ንዓና ንኤርትራውያን ካብ’ዚ ዝሓሰመ ግዜ ክመጸና ይኽእል’ዶ?

ንዓና ንኤርትራውያን ካብ’ዚ ዝሓሰመ ግዜ ክመጸና ይኽእል’ዶ?

ርሑቕ ከተማዕዱን ንመጻኢ ክትጥምትን ኣዝዩ ከቢድ ነገር’ዩ። ደቂ-ሰባት ከአ ኣብ ዘለውሉ ግዜ ኴይኖም ብዘለዎም ሕሰመ-መከራ ጥራይ ተዓብሊሎም ንርሑቕ ከማዓድዉን ናብ መጻኢ ጠሚቶም ዘላቒ ፍታሕ ከትልሙ/ክህንድሱን ይጽገሙ። “ሽግር መባኣሲ” ከም ዝብሃል ከአ፣ ኣብ ልዕሊ ዓቢ-ቀላይ ብሓደ እናንሳፈፉ መርከብ-ድሕነት ካብ ህቦቡላ(ማዕበል) ከድሕኑ ክንዲ ምቅላስ ሓድሕድ ይዋጠጡ። እሞ ደረት-ትርኢት ደቂሰባት ይኹኑ ናይ ሕብረተሰባት፣ ምስ ኵነታት ራህዋን መከራን፣ ይፈላለ’ዩ ክንብል ንኽእል’ዶ? መርከበኛታት ንመርከብ-ድሕነት ካብ ህቦብላ ቀሊሶም ናብ ምድሪ-ኣማን ኣቢሎም ሰቦምን ማሎምን ከስግሩ ከኣ፦ ብዙሕ ጥበብን ዓቕልን፣ ብዙሕ ጽሮትን ጻዕርን፣ ልዕሊ ኵሉ ከኣ ሰሚርካን ሓቢርካን ምሥራሕ ይህልዎም። ብዘይካ’ዚ ከኣ እቲ ኣብ ኣፍ ባሕሪ ዘጋጠሞም ዕንቅፋታት ኣብ ማእከል ምስ በጽሑ ካዕበት ሽግር ከልዕል ከም ዝኽእል ኣብ ቅድሚ ዓይኒ-ሕልናኦም ኣቐሚጦም ከሎ-ጌና ክዳለውሉ ይግባእ።

ምስ ኵዉንነት ኤርትራ ከነተኣሳስሮ ከሎና ከአ፣ ህልዊ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጣባውን ኵነት ሃገርና ብተማሳሳሊ ኣዝዩ ከቢድ ኣሎ። ሎሚ ገና ንህግደፍ ምግጣም ተሳኢኑና ንሳቐ ኣሎና። ጽባሕ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነስ ምስ ኣህጉራውን ዞና’ውን ሓይልታት ክንገጥም ንጥለብ ንኸውን። ምኽንያቱ ህግደፍ ድሮ ብሃገር ምስ ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ኣብ ዋጋ-ዕዳጋ ክኣትወላ ዓይኑ ከም ዘይሓስየሉ ዛጊት ኣተንቢሁ’ዩ።

እቲ ፍልልዩ እምብኣር፣ ከምቲ ኣብ ኣፍ-ባሕርን ኣብ ማእከል ዓበይቲ-ማያትን መሲልና ክንርእዮ ዝፈተና፣ ናይ ከበድቲ ከቢድ ብድሆ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ዓይነ-ሕልና ናይ ደለይቲ ፍትሒ ንምቕማጥ ዝኣክል’ዩ። ዕላማና ንመጻኢ ሞትን ጥፍኣትን ንምንባይ ዘይኰነስ፣ ግዜ እንተዘይሰሪሕካሉ ይሰርሓልካ ብምዃኑ፣ ንናይ ሎሚ ዕዮ-ገዛና ኣማሊእና መታን ክንከይድ’ዩ። ናይ ሎሚ ዕዮ-ገዛና ብሓድነት ምብጋስ’ዩ። ሓድነት ዘዐውቶ ከአ ኣብኡ ምስ በጻሕና ኢና ሓቀኛ ዓቐኑ ብኣሃዝ ክንምጥኖ ዝከኣል። በቲ ክርከብ ንትስፈዎ ዓወት ጎልቢትና ከአ ንካልኦት ዝቀላቐሉ ሽግራት ኣብ ምግጣም ዘይድፈር ሓይሊ ይህልወና። ሻቡ ነቲ ጉልቦትና ርእዮም’ውን ናብ ሃገርና ቀንጠብጠብ ክብሉ ኣይደፍሩን ጥራይ ዘይኰነስ፣ ናይ ደለይቲ ፍትሒ ሻርነት ክሕዙ’ውን ይመጣጠሩ ይኾኑ። ከምቲ ኣበው ዝብልዎ እቲ ጕዳይ፣ “ሸላውን ዘለዎ ኣብ ጅብኡ’የ፣ ከምዓልካ ‘ብልዎ እንዳጸውዑ’የ”፣ ስለ ዝዀነ።

ኣብ ታሪኽ፣ ቅሱን እዋን ዘበነ ጣዕሚ ክኸውን ከሎ፣ ሕሱም እዋን ከአ ጀጋኑ መራሕትን ሓብሓብትን ህዝቢ ዝወለድሉ ህሞት’ዩ። እዚ ዘሎናዮ እዋን ከአ ዘበን ሕሰመ-መከራ ኢዩ። እሞ ኣሸበሸብ፣ እቶም ጀጋኑ ድኣ ንምንታይ ሎሚ ህዝቦም ክመርሑን ከድሕኑን ዘይቅልቀሉ እነተተባሂሉ፤ እቲ ሕቶ ተመሊሱ ናባና ናብ ህዝቢ’ዩ ዝምለስ። ጅግና ንወልድ ህዝቢ፣ ጅግና ነምክን ህዝቢ ብምዃና! ስለዚ ቅድሚ ዝኣገረ’ሞ ከም ህዝብን ከም ተቓለስትን ጕዳይ ሓድነትና ንግበር፣ ስዒቡ እቲ ጅግና ዓደብኡ ካብ ማእከልና ብድድ ክብል’ዩ፤ መን እፈልጥ ከአ እቲ መድሕና ጅግና፣ ንስኻ ኣብ ማዕዶ ዘሎኻ’ውን ትኸውን።

ብቓልስና ክንዕወት ኢና!

ውድቀት ንምልኪ!

ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንጀጋኑ ስዋኣትና!

ርእሲ ዓንቀጽ

ውድብ ሓድነት ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

27 ጥሪ 2020

Leave a Reply

Please log in using one of these methods to post your comment:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.