ኣፍሪቃውያን ኣብ ስቶክሆልም ነዚ ጉዳይ መስርሕ ሰላም ህዝቢ ክፈልጥ ክርዳእን ንምግባር ዝተኻየደ ዓወዲ ዘተ እዩ።
ኣብ’ዚ ዓወደ ዘተን ክትዕን ከኣ በዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣርእስቲ ጽሑፍ ዘቅረቡ ዝቀረቡ እዞም ዝስዕቡ ነበሩ።
ኣቶ ቡ የውሃንሶን ኣምባሳድር ሽወደን ኣብ ኬንያ
ኣቶ ሙሴ ኤፍረም ናይ ሕጊ ምሁር
ኣቶ መስፍን ምሁር ፖሊቲካል ሳይንስ
ወ/ት ክሪስትና ሓላፊት ወጻኢ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃገር ሽወደን
ኣላዪ መድረኽ ኣቶ ጉናር
እዚ ኣገዳስን ዓብይ ኣርእስትን፡ ኣብ ኣርባዕተ ሰብ ሞያን ዝተፈላልየ መርኣያ መስርሕ ሰላም ዘለዎ ሓሳባት ሒዝም ዝቀረቡ ምስ’ቲ ዝነበረ ገደብ ግዜ ኣዝዩ ሓጺር ብምንባሩ እቲ ቀንዲ ጉዳያት ከይተላዕለ ተዛዚሙ። እቶም ብመጽናዕቲ ጽሑፍ ዘቅረቡ ኣካላት ላህመታዊ ዝኾነ ሓሳባት ከም መበገሲ ዘቅረብዎ’ኳ እንተነበረ፡ ሓሓሊፉ ነቲ ርጉጽን ርጉእን መስርሕ ሰላም ክዕወትን ክዕንቀፍን ዝኽእል ተርእዮን ተርኽቦታትን ኣገዳሲ ሕቶ ኣልዒሎም። ብመሰረቱ ግን ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብጉዳይ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ካብ’ቶም ብቀረባ ዝምልከቶም ኣህዛብ ወጻኢ ህዝቢ ከተማ ስቶክሆልም ክፈልጦ ዝተግብረ ተበግሶታት ኣዝዩ ጠቃምን ኣገዳስን ምንባሩ’ዩ።
ኣዳለውቲ ኣኼባ ልዕሊ ዝተጸብይዎ ተሳታፊ ብምምጽኡ ከይተገረሙ ኣይተረፉን። ብቁጽሪ ከኣ መብዛእትኦም ሽወደናውያን ካልኦት ግዱሳት ምንባሮም፡ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን’ውን ተሳቲፎም።
ተሳተፍቲ ዘቅረብዎ መሰረታዊ ሕቶታት መስርሕ ሰላም ኣብ’ዚ ዓውደ ክትዕ ከም ዘይተላዕለ ኣመልኪቶም ብሕቶን ርእይቶን ሓሳባቶም ገሊጾም።
ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ እቲ ብቋንቋ ሽወደንን ብእንግሊዝኛን ዝቀረበ ዓወደ ክትዕ ብሙሉእ ብመንገዲ Tv Sened ንሰማዕቲ ክመሓላልፍ’ዩ።
ዜናን ሓበሬታን ውሓዲለ
24 ጥሪ 2020
You must be logged in to post a comment.